2013-03-19 15:18:59

ወግዓዊ ምጅማር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ መርሕነት ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ሎሚ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዕጹው ቅዱስ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝሓረዮም ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ማሪዮ ቦርጎሊዮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 31 መራሕቲ ሓገራትን፣ 6 ንጉሳን 3 ልኡላን ወረስቲ ንግስናን 11 መራሕቲ መንግስታት ዝርከብዎም ብጠቕላላ ልዕሊ 130 ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ኣይሁድን ምስልምናን ቡድሃን ሲክን ጃይኒስትን ሃይማኖታት መራህቲ ዝርከብዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ከም እተሳተፉ ክምልክተ እንከሎ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ልዕሊ 200ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ካብ ወጋሕታ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ካብ ሰዓት ሹድሽተን ፈረቓን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ቅዳሴ ንምስታፍ እውን ከምእተረኽቡ፣ ምስ ቅዱስነቶም 180 ቡፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ካህናትን ብሁባሬ ከምዝቐደሱ እንክምልከት እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ገፋፊ ዓሳ ምልክት ዝተነብሮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀለበቶም ካብ ወርቂ ዝተሰርሔ ከምዘይኮነን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ በጽሑ ሰላምታ ንመላእ ምእመናን ንምቕራብ ዑደት ከምዝፈጸሙን ክምልከት እንከሎ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዝሓበርዎ፦ “እቲ ስርዓት ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከም ናይ ሮማ ጳጳስን ናይ መላእ ቅድስትን ሓንትን ካቶሊካዊትን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳ. ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብወግዒ ዝጅምርሉ ከምዝኾነን፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መበገሲ ተልእኾኦም ኣብቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ እምነት ሰማዕትነት ዝኸፈለሉን ቅዱስ ዓጽሙ ዝዓረፈሉን ቅዱስ ሥፍራ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ” ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ድሕሪ ቅዳሴ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ምስ ብፁዓን ቅዱሳን ፓትሪያርካትን ምስ ዓቢይቲ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓቢሮም ኣብ ቅዱስ መቓብር ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳለሙን እቲ ዝፍጸምዎ መንፈሳዊ ዑደት ድማ Laudes Regiae-ናይ ንጉስ ክብሪ” እተሰምየ ኵላዊ ንግስትነት ክርስቶስ ዝገልጽ ዜማ” ዝተሰነየ ኮይኑ እቲ መንፈሳዊ ዑደት እንክቕጽል ድማ ክብሪ ክርስቶስ ዝገልጽ ሊጣንያን ምሕለላን ተዘምዩን ሊጣንያ ቅዱሳት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘጠቓለለ ናይ ቅዱሳትን ሰማዕታትን ሊጣንያ ከምእተዘምየ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝባኖም ዘንብርዎ ቃለ ተኣምኖ ቅዱስ ጴጥሮስ መግለጺ ኣክሚም ነቲ ናይቲ ዝጠፍኣ ኣባግዑ ዘናዲ እሞ ምስ ረኸበን ድማ ኣብ ዝባኑ ተሰኩሙ ዝጓዓዝ ናይ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳ ምልክት ዘለዎን ስዕቢ ድማ እቲ ናይ ገፋፊ ዓሳ ምልክት ዝኾነ ቀለበት ካብ ወርቂ ዘይተሰረሐ ኮይኑ ቅዱስ ጴጥሮስ ገፋፊ ዓሳ ከምዝነበረን ኢየሱስ ድማ ገፋፊ ሰብ ክኸውን ከምዝጸውዖ ዘነጽርን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃን ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘጥልቕዎ ቀለበት ምልክት ገፋፊ ዓሳ ብኢጣሊያዊ ናይ ስነ ንድፍን ቅብእን ሊቅ ኤንሪኮ ማንፍሪኒ ዝተሰርሔ ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ኣብቲ ቅድሴ ድማ ወንጌል ብቛንቋ ግሪክን ዜማን ከምዝቐረበን እዚ ድማ ምልክት ውህደት ምዕራብን ምስራቕን ዝገልጽ እዩ።
መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣትዮም ናይ ቅዳሴ ልብሶም እውጺኦም ምስ ኣብቕዑ ምስ መላእ ዓበይቲ መራሕቲ መንግስታትን ሃገራትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓበይቲ መንፈሳዊ መራሕትን ሰላምታ ከምእተለዋወጡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.