2013-03-02 13:46:41

ካብ መላእ ዓለም ኣድናቖትን ሞሳን ንሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16


RealAudioMP3 ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ልዑል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ፍጻሜ ኣብ መላእ ዓለም ዝተቓልሔ ዜና ጥራሕ ዘይኮነስ ዘገረመን እውን ክኸውን እንከሎ ኣድናቖትን ሞሳን ካብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ተደሚጹ እዩ።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ፦ ብዋና ጸሓፊኦም ጆን ከርይ ኣቢሎም፣ ንሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ምስጋናንን ጴጥሮሳዊ መርሕነቶም ዓበይቲ ሕቶታት ብዝምልከት ኣብ መላእ ዓለም ድምጾም ክስማዕ ምግባሮም ብሓቂ ዝድነቕን ዝንኣድን እዩ እንክብሉ፣ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ዲላም ሩሰፍ ብወገነን ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ምልቓቕ ታሪኻዊ ውሳኔ እዩ እንክብላ ብምግላጽ ንዝመጽእ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ከተማ ክእንገድ ብምውሳኖም ዘኪረን ምስጋና እውን ከምዘቕረባ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
ናይ ሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ትውልዲ ዓዶም ጀርመን መራሔ መንግስቲ ኣንገላ መርከል፦ ቅድሚ ትማሊ ኣብ በርሊን ኣብ ቅድስቲ ኤድቪገ ካቴድራል ንሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ ንምምስጋን ኣብ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፋን፣ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ማእከላይ ባንኪ ቤት ሊቀ መንበር ማሪዮ ድራጊ፣ ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዓበይቲ ብድሆታት እዚዮም ብምግዳስ ብዕምቆት ብምትንታን ኵላዊ መፍትሒኡ ዝሓበሩ እዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ሩሲያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኢቫን ዩርኮቪች ሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ ኣብ መርሕነቶም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስ ምእመናንን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ሓባር ዘተ ኣዚዩ ዝማዕበለሉ እዋን እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.