2013-03-02 13:41:13

ፍልዩ ሰላምታ ሃገረ ቫቲካንን ከተማ ሮማን ንቅዱስነቶም በነዲክቶስ መበል 16


RealAudioMP3 ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ልኂቅ ሮማዊ ጳጳስ ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ብዝተነብረ ውሳኔ ገዛእ ፍቓዶም መሰረት ካብ ሃገረ ቫቲካን ናብቲ ንኽልተ ወርሒ ንኸዕርፍሉ ዝወሰንሉ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ካስተል ጋንዶልፎ ናብ ዘሎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ንኽግዕዙ ካብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ መዕርፎ ሄሊኮፕተር ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ሸውዓተ ደቒቃ ብናይ ግሊ ዋና ጸሓፊኦም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ገዮርግ ጋኤንስዋይን ተሰንዮም ድሕሪ ንኹሎም ተሓባበርቶም ቅድስቲ መንበር ክሳብ ሓድሽ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትረክብ ኣብ እዋን ክፉት ቦታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ምሕደራ ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ዝተመርሑ ናይ ሰበኻ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ ቫሊኒ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተ ብፁዕ ካዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪን ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታትን ተሰናቢቶም ምስ ነቐሉ ሃገረ ቫቲካንን ከተማ ሮማም ዓበይቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ከተማ ሮማ ካፒዶሊዮ ሕንጻ ደወል ብሓንሳብ ብምድዋል ከተማ ሮማ ብድምጺ ደውል ናይ ምስጋና ሰላምታ ከምእተቐበሉ ነቲ ስነ ስርዓት ስንብት ዝተኸታተላ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።
ኣብ ካስተን ጋንደልፎ ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ጳጳሳዊ ሕንጻ ንዝተርኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ሰላምታን ቃል ምስጋናን ምስ ኣስምዑ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ሂቦም ምስ ተሰናበቱ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ሓደ ደቒቓን ልኂቅ ሮማዊ ጳጳስ ቅዱስነቶም በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ኮኑ ድማ ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ማዕጹ ሓዋርያዊ ሕንጻ ናይ ምዕጻው ስነ ስርዓት ብምክያድ ተልእኾኦም ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎት ሓለዋ ጸጥታን ደህንነት ምቕራብ ክኸውን እንከሎ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ብምዃኑ ዝህብዎ ሓለዋ ጸጥታን ድሕነትን ብምቁራጽ ሓላፍነቱ ነቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ከምዘረከቡ ቅድም ክብል ከማተገለጽ ክምልከተ እንከሎ፣ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ኮይኑ እነሆ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ነቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብፁዓን ካርዲናላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምራጽ ስነ ስርዓት ንምጅማር ንዕለት 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንቐዳማይ ናይ ምኽክር ቅዱስ ጉባኤ ናይ ዕድመ መልእኽቲ ዕለት 1 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ከምዘመሓላለፉ እንክምልከት፣ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ንዝካየድ ዕጹው ቅዱስ ጉባኤ ጅማረ ዝውስን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.