2013-03-16 15:32:42

መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ጥበብ ወትሩ ዘደንቕ


RealAudioMP3 ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ር.ሊ.ጳ. ንኽኾኑ ብምሕራዮም ናይ ንኡሳነ ክርስቲያን ጎዕዞ ማኅበረሰብ ምስ ካርመን ሄርናንደዝ ኮይኖም ዝመስረቱ ኪኮ ኣርጕዌሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝግበርዎ ቃለ ምልልስ ዝተሰምዖም ሓጐስ፦ “መንፈስ ቅዱስ ፍጹም ጥበብ ወትሩ የደንቕ ከይሓሰብካዮን ከይተጸበኻዮን በቲ ጥበቡ ገይሩ ዘገርመካ ምዃኑ ዘረጋግጽ ተግባር እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፣ ንመላእ ናይ ንኡሳነ ክርስቲያን ጉዕዞ ማኅበረሰብ ኣባላት ብሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምኽንያት ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሓቢሮም።
“ቅዱስ ፍራንፈስኮ ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሒ ብሓቂ ዘገርምን እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ድኽነትን ብስራተ ወንጌልን እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹጽን ናይ ተልእኾ ተግባር ኽኸውን ዘለዎ እዩ። ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዘደንጽውን ድኻታትን ቃል ብስራትን ዘለዎ ማእከልነት ዘነጽር እዩ። ናይዚ ተልእኾ’ዚ መራሒ ንኽኾኑ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝበልዎ መንፈስ ቅዱስ ናብ ጫፍ ዓለም ከይዱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓርዩ” ኢሎም።
እቲ ዝመረጽዎ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መለለዪ ስሞም ዓይነት ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ስልጣናዊ መርሕነቶም ዝገልጽን እቲ ኣብኦም ዘሎ ዘይተሓለለኸ ንጹር ሕይወትን ትሕትናን መንፈሳውነትን ዝገልጽ እውን እዩ። ሊቕነቶም ዓቢይን ብሓቂ ገና ከደንቑና ድማ እዮም። ንእዋናዊት ቤተ ክርስቲያን መልሲ እግዚኣብሔር እዮም። ናይ ቡዌነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ኣብ ሓደ እዋን ንመንእሰያት በቢ ክልተ ኪዱ ወንጌል ስበኹ ቢሎም ምስ ለኣኽዎም እቶም መንሰያት ኣብ መላእ ኣርጀንቲና ኣገልጊሎም ናብ ቡዌኖስ ኣይረስ መንበረ ጳጳስ ተመሊሶም ምስ ኣብቅዑ፣ ስለምታይ ድኣ ናባይ ዘይመጻእኩም ኣነ እውን ወንጌል እውን የድልየኒ እኳ እዩ እንክብሉ ከምዝገለጽሎም ኣርጕዌሎ ታሪኽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶም ምስ ገለጹ፣ “ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ቤት ክርስቲያን ከምቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ማእከል ምዃኑ ድሮ ገሊጾምዎ ኣዮም። ስለዚህ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘነቓቕሑ ከምዝኾኑ ዘየጠራጥር እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.