2013-03-07 14:19:56

ከኒያ፦ ምርጫ ርእሰ ብሔር


RealAudioMP3 ኣብ ከንያ ብዝሓለፈ ዕለት 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሕዝባዊ ምርጫ ከምእተኻየደ ክምልከት እንከሎ እቲ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ዝተውሃበ ናይ ጽምጺ ቆጸራ ይቕጽል ከምዘሎን፣ ካብቶም ሕጹያት ወደርቲ ኡሁሩ ከንያታ 53% ራይላ ዕዲንጋ ድማ 42% ድምጺ ከምዝረኸቡ ካብቲ ዝካየድ ዘሎ ቆጸራ ድምጺ ክሕበር እንከሎ። እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻ ብዝተፈላለዩ ግብረ ዓመጽ ዝተሰነየ ከምዝነበረን፣ ብውሑዱ 17 ካብዚኣቶም ድማ 9 ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ዝርከብዎም ኣብ ሞምባሳ ወጻኢ ከተማ ቻንጋምወ ክፍለ ከታምን ኣብ ከተማ ኪሊፊ ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘወረዶም እንክምልከት፣ ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ሕዝባዊ መረጻ ናጻን ስሩዕን ግልጽን ክኸውን ቅድሚ እቲ መረጻን ድሓር እውን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ድምጺ ቆጸራ ዕዮ ከም ተዓዛቢ ኣካል ኮይና ብምስታፍ ተገልግል ከምዘላ ኣብዚ ተልእኾ ካብ ናይ ሃገራት ምስራቕ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዝተዋጽኡ 30 ተዓዘብቲ ኣካላት እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ቺዛ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣባ ጁደ ዋወሩ ናይቲ ናይ ምስራቕ ኣፍሪቓ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ማሕበር ናይ ፍታሕን ሰላምን ድርገት ሓላፊ ዝጠቐሰ ቺዛ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ፣ እቶም ተዓዘብቲ ኣካላታ ካብ ሸሞንተ ሃገራት ማለት ካብ ኡጋንዳን ታንዛኒያን ኤርትራን ኢትዮጵያን ማላዊን ዛምቢያን ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋጽኡ ካህናትን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ኣባላትን ዓለማውይን ምእመናንን ዘጠቓልል ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.