2013-03-14 11:53:35

ንመረጻ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ዝምልከት መግለጺ ናይ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ


ንመረጻ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ዝምልከት መግለጺ ናይ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ኮይኖም አብ ዝተመርጹሉ ጊዜ ብዙሓት ሰባት ንዝተፈላለያ ተቅዋማት ወኪሎም ሓጐሶም ንምግላጽ ብዛዕባ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ርእይቶ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ንሎሚ ብናይ ቅድስት መንበር ናይ ማኅተምን ዜናን ሓላፍን ዋና አመሓዳሪ ረድዮ ቫቲካንን ዝኾኑ ጥቀ ክቡር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዶ ብዝሃብዎ መግለጺ ክንጅምር፣ ሕጽር ብዝበሉ ቃላት አባ ፈደሪኮ ነዞም ሓዲሽ ር.ሊ.ጳ ክገልጽዎም እንከልው “ንቤተ ክርስትያን ብገርህነትን ብኅብረትን ከገልግሉ ዝኽ እሉ ር.ሊ.ጳ” ይብልዎም፣
ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ሥልጣኖም ብወለንታኦም ከምዝወረዱ ካብ ዝአወጁላ ዕለት ክሳብ ትማሊ ምሸት ን32 መዓልታት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝወርሑ ልዕሊ 5000 ንዝኾኑ ጋዜጠኛታት አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አብ ዝሃብዎ መብርሂ ከገልግሉ ዝደልዩ ር.ሊ.ጳ ምዃኖም ደጊሞም ድሕሪ ምግላጽ ቅዱስነቶም ሎሚ ምስ ኩሎም ካርዲናላት ኃቢሮም ናይ ምስጋና ቅዳሴ ከምዝቅርቡን ናብ ሳንታ ማርያ ማጆረ ባዚሊካ ከይዶም ናብ እኖና ድንግል ማርያም ከምዝምሕጸኑን ዝመጽእ ሰሉስ ዕለት 19 መጋቢት ከአ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መንበረ ሥልጣንን በትረ ሥልጣንን ተረኪቦም ተል እኾኦም ዝጅምሩሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዝ ዓርግ አመልኪቶም፣
ከምቲ አብ መኽፈቲ ዘረባኦም ድሕሪ ሰላምታ ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ ማለት ቅድሚ ዝአገረ ምእንቲ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ምእመናን ኃቢሮም ብምጽላይ ቅርበቶም ዝገለጹ ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ምስ ተሰናበቱ መጀመርያ ዝገበርዋ ብተለፎን ምስኦም ምርኻብ ከምዝነበረትን ልቢ ንልቢ ከምዘዕለሉን እውን ገሊጾም፣
አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺኦም ብምቅጻል ብፁዓን አበው ካርዲናላት ስለምንታይ ከምዙይ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ ክመርጹ ወሲኖም ንዝብል ሕቶ ነፍሲ ወከፍ እንክምልሱ ከምዙይ ቢሎም፣
“እዚ መረጻ እዚ ብንጽሕና አገልግሎት ንምውፋይ ጨሪስካ ንሥልጣን ናይ ምንጻግ መረጻ ኢዩ፣ ብዝመስለኒ ከአ አብዘን ዝሓለፋ አዋርሕ ዓለምና ንኩነታት ቤተ ክርስትያን አመልኪቱ ብዙሓት ክውን ኮይኑ ክር እይዎ ወይ ናይ ዝሓሰብዎ ሃረርታት ጽብቅቲ መልሲ ኰይና ትረአየኒ” እንክብሉ ባህርያት ናይዞም ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ተጻይ ዝኾነ ህርፋን ናይ ሥልጣንን ገንዘብን ከምዝኾነ ገሊጾም፣
አብ መደምደምታ መግለጺኦም አብ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሎም መዓልቲ ቅዱስነቶም ድሕሪ ግላዊ ቅዳሴን ጸሎትን ከባቢ ሰዓት 11 አብ አደራሽ ክለመንቲና ንኩሎም ካርዲናላት ተቀቢሎም ከምዘዘራርቡ አመልኪቶም ነዚ ዝስዕብ ምስ በሉ ኩሎም ጋዜጠኛታት ብጣቅዒት ሓጐሶም ገሊጾም፣
“ር.ሊ.ጳ ንአና እውን ማለት ንአና ንኩልናን ንኩሎም አብ ማእከል ናይ ዜና አገልግሎት ዝርከቡ ብሓፈሻ ንኩሎም ነዙ ጉዳይ እዚ ዝመጹ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተኛታት ተቀቢሎም ከዘራርቡና ኢዮም” እንክብሉ ከምቲ ቀዳሞት አር እስተ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16ን ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማውን አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንኩሎም ሰራሕተኛታት ናይ መራኸቢ ብዙኃንን ጋዜጠኛታትን ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ዝመጽእ ቀዳም ተቀቢሎም ከምዘዘራርብዎም ሓቢሮም፣
ዝመጽእ ሰንበት ቀዳመይቲ ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎትን ጉባኤ አስተምህሮን ክገብሩ ምዃኖም ምስ ገለጹ ንኦኦም ከይተረፈ ዝገረሞም ቀዳማይ ኢየሱሳዊ ር.ሊ.ጳ ምምራጾምን ከመይ ዝበለ መንፈሳውነት ከምዘዘውትሩን ንመጀመርያ ጊዜ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ምምራጾምን ብጋዜጠኛታት ንዝቀረበሎ ሕቶ እንክምልሱ፣
“ርግጽ ኢዩ ቅድሚ አባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ር.ሊ.ጳ ተሰይሙ አይፈልጥን፣ ኢየሱሳውያን አገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ክኾኑ ኢዮም ሃረር ዝብሉ ኮይኑ ግን እዞም ዝተመርጹ ምናልባት ንቤተ ክርስትያን ብገርህነትን ብኅብረትን ንኸገልግሉ ከም ግቡኦም ብምር አይ ነዙ ኃላፍነት እዚ ተቀቢሎም ክኾኑ ይኽ እሉ፣ መሥራቲና ቅ.ኢግናጽዮስ በዓል ሎዮላ ወትሩ ዓለም ከመይ ምዃኑ ሰፊሕ አራአእያ ክህልወናን ንናይ ዘመንና ሰባት ከአ ነቱይ ካብ ኩሉ ህያባት ዝዓበየ አገልግሎት እምነትን ፍትሕን ከነወፊ ሃኒጹና” እንክብሉ ናይ ኢየሱሳውያን ተልእኮ ድሕሪ ምግላጽ ከም ር.ሊ.ጳ ዝጽውዑሉ ስም ፍራንቸስኮስ ምምራጾም ከአ ነዙይ ዝስ ዕብ ቢሎም፣
“ናይቲ ዓቢይ መስካሪ ወንጌል ፍራንቸስኮስ ዝብል ሽም ምምራጾም ብጣዕሚ ደስ ይበለኒ፤ ስለዚ እቲ ብምኽርታት ወንጌል ናይ ምንባር መንፈሳውነት ገዳማዊ ብዓቢይ ገርህነት ምስ ኩሎም ክሳተፍዎ ምድላዮም የመልክት፣ ኢግናጽዮስ ዘይኮነስ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ምምራጾም ዓቢይ አገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ይስምዓኒ እዚ ከአ ንኩሉ ነቲ ጐይታ ንወንጌል ክንሰብኽን ንቤተ ክርስትያን ክንሃንጽን ዝዕድለና ውህበትን ጸጋን እናተቀበልና ንቤተ ክርስትያን ነገልግል ማለትም ኢዩ፣ እንክብሉ ጋዜጣዊ መግለጺኦም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.