2013-03-17 16:30:37

ሰንበት ዘቅድስት 2005 ዓ.ም. (3/17/2013)


መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 10፡8~13፥ 1ጴጥ. 1፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 10፡7~30፥ ሉቃስ 4፡1~13
ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።
መዝሙር፡ ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበቱ ነኽብር።
ጾም ዝሓለፈ ሰኑይ ዘቅበላ ጀሚርና ብልምዲ ጾመ ንጉሥ ይብሃል አብዚ እዋን ግን ንዓቢጾም ክንሰናዶ አብ ውሽጥና አቲና ክንሕደስ ምእንቲ ክንሰናዶን ነቶም አብ ሃገር ምምራሕ አብዘለዉ አምላኽ ንየምን ክመርሖም ርትዒ ሰላም ፍቕሪ ከውጽኡ ምእንቲ ክንጽልየሎም ዝሕግዘና እዩ። ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ጾም አርብዓ ጾም ቅድስቲ እውን ይብሃል እዩ ክንጅምር ኢና። እዚ ስም ዝውሃቦ ክርስቶስ ብጾሙ ባዕሉ ስለ ዝጀመሮን ስለ ዝቐደሶን እዩ። ከም አቖጻጽራ ግዕዝ ጾም ካብ ጾመ ንጉሥ እንተ ጀመረ 55/56 መዓልቲ እዩ ዝጽወም።
ጾም ብሰለስተ ዓይነት ክርአ ይክአል፡

ጾም ዓቢብ ባብ ድሕነት ዝኸፍት ቅዱስ እዋን እዩ። አብ ቀደም እዋን ጾም ብዙሓት ከም እንዝክሮ ብባህጊ እትጽበዮ ጊዜ አይኮነን፥ ክንጸውም ካብ ጥልላት ክንክልከል ስለ ዘሎና ከቢድ ተጋድሎ እዩ። በዚ ምኽንያት ትንሣኤ ብዓቢ ሃረርታ ኢና እንጽበያ። ከም አተሓሳስባ አብ ጾም ዘሎና አተሓሳስባ ብዙሕ ዝፍቶ አይኮነን። አብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ርድኢት ከአ ብአንጻሩ ብዛዕባ ጾም ዘሎና ርድኢት ፈጺሙ ቀይሩ። ብዙሓት ፍልልይ ምጻምን ዘይምጻምን አይፈልጡን ስለዚ አይጾሙን ። ሓንቲ ከይገበሩ ትንሣኤ ዝአትዎም ውሑዳት አይኮኑን።
ጊዜ ጾም ሓደ ካብቲ አብ ሕወትና ዝበለጸ እዋን ቅድስና እዩ። ትርጉምን ምስጢር ጾም ከይተረድአና ክነብር እንከሎና የሕዝን እዩ። ጾም ዝጠቕመና ካልእ አይኮነን ምስጢር ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ክንርዳእ እሞ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ነዚ ልቢስና ክነብር ምእንቲ እዩ።
ጾም ዓመታዊ ሱባኤ እዩ፡
አብዘን እዋናት ጾም ምስ አምላኽ ሓደ ክንከውን ኢልና ሱባኤ ንአቱ አሎና። ዓሚቕ አፍልጦ እምነትና ክህልወና ምእንቲ ኢላ ቤተ ክርስትያን ጾም ትእውጀልና። እዚ ጊዜ እዋን አስተንትኖን ተሓድሶን፥ እዋን ንሓዲስ ተበግሶን እዩ። አብ ዓድና አብዚ እዋን ብዙሕ ሰብ መዓልቲ መዓልቲ ቅዳሴ ይሰምዕ ምሸትን ንግሆን ፍሉይ ጸሎት ይግበር። አብዚ ጊዜ ብፍላይ ድሕሪ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ንድሓር ቤተ ክርስትያን ፍሉይ ንባባት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ ከምኡ ናይ ሶምነ ሕማማት ጸሎታት ክነዘውትር ትሕብረና።
አብ ዘዳግም 26፡4~10 ዘሎ እንተ አንበብና ሙሴ ንህዝበ እስራኤል አብ መወዳእታ ናይ አርብዓ ዓመት አብ በረኻ ኮለል ድሕሪ ምባል ነቲ ሓዲስ ሕይወት አብ ምድረ ተስፋ ዝጀምርዎ ከም ከም ዘቀራረቦም ንርኢ። አብቲ አምላኽ ዝቐረበሎም ዘሎ ሓዲስ ሃገር ብሓዲስ መንፈስን ተሓድሶን ክአትውዎ ከምዝግባእ ኩሎም ክሕደሱ ይሓቶም። እዚ ኢዩ ሎሚ ንሕና አብዚ ጊዜ ጾም ክንገብሮ ዝድለ ዘሎ። ንትንሣኤ ክርስቶስ ብሓዲስ ሕይወትን መንፈስ ክነብዕሎ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ኢየሱስ ብድያብሎስ ከም ዝተፈተነ ይነግረና። ተልእኮኡ ቅድሚ ምጅማሩ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ብጾም ተሰንዩ ድሕሪ ምስንዳዉ ድያብሎስ ክፍትኖ አብኡ መጸ። እዚ ፈተና አብ መንጎ ጥምቀቱን ንህዝቢ ክሰብኽ ምጅማሩን እዩ ኮይኑ (ንሉቃስ አብ ገሊላ እዩ ጀሚሩ ስብከቱ)።
ጾም ናይ ምጅማር ጊዜ እዩ፡
አብ ቀዳሞት ዘመናት ቤተ ክርስትያን ጾም ከም ንሓዲስ ነገር ከም መጀምሪ እዩ ዝርአ ነሩ። አብዚ እዋና እውን ከምኡ እዩ። አብ ባህሊ ቤተ ክርስትያን ሓደስቲ አመንት እንቅበለሉ እዋን እዩ፥ አብዚ እዋን አብ ጊዜ ቅዳሴ አብ መዓልቲ ትንሣኤ ጥምቀት ሜሮን ቅ. ቍርባን ብምሃብ ንሓደስቲ ንኡሰ ክርስትያን አባላት ቤተ ክርስትያን ንገብሮም። እዚ እዋን ጾም ነቶም ሓደስቲ አብ ክርስትና ዝአትዉ ጥራሕ ዘይኮነን ንአና እውን ሓዲ ምጅማር እዩ። ከም ልምድን ባህልን ጥራሕ ንኸዶ ዝነበርና ሎሚ ፍሉይ ጣዕምን ትርጉምን አብ ሕይወትና ረኺቡ ክንሕደስ እንጀምረሉ እዋን እዩ። ከይተሓደስና ብስም ጥራሕ ክርስትያን ኢና እናበልና ዘይተሓደሰ ሕይወት ሒዝና እንጉዓዝ ሎሚ እዋና እዩ ንሓዲስ ምጅማር።
አርብዓ መዓልቲ አብ በረኻ፡
ጾምና ምስቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ በረኻ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ዝመሳሰል እዩ። ንኢየሱስ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ አገልግሎቱ ተልእኮኡ ምስንዳው እዩ ነሩ። ማቴዎስን ሉቃስን ከም ዝሕብሩና ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ጾም ድያብሎስ ሰለስተ ፈተና ከም ዘቕረበሉ ይነግሩና። አብዚ ክንርድኦ ዘሎና እዚ ፍጻሜ ቃል ንቓሉ ታሪኻዊ አቀራርባ ዝለበሰ ኮይኑ ክርአየና የብሉን ማለት ከምዚ ሰይጣን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብቪድዮ ዝቕዳሕ አብ ተለቭዥን ዝርአ ገርና ክንወስዶ የብልናን። ሰይጣን ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ዘተ ምስ ሰባት አየካይድን እዩ። ሰይጣን ፈተና እዩ ዘቕርበልና። ነዞም ናይ ኢየሱስ ሰለስተ ፈተናታት ከም ሓደ ድሕሪ ሓደ አብ ሓደ እዋን ዝተፈጸሙ ዘይኮነስ አብ ምሉእ ጊዜ ተልእኮኡ ከም ፈተና ኮይኖም ዝቐረቡ ገርና እንተ ረአናዮም ዝሓሸ እዩ። እዞም ሰለስተ ፈተናታት ሓደ ጊዜ ቀሪቦም ዝሓለፉ አይኮኑን ደጋጊሞም ዝተመልሱ እዮም። አብ ወንጌል እንተ ርኤና አብነታት ክኾኑና ዝኽእል አለዉ። ፈሪሳውያን ንሱ ካብ አምልኽ ከምዝኾነ ከረጋግጹ እስከ ተአምራት ክገብር እናበሉ ሓቲቶሞ (ማርቆስ 8፡11)። “አታ ንቤተ መቕደስ አፍሪስካ ብሠለስተ መዓልቲ እትሓንጽ እስከ ንርእስኻ አድኅን ወዲ አምላኽ እንተ ድአ ዃንካስ እስከ ካብ መስቀል ውረድ እናበሉ ይጸርፍዎ ነሮም” (ማቴ 27፡40)። ነቶም 5000 ዝጠመዩ ህዝቢ ማእለያ ብዘይብሉ መግቢ ምስ መገቦም እቶም ህዝቢ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብይ እዩ በሉ፥ ኢየሱስ ድማ ብኃይሊ ኂዞም ኬንግስዎ ይመጹ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ ከም ብሓዲሽ በይኑ ናብ እምባ አልገሰ” (ዮሓ 6፡14~15)። ነዚ አብ ግምት አእቲና አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረኤና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ዝተፈላለየ ካብ አምላኽ ዘርሕቕ ፈተናታት ክመጽኡና ይኽእሉ እዮም።
እቲ ዝቐረበ ፈተናታት ከምዚ እዩ ነሩ፡
እታ ቀዳመይቲ ፈተና “ነእማን አብ እንጌራ ምልዋጥ” ሳልሰይቲ ምስአ እትኸይድ “ካብ ዝባን ቤተ መቕደስ ዝለል” እየን ነረን። ከልትአን ንኢየሱስ ካብቲ ተልእክኡ ከውጽእኦ እሞ አብ ርእሱ ጥራሕ ዘተኮረ ከም ሓደ ውሩይ ምርኢት ዝገብር ኮይኑ ክቕረብ እዩ አቕሪብሉ። እዚ ማለት “ንአይ ስዓበኒ አነ ዝዓበኹ እየ” እናበለ እዩ ፈቲንዎ። ካልአይቲ ፈተነ “ንሰይጣን ከምልኾ እሞ ንሱ ሓይልን ሃብትን” ክህቦ። እዚ እውን ንኢየሱስ አጠፋፊኡ ካብቲ ሓቀኛ መገዲ ናይ ኩሎም ደቅሰብ ዝኾነ ካብ ፍቕርን አገልግሎት አምላኽን ካብ ተፈጥርኡን ከውጽኦ ዘቕረቦ እዩ። ካብቲ መንግስቲ ፍቕርን አገልግሎትን አውጺኡ አብ መንግስቲ መላኽን ንርእሱ ልዕሊ ኹሉ ገሩ ዝመርሕ ክመልሶ እዩ ደልዩ።
ቅዱስ ሉቃስ ንካልአይትን ስላሰይትን ፈተነታት ይገላብጥን ምስቲ አብ ማቴዎስ ዘሎ እንተ ረኤናዮ እዚ ኸአ ንኢየሩሳሌም ከምቲ ናይ መወዳእታ ተልእኮኡ አብአ ዝተፈጸም ከምኡ ናይ እቲ ፈተና ቀንዲ ማእከል ከም ዝኾነት ክገልጽን ቤተ ክርስትያን አብአ ከም ዝጀመረት ክገልጽ ኢሉ እዩ።
እዚ አብ በረኻ አርብዓ መዓልቲ ሓንቲ ከይበልዐ ምጽንሑ ነቲ ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዝገበሮ የዘኻኽረና። ሙሴ ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ንመልእኽቲ እግዚአብሔር አብ ሕጊ አስፊሩ አዊጁ ከምኡ ኢየሱስ እውን ድሕሪ ፈተንኡ አብ ቤተ መቕደስ ናዝሬት ተመሊሱ ናይ ተልእኮኡ ዓላማን እንታይነትን ገሊጹ (ሉቃ 4፡16~21)። አብቲ ኢየሱስ ነቲ ፈታኒ ዝሃቦ መልሲ እንተ ረኤና ኩሉ አብ ዘዳግም እንረኽቦም እዮም። እቲ ፈተነታት ዝቐረቦ ኩሉ ንእስራኤላውያን አብ ጉዕዞ በረኻ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዘውድቖም ዝነበረ እዩ። እቲ ፍልልይ እስራኤላውያን ወዲቖም ኢየሱስ ግን አይወደቐን።
እስራኤላውያን እኹል መግቢ ብዘይምንባሩ አግሮምሪሞም፥ ኢየሱስ ግን “ሰብ ብኹሉ ቃል አምላኽ እምበር ብእንጌራ ጥራሕ አይነብርን እዩ” እናበለ ተዛሪቡ።
እስራኤላውያን ብዙሕ ጊዜ አብ ካልኦት አማልኽቲ አሚኖም እዮም፥ ኢየሱስ ግን ነቲ ሓደ አምላኽ ጥራሕ ይአምን። “ንእግዚአብሔር አምላኽ ስገድ ንአኡ በይኑ ድማ አምላኽ”።
እስራኤል አብ ማሳሕን አብ መሪባን ንእግዚአብሔር ማይ ክህቦም ፈቲኖሞ፥ ኢየሲስ ግን ንእግዚአብሔር ካብ ምፍታን አብዩ “ንእግዚአብሔር አምላኽካ አይትፈታተኖ” እናበለ አብ አምላኹ አሚኑ።
አብ ኩሉ ኢየሱስ ዘርአዮ ንሱ አብ ኩሉ እሙን ከም ዝኾነ አብ አምላኽ ብእምነት ከም ዝጉዓዝን እሞ በዚ ተግባሩ ንሱ እቲ መስሕ ምዃኑ አመስኪሩ። እዞም ፈተናታት ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘልኦም እዮም ምኽንያቱ እቲ መስሕ ካብ ሰማይ ኅብስቲ ከውርድ እዩ በዚ ኸአ ነቶም ዘይአምኑ ከእምኖም እዩ።
ዝበርትዐ ፈተና፡
ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ፈተና ክንሓስብ እንከሎና ብዛዕባ ስምዒት ፍትወት ሥጋ፥ ሓሶት ምዝራብ፥ ምቁጣዕ፥ ምሕማይ. . . . . ዝአመሰሉ ኢና እንሓስብ። እቲ ድንገታውን ዝበርትዐን ፈተናን ግን ሃብቲ ዓለም ምድላይ ብርእሱ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ልብኻ ቀልብኻ አብ ገንዘብን ሃብትን ገርካ ንኹሉ ብአኡ መልክዕ ምርአይ፥ ክብሪ ምድላይ ኩሉ አባኻ ከትኩር ምድላይ፥ ስልጣን ምርካብ እሞ ብአኡ ንሰባትን ነገራትን አብ ጥቅምኻ ምውዓል። ነገራት ምስ ሃብቲ ፥ ስልጣንም ክብርን ዝኸዱ ምድላይ።
እዚ ነገራት ድንገታዊ እዩ ምኽንያቱ ንሰባትን ንንዋትን ክብሮምን ጥቕሞምን አውሪድካ አብ ናይ ግሊ ጥቕምኻ ጥራሕ ክተውዕል ስለ ዝገብሩኻ ዓቢ ፈተና እዩ። ከምኡ ንሰባት አብ ውድድርን ጥቕሚ ርእስን ክወርዱ ስለ ገብሮም አብ ዓቢ ድንገት ህርፋንን ስሳዔን ንአይ ጥዓመኒ የውርዶም። አብ ከምዚ ዝነገሶ ዓለም መላኽን ተመላኽን ድኻን ሃብታምን ኢሉ ንሰብ ይመቓቕሎ። ሳዕቤኑ ሃብቲ አብ ውሑዳት ሰባት ወሪዱ ዝበዝሐ አብ ድኽነትን ስእነትን ይወርድ። እዞም አብ ሃብትን ንብረትን ጥራሕ ዝጓየዩ ሰባት ካልእ ድንገት የምጽኡ ናቶም ስርዓት መስሪቶም ሕብረተ ሰብ በቲ ንሶም ዝሰርዕዎ ከምዝነብር ይገብሩ። እዞም ሰባት እዚኦም “እለከርሶሙ አምላኾሙ” ይብሃሉ።
ኢየሱስ ዝመስረቶ መንግስቲ ፍሉይ እዩ።
እቲ ኢየሱስ አብዚ ዓለም ክምስርቶ ዝመጸ መንግስቲ ፍሉይ ርኢቶን መገድን ዝሓዘ እዩ። እቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሕግን መምርሒ ሕይወትን አብዚ እዋን ጾም ብፍሉይ ክነስተንትኖም ግቡእ እዩ። ብዙሓት ክርስትያን ድሕሪ ሃብቲ፥ ስልጣን፥ ክብሪ፥ ከም ካልኦት ክጓየዩ ይርአዩ እዮም። እዚ ግን ናይ ሓደ ክርስትያን መንፈስ አይኮነን እኳ ድአ ጸረ ክርስትና እዩ። ናይ ኢየሱስ መገዲ አይኮነን፥ ናይ እቲ ንሱ ዝመስረቶ መንግስቲ ዝኾዶ መንገዲ አይኮኑን፥ ናይ ሓደ ብሓቂ ምሉእ ሰብ ምሉእ ሓጎስ ዘምጽኡ ዝክተሎም አይኮኑን።
እዚ እዩ ናይ ሎሚ ወንጌልን እዋን ጾም ዘመሓልፉልና። ክነስተንትን እሞ እንጉዓዞ ዘሎና ዓይነት ሕይወትን እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ዳግም ርኢና ክንክእል። ቀዳምነት ሂብና እንኸዶ ዘሎና ከም ክርስትያን ከም ሰብ መጠንን። አብቲ ኩሉ ማዕረ ምዃኑ ዝገልጸ ናይ ሰብ መንነት ዘሎና እምነትን ርድኢትን ዳግም ክንገልጽ።
ቅ. ጳውሎስ አብ ሮሜ 10፡11~13 “ብአኡ ዝአምን ዘበለ አይኃፍርን እዩ፥ አብኡ አብ መንጎ አይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ሌላን ጉለላን የልቦን፥ ንሱ ናይ ኵሉ ጎይታ እዩ ነቶም ዚጽውዕዎ ኹሎም ድማ አበርኪቱ ዚህብ እዩ፥ ከመይ ስም እግዚአብሔር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድኅን እዩ” እናበለ ናይ ሓደ ክርስትያን ዝጎዓዞ ሕይወትን መንነትን ይገልጸልና። አብ መንጎና ገለ ሰባት አብቲ አምላኽ ዝፈጠሮን ዝሃቦን ህያባት ንዋታውን ማሕበራውን መንፈሳውን ነገራት ከይሳትፉ ዝዓግቱ ዓቢ ዕንቅፋት እዮም ዝገብሩ።
ዘይውዳእ ቃልሲ፡
አብ መወዳእታ ናይ ሎሚ ወንጌል “ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድአ ንጊዜኡ ኃደጎ” ይብል። ኢየሱስ ምስ ድያብሎስ ዝነበሮ ውግእ ጌና ከም ዘይተወድኤ ንርኢ። አብ ሕይወቱ ደጋጊሙ ክቃለሶን ክፍትኖን ንርኢ ብፍላይ አብተን መወዳእታ ሰዓታት አብ ጌተሰማንን አብ ቀራንዮ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ እንከሎን።
ልክዕ ንአና እውን ናይ ሰይጣን ፈተናን ቃልስን ጭሪሹ ካብ ምውዳቕና ደው አይብልን እዩ። ንአይ ጥዓመኒ፥ ስስዕቲ፥ ቁጥዓ፥ ጽልኢ፥ ቅንኢን ሓሰዳን፥ ልዕሊ ኹሉ ናይ ህርፋን ድለት አብ ክንዲ ክትህብ ክትወስድ ጥራሕ ምድላይ፥ አብ ክንዲ ምግልጋል ክትቆጻጸር ጎይታ ክትከውን ጥራሕ ምድላይ ዕለት ዕለት ዘጥቅዑና ፈተናታት እዮም። ንሕናን ደቅናን ከይተረድአና አብ ናይ ውድድር ዓለም አቲና ንነብር አሎና። አብ ሕይወትና ክንዕወት እንተ ኾና ሰማይ ጠቀስ ገዛውቲ ብምስራሕን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ እንተ አከብና አይኮነን፥ አብ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን እሞ አብቲ ናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ተመስሪትና አብ ሕይወትና ሓቅን ምሉእ እምነትን አብ ግብሪ ፍቕሪን ሓልዮትን ምስ ምሉእ ነጻነትን ሰላምን ዘልኦ ሕብረተሰብ እንተ ፈጠርና እዩ።
እዚ እዩ ናይ ጾም ትርጉም ዓመት ዓመት እንገብሮ። አብ ዝሓለፈ ዓመታት ከይተዓወትና ሓሊፉና እንተ ኾነ ሎሚ ንተዓወት። እዚ እዋን ናይ ተሓድሶን ፍቕርን ሕድገትን ገርና ሕይወትና አብ ክርስቶስ ንምለሳ። ባዕሉ ክርስቶስ ብጸግኡ የሰንየና ጉዕዞ ጾምና ናብ ቅድስናን ፍቕርን ዝመርሕ ይግበረልና። ቅዱስ ጾም ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.