2013-03-11 11:37:28

ሰንበት ዘወረደ (ዘድራር ጾም) መጋቢት 10/2005 (3/10/13)


መዝሙር፡ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሓት. . . . .
ንባባት፡ ዕብ 13፡7~17፥ ያዕ 4፡6~ፍ፥ ግ.ሓ. 25፡13~ፍ፥ ማቴ 6፡1~19
ምስባክ፡ ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፥ ወተሓሰዩ ሎቱ በርዓድ፥ አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር። “ንእግዚአብሔር ብፍርሃት አገልግልዎ፥ ብርዓድ ከአ ስገዱሉ፥ እግዚአብሔር ከይኩሪ ንጥበብ አጽኒዕኩም ሓዝዋ” መዝ. 2፡11።
መዝሙር፦ ንእግዚአብሔር ብፍርሃትን ብራዕድን ተገዝእዎ ከመይ ምሕረቱ ንውሉድ ወሎዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንሕና ህዝቡ ኢና አብ ቅድሚኡ ብምስጋናን ብምስንዳውን ነመስግኖ። ጾም ንጹም ንብጾትና ነፍቅር ነነሓድሕድና ንፋቐር። ሰንበት አኽብሩ ሰናይ ግበሩ ከመይ ሰንበት ምእንቲ ሰብ እያ ተፈጢራ ምሕረትን ፍትሕን እዝምረልካ አሎኹ እዝምርን መገዲ ሓቂ አስተውዕልን አሎኹ። ምሕረቱ ንውሉድ ወለዶን ንዘለዓለምን እዩ። ንውሉድ ወለዶ ጽድቁ። ንሕና ህዝቡን አባግዕ መጓሰኡን ኢና።
ዘመነ ጾም ናይ ክፍሊ ሓጋይ ካልአይ ዘመን እዩ። እዚ እዋን ነቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ በዳ ብጽሞና ዘሕለፎ 40 መዓልቲ የዘኻኽረና። ስለዚ ኢና ብጾምን ብጸሎትን ናብ ትንሣኤ ክንሰናዶ ዘሎና። ጾም ታሕሣሥ ናብ ልደት ንምስንዳው ከምዝኾነ ጾመ 40 ከአ ናብ ፋሲካ የሰንድወና። አብዚ ን8ተ ሰናብቲ ቤተ ክርስትያን ንጾም ዚኸውን መዛሙር አሰናድያ ክንዝምሮን ክነስተንትኖን ተቕርበልና። እዚ ከአ 1. ዘቅበላ፥ 2. ዘቅድስት፥ 3. ዘምኵራብ፥ 4. ዘመጻጉዕ፥ 5. ዘደብረዘይት፥ 6. ዘገብርኄር፥ 7. ዘኒቆዲሞስ፥ 8. ዘሆሣእና እናበልና ንሰምዮም።
ናይ ሎሚ ሰንበት ዘወረደ ወይ ዘድራር ጾም ተባሂሉ ይፍለጥ። ንአምላኽ ብዓቢ አኽብሮት ክንቀርቦ እሞ ነቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት አስተማቒርና ክንክእል ንቕረቦ እናበለ አብ አምላኽ ዘቕርብ ሕይወት ክንለብስ የዘኻኽረና። ጾም ንጹም ንብጻይና ከም ነፍስና ነፍቅር እዚ ኸአ ብዝያዳ አብቲ ብመዓልቲ ሰንበት እንገብሮ ተግባር ክንገልጾ የዘኻኽረና። ጾም መለልይኡ ንስሓ ዕርቂ ምስ አምላኽን ሰብን ኮይኑ ብጸሎትን ርእስኻ ብምቕጻዕን ንጸገማት ካልኦት አብ መንፈሳውን ቍጠባውን አብ ምሕጋዝ አበርክቶና ክንዕዝዝ ኢልና እናተጋደልና እነሕልፎ ቅዱስ እዋን እዩ። አብ ጊዜ ጾም ፍሉይ ክንገብሮን ክነስተንትኖ እንሕተት ሰለስተ ነገራት ብፍልይ አሎ።

ሓቀኛ ተኸታል ክርስቶስ አብ ክብሪ ርእሱን አብ ቅድሚ ካልኦት ናእዳ ክረክብ ኢሉ ዝሰርሕ አይኮነን። እዞም ሰለስተ ነገራት ጾም ጸሎት ምጽዋት አብቲ ግላዊ ሕይወትና ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ዝተመስረቱ ኽኾኑ ይግባእ። እግዚአብሔር ድሮ አብ ልብና ዘሎ ድለትን መንፈስን ስለ ዝፈልጦ ነዚ ሰባት ክፈልጥዎ ኢልካ መናፍሕ ምውቃዕ አየድልዮን እዩ። አብ ስርዓትን ባህልን ሮማውያን ሓደ ሃብታም ሰብ ንድኻታት ንጽጉማት ክሕግዝ ግቡእ እዩ ነሩ እዚ ግን ክብሩ ንምሕላውን አብቲ ዘለዎ ስልጣን ንምንባርን ክሕግዚ እምበር ነቶም ጽጉማት ክሕግዝ ኢሉ አይኮነን። ናይ ክርስትያን ሓገዝ አብ ፍቕርን አብቲ ጽጉም ሰብ ምስኡ ሓደ ናይ ምዃን ምልክት እዩ እምበር ንክብሪ ንሞጎስ አይኮነን። ንናእዳን ንክብሪ ንረአዩለይ ኢልና እንገብሮ አብ መገዲ ኵነኔ እዩ ዝመረሓና እሞ ሎሚ አብ ርእስና አቲና ንጸጋን ፍቕርን አምላኽ ነለሊ። እዚ እሙናት መስከርቲ አምላኽ ይገብረና።
ናይ ኢየሱስ ተኸተልቲ ክንከውን እሙናትን አብ ሓቂ እንነብር ክንከውን ይግብአና። አብ ቤት ኢየሱስ ጃህራ ግብዝነት ትዕቢት አንነት ቦታ የብሉን። ሓዋርያነት ብስም ጥራሕ እትገብሮ አይኮነን ብልብኻ ለቢስካዮ እትነብሮ ክትከውን አሎካ። ሓቀኛ ሓዋርያነት አብ ትሕትና አብ ምልኪ ርእስና ዝተመስረት እንተ ኾነ እዩ ትርጉም ዘልኦ። አብ እምነትና እምብአር ንቀለዓለም ንርአዩለይ ብፈሪሳውነት ዝተመርሐ ሕይወት ቦታ የብሉን፥ ነዚ ድኹም መንፈስ አብዚ እዋን ጾም ኢና ክነሸንፎ እንኽእል እሞ ብምሉእ ልብና ክንብገስ ይግብአና።
አብ ምስባክ ከም ዝሰማዕናዮ ንአምላኽ ክንፈርሖ ክነኽብሮ ከምዝግብአና ክንዝክር እሞ አብ ቅድሚኡ ዝግብኦ ክብርን ምስጋናን ሒዝና ክንቀርብ ይነግረና። ንአምላኽ ምፍራሕ ማለት ንሱ ከአል ኩሉ ፈጣሪ ስለ ዝኾነ ንሕና ምስኡ ተነጻጺርና ኢሚንቲ ምዃና ዘኪርና ዕብየቱ ተረዲእና ምሓረና ክንብሎ። መጽሓፍ ምሳሌ 1፡7 “ፍርሃት እግዚአብሔር መጀመርያ ጥበብ እያ” ይብለና። ፍርሃት አምላኽ ዘልኦ ሰብ ክፉእ ክገብር አይደፍርን እዩ ምኽንያቱ ሕይወቱ አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘላ ይዝክር እዩ። ዳዊት ነዚ ከስተንትን እንከሎ “ንዑ ፍርሃት እግዚአብሔር ከምህረኩም” መዝ 33፡1 ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ እውን ንዕብየት አምላኽ ከስተንትን እንከሎ “ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ንድሕነት ርእስኹም ዕየዩ” (ፍሊ 2፡12) ይብል። ቅዱስ ጴጥሮስ ከአ አብዚ ዓለም እዚ ብፍርሃት አምላኽ ክነብር ኢሉ “አብ ጊዜ ግሽነትኩም ብፍርሃትን ብፍቕርን ንበሩ” (2ጴጥ 1፡17) ይብለና።
አብዚ ጾም አብ እንጅምረሉ ዘሎና ጊዜ ከም መበገሲ ክሕግዘና ንመልእኽቲ ዕብ ንሎሚ ዝተነበት ክንርኢ። እዛ መጨረሽታ ምዕራፍ ናብ ዕብርውያን ሓፈሻዊ መግለጺ ሕይወት ናይ ሓደ አማናይ እያ እትገልጸልና፥ አብ ፍቕሪ ተመስሪትና ተቐበልቲ አጋይሽ ክንከውን ይነግረና። አብ መንጎና ዝርከቡ ኩሎም በብድረጅኦም እቲ ዝግብኦም ክብርን ፍቕርን ከይነግዱለሎም ይነግረና። ንኹሎም ጽጉማት ብፍላይ ንእሱራት ንሕሙማት ንኹሎም ዝተገፍዑ ክንግደሰሎም ይላበወና። ሎሚ እውን አብ ሕይወት ሓደ አማናይ ክዝውተር ምእንቲ ቤተ ክርስትያን ክነስተንትኖ ትላበወና አላ።

መልእኽቲ ዕብራውያን ዝሕብሮ ኩልና ተኸተልቲ ክርስቶስ ሕይወትና ሓዲስና ነቲ መድሕን ኩሉ ዝኾነ ክርስቶስ ብኹሉ ክንክተሎ ይዕድመና። አብዚ ጊዜ ጾም አብ ግብሪ ክንገብሮን ክንክተሎን ዝግብአና ፈሊጥና ጾምና ቅድስናን ምሕረትን ዘውርድ ክገብረልና ብልብና ንእተዎ። ጾም ንጹም አብ ነነድሕድና ንፋቐር ኢልና ሱባኤ ጾምና ብምሉእ ሕልና ንእተዎ።
ጾም ንተሓድሶን ንፍጹም ርክብ ምስ አምላኽ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ ኩሉ ሰብ ክጸውም ይግብኦ። አብዚ ጊዜ ፍሉይ ጊዜ ንጸሎት ክነሕልፍ ቅዱስ መጽሓፍ ክነንብብ ከምኡ ተጋድሎ ክንገብር ብፍላይ አብቲ ደጋጊምና እንወድቆ ክፉእ ልማድ እንተ አሎና ክንጽሊ ይግብአና። አብዚ ጊዜ አምላኽ ክበጽሓና ንሕና ክንረኽቦ ዕድል ዝኸፍተልና ስለ ዝኾነ ምስታ ፍቕሪ አምላኽ ብዝያዳ አብ ሕይወታ ዘስተማቐረት ማርያም ኮና ጾምና ንጀምሮ ንሳ አደ ቅድስናን አደ ተጋድሎን እያ ንጉዕዞ ቀራንዮ ብዓወት ዝዛዘመት አደ ስለ ዝኾነት ነዚ ጾምና ምስአ ንጀምሮ አብ ትንሣኤ ክተብጽሓና ኸአ እያ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.