2013-03-05 13:59:06

ግብጽ
ናይ ሓባር ጻውዒት ማሕበረሰብ እስላምን ክርስቲያንን


RealAudioMP3 ቅድሚ ትማሊ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ወኪል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሕንጻ ፊት ናይ ግብጺ ማሕበረሰብ እስላምን ክርስቲያንን ብሓባር ኣብታ ሃገር ዝርአይ ዓመጽ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ናይ ግብጺ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ደው ክብል ናይ ሓባር ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ግብጺ ናይ ውሁዳን ክፍሊ ማሕበረ ክርስትያንን ግብጽን ናይ ጽድያ ዓረብ መንሰያት መሰልን ክብርን ዝሟገት ማሕበር መንሰያት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ እቶም ሳላፊት ማእመናን ሃይማኖት ምስልምና ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ክፍሊ ከተማታትን ከምኡ እውን ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ዝቕመጠሉ ከባቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወን ኣቢያተ ክርስትያንን ኣባይቲ ማሕበረ ክርስቲያንን ብሓዊ ባርዕ ከምዘባደመ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ምስሪ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ እስላማዊ ሕውነት ናይ ፖለቲካ ውድብ መላእ ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኢማምን ዞባዊ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ዓበይቲ ኣካላት እቲ ብሳላፊት ዝንዛሕ ናይ ጸልኢ ጎስጓስን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ዝወርድ ዓመጽ ደው ከብልዎ ዝሓትት ጻውዒት ከምዘቕረበ ዝሓበረ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ ዕለት 23 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ከባቢ ቦርግ ኤል ኣራብ ክፍሊ ወጻኢ ከተማ እስክንድርያ ኣርባዕተ ዝተዓጥቁ ውልቀ ሰባት ኣርባዕተ ክርቲያንን ሓደ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምናን ንሞት ከምዝዳረጉ የመልክት።
ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ምእመናን ብሓፈሻኡ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ግብጺ ብኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝወርድ መጥቃዕቲ እዚዩ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን፣ ብፍላይ ኣብ ላዕለዋይ ግብጺ ከባቢ ኣባይቲ ፍርዲ በቶም ናይቲ እስላማዊ ሕይውነት ናይ ፖለቲካ ውድብ ፖለቲካዊ ርእየት ዝተጸልዉ ደያኑ ዝምራሕ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ኢፍትሓዊ ውሳኔታት ክህቡ ከምዝረአ እውን ኤሺያን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.