2013-03-09 16:27:30

Conclave : ሕርያ ሐዲሽ ር ሊ ጳ መጋቢት 12 ክጅመር ብፁዓን ካርዲናላት ወሲኖም ፡



መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ሰደ ቫካንተ ባዶ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ፡ ብጹዓን ካርዲናላት አብ ቫቲካን ተአኪቦም ከም ዘልዉን ትማሊ ምሸት መበል ሻሙናይ ሐፈሻዊ ጉባኤ ከም ዘቃንዑን ክፍለጥ ከሎ በነዲክት መበል 16 መንበረ ሐዋርያ ካብ ዝገድፍዎ ጀሚሮም ብፁዓን አበው ተአኪቦም ሒወት ቤተ ክርስትያን ክድህስሱ ከም ዝቀነዩን አብ ጸሎትን አስተንትኖን ከም ዝርከቡ ይፍለጥ ።
እነሆ እምብአር ትማሊ ምሸት ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምረጽሉ ዕለት ወሲኖም አለዉ ።ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ ብፁዓን ካርዲናላትቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ዕለት 12 መጋቢት ኮንክላቨ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክጅመር ብጹዓን ካርዲናላት ወሲኖም።ዕለት ሰሉስ 12 መጋቢት ንግሆ ንዝምረጹ ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ቅዱስ ጰጥሮስ ካተድራል መሥዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኢዮም ።
ድሕሪ ቀትሪ አብ ካፐላ ሲስቲና ዓብን መሳጥን አዳራሽን ቤተ ጸሎትን ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክጅመር ኢዩ ።ክልተ ክመርጹ ዝኽእሉ ብጹዓን ካርዲናላት አብ ኢንዶነስያ ናይ ርእሰ ከተማ ጂያካርታ ብጹዕ ካርዲናል ሪያዲ ዳርማትማጃን ናይ ረፓብሊክ አይርላንድ ብጹዕ ካርዲናል ኦ”ብራያንን አብ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘይርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አፍሊጦም ።ምኽንያት ኢንዶነዝያዊ ካርዲናል ሪያድ ብሕማም ምኽንያት ካርዲናል ናይ ስኮትላንድ ካርዲናል ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ኦ” ብርያን ክአ ብብሕታዊ ድሌት ምኽንያት ከም ዘይሳተፉ እቶም አቀባሊ ቃል አብሪሆም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ሰሉስ ዝጅመር ኮንክላቨ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ካፐላ ሲስቲና ዝርከቡ ብፁዓን ካርዲናላት 115 ከም ዝኾኑን ብዝርዝር ናይ ኤውሮጳ 60 ካርዲናላት ናይ ላቲንን ማእከላይን አመሪካ 19 ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ካንዳን መክሲኮን 14 ካርዲናላት ናይ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም 11 ካርዲናላት ናይ ኤስያ 10 ካርዲናላይ ናይ ኦሰን ሐደ ካርዲናል ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ አሎ ።አብዚ ፍሉይ ዝኾነ ኩነታት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ካርዲናላት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈስ ቅዱስ ከብርሃሎም ምእመናትን ምእመናን ብጸሎት የሰንይዎም ከም ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ መግለጺ ሂቦም አለዉ ።አተሐሒዞም ከም ዘመልከትዎ ትማሊ ዓለም ሐቆፍ ዕለተ ደቀንስትዮ ስለ ዝነበረ ብጹዓን ካርዲናላት ደቀንስቶ አብ ቤተ ክርስትያን አልዒሎም ከም ዝዘተዩ ሐበሬታ ሂቦም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ ስሳን ሐሙሽተን ሀገራት ዓለም ልዕሊ ሐሙሽተ ሺሕ ጋዜጠኛታት ኩነታት ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘተኮረ ጸብጻባት ንሀገራቶም የተሐላልፉ አለዉ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.