2013-03-13 22:25:24

ንዜንወክሙ ዜና ሠናየ!


ዘሐጕስ ዜና ነበሥረኩም፤ ር.ሊ.ጳ አሎና (ረኺብና)፣
ልዑልን ጥቀ ክቡርን ናይ ቅድስት ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ካርዲናል ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ማርዮ ቦርጎልዮ ተመሪጾም፣ ናይ ር.ሊ.ጵጵስና ስሞም ከአ ፍራንቸስኮ ተባሂሎም ክጽውዑ መሪጾም፣ ብፁዓን አበው ንሳምንታት በጸሎትን አስተንትኖን ከም ኡ እውን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክዋስ ኡን ድሕሪ ምቅናይ ሰሉስ መዓልቲ መጋቢት 12 2013 ብቅዳሴ ዝኸፈትዎ ዕጹው ናይ ር.ሊ.ጳ መረጻ ጉባኤ ማለት ኮንክላቨ ድሕሪ ናይ 24 ሰዓታት ሎሚ ምሸት ሰዓት 19፡06 ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ናይ ዝመረጹሉ ምልክት ጻዕዳ ትኪ ብምትካኽ አበሲሮም፣ አብ ዝሓለፈ ዜና ከምነገርናኩም እቲ መረጻ 6 ጊዜ እንክካየድ ሰለስተ ጊዜ ናይ ትኪ መል እኽቲ ተመሓላሊፉ እቲ ክልተ ጸሊም እንክኾን እቲ ሳልሳይ ግን እዚ እነበስረኩም ዘሎና ኢዩ፣
ሮቡዕ ምሸት ብ አሽሓት ዝቍጸሩ ቤተ ክህነትን ም እመንን ንዝነበረ ዝናምን ቍርን ተጻዊሮም ዓይኖም ጠቍ ክሳብ ዝብል ነቲ ዜና ናይ ምምራጽ ወይ ዘይምምራጽ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ዝገልጽ መል እኽቲ ብትኪ ዝመሓላለፈሉ ማፋ ወይ መውጽ ኢ ትኪ ክጥምቱ ምስ አምሰዩ ልክ ዕ ሰዓት 19፡06 ጻዕዳ ትኪ ክተክኽ ምስ ጀመረ ብጣቅ ዒትን ር.ሊ.ጳ ይንበሩ ቪቫ ኢል ፓፓ ዝብል ጭርሖን ንቅር ዓት ቅ.ጴጥሮስ አንጐድጕዶሞ፣ ነቲ ትኪ ስ ዒቡ ከአ ነቲ ብሥራት ዘጋውሕ ኩሉ ደወል መንበረ ጴጥሮስ ከማኡ እውን ናይ መላእ ከተማ ሮማ ደወል አብያተ ክርስትያን ንነዊህ ጊዜ ተደዊሉ፣

ታሪኽ ሕይወቶም
ናይ ሎም ዘመን ዕጹው ጉባኤ መረጻ ር.ሊ.ጳ ወይ ኮንክላቨ በዙ ናይ ሕጂ መልክ ዕ ክካየድ ካብ ዝጅምር መበል 75 እንክኾን አብ መንበረ ጴጥሮስ አብ ካፐላ ሲስቲና ክካየድ ካብ ዝጀመረሉ ከአ ንመበል 25 ኢዩ፣
እዚ ትማሊ ዝተኻየደ መርጻ አብ ሓሙሻይ ዙርያ መረጻ ኢዩ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ክመርጽ ክ ኢሉ፣ እዚኦም ር.ሊ.ጳ እዚኦም ድሕሪ ቅ.ጴጥሮስ መበል 266 ር.ሊ.ጳ መንበረ ሮሜ ኢዮም፣ አብ ዝሓለፈ ዜናታትና ተገሊጹ ከምዝነበረ እዚ ዕጹው ጉባኤ እዚ ዕለት 12 መጋቢት ሰሉስ ብቅዳሴ ተጀሚሩ አብ አጋ ምሸት ሰዓት 19፤42 ከማኡ እውን ሮቡ ዕ ሰዓት 11፤40 ቅድሚ ቀትሪ ገና ከምዘይመረጹ ዘመልክት ክልተ ጊዜ ጸሊም ትኪ ሰዲዶም ነሮም፣
ቅዱስነቶም ናይ ቦነስ አየረስ አርጀንቲና ደቡብ አመሪካ ሊቀጳጳስ ዝነበሩ እንክኾኑ አብ ቦነስ አየረስ ብ ዕለት 17 ታሕሳስ 1936 ተወሊዶም፣
ትምህርቲ ክጅምሩ ከለው መጀመርያ ናይ ተክኒክ ከሚስትሪ ተመሪቆም ደሓር ግን ጸዋዕታ ክህነት ስለዝተሰመዖም አብ ናይ ኢየሱሳውያን ዘር አ ክህነት ብምኻድ ብመጋቢት ዕለት 11 1958 ተመኵሮ ጀሚሮም ድሕሪ ነዊሕ ምስንዳው ታሕሳስ 13 1969 መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም ድሕሪ አርባዕተ ዓመት ከአ ብወርሒ ሚያዝያ 22 1973 ናይ ዓቢይ መብጽዓ ገሮም፣ አብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ግንቦት 20 1992 ናይ ቦነስ አየርስ ሓጋዚ ሊቀ ጳጳስ ብብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተሸይሞም፣ የካቲት 28 1998 ከአ ናይ ቦነስ አየርስ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም፣ የካቲት 21 2001 ዓም ከአ ብፁዕ የሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ሸይሞም፣

ታሪኽ ሕይወቶም ብሰፊሑ አብ ዝቅጽል ክነቅርበልኩም ኢና፣








All the contents on this site are copyrighted ©.