2013-03-02 13:48:34

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፦ ኣብ ሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ምእማን ውበትን ውህበትን ሓጎስን


RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ክሳብ ኣታ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብዝተነብረ ፍቓዶም ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ዝለቐቑላ ዕለትን ሰዓትን ናይቲ ብናቶም ዓቢይ ድላይን ፍቓድን ዝቖመ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢይ ሓዳሲ ከምዝኾኑን እቲ ናይ ሸሞንተ ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ከምዝምስክሮን እዚ ድማ እቲ ዘቖሙዎ ጳጳሳዊ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቤት ምኽሪ ንገዛ ርእሱ ምስክር እዩ። እዚ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሉ ዘብቀዖም እቲ ኣብኦም ዘሎ ነቢያዊ መንፈስ ምዃኑን፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን እቲ ሕጹጽ ሓዋርያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ፈልዮም ዝሓበሩን ቤተ ክርስቲያን እቲ ዘንብራን ካብ ጎይታ ዝተውሃባ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ተልእኾኣ ኣብ ኢዳ ክትጭብጦን፣ ናይ ምእማን ጽባቄን ውበትን ውህበትን ቃል እግዚኣብሔርን ኣብ ምእማን ዘሎ ሓጎስን ዝመስከሩ እዮም።
ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ዝደረስዎ ተኸታታሊ ሰለስተ ኢየሱስ ናዝራዊ ዘርእስቱ መጽሓፎም፣ ናይ ገዛእ ርእሶም መጽናዕቲ ውጺኢት ምዃኑ ሓቢሮም ማንም ኣንቢቡ ናጻ ርእዮቶ ክህበሉ ናጻ እዩ፣ ዝበሉ ትሑት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ እዮም። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ትኽክለይና ትንታኔኡን ትግባሬኡን ኣተረጓጉማኡን ዘነጸሩን፣ ዘይካቶሊካውያን ምስ ዝኾና ሃይማኖታት ዝተራኽቡን ኣብ ናይ ኣይሁድ ሙክራብን መስጊድ ሃይማኖት ምስልምና ዝኣተዉን ዓሚይቕ ሰብኣውነት ዝዓሰሎም ከምዝኾኑ ብሓቂ ንብዙሓ ዘደነቐን ዘገርምን ዓቢይ ትሕትና ዝመስከሩ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ ሓቢሮም በቲ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብዝተነብረ ፍቓዶም ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክለቁ ማለት “ካብ መስቀል ምውራድ” ማለት ክምዘይኮነ ኣነጺሮም ንኽርስቶስ ሓንሳብ እነዅልካ ዝበልዎ ቃል ምሳኡ ናይ ምንባር ጸዋዕታኦም ናይ ዘለዓለም ጸዋዕታ ከምዝኾነን ኣብቲ ንሱ ዝደልዮ በቲ ንሱ ዝደልዮ መገዲ ብምስዓብ ዝነብሩ ምዃኖም ገሊጾም፣ በዚ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ምሉእ ፍቕሪ ብዝተፈላለየ መገዲ ብምልእት ክንበርን ክግለጽን ከምዘለዎን ስለዚህ ካብ ሎሚ ንድሓር እዚ ፍቕሪ ንሶም ብጽሞናን ብኣስተንትኖን ብጸሎትን መናኒ ሕይወት ብምንባር ዝገልጽዎ ምእዃኖን ሓቢሮምልና እዮም። ዓቢይን ትሑትን በነዲክቶስ መበል 16 ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስ ኣብ ልቢ ኵሉ እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.