2013-02-28 16:47:05

ኩሎም መንገድታት ንመካነ ቅዱስ ጰጥሮስ የብጽሑ ፡


እነሆ እምብአር ትማሊ ሮቡዕ 27 ለካቲት 2013 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ መወዳእታ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ንህዝበ ክርስትያን ዓለም ተሰናቢቶም ። ሎሚ 28 ለካቲት ናይ መወዳእታ መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ከም ዝኾነ ክአ ይዝከር ።
በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ዝሀብዎ ናይ መወዳእታ ትምህርተ ክርስቶስን ስንብትን ካብ 150 ሺሕ ህዝቢ ንላዕሊ ተረኺቡ ኔሩ ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ አብ ቅርዓተ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተረኽበ ካብ ሚእቲ ሺሕ ዝበዝሕ ህዝቢ ብዓሰርተ ክልተ ቋንቋታት ተሰናቢቶሞ ።
በነዲክቶስ መበል 16 ጥዑማት ህብዘ ክርስትያን መንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ምግዳፈይ ብምኽባርኩምን ብምርዳእኩምን የመስግነኩም ፡ ንመስቀል ኢየሱስ ክርስቶስ ብሐዲሽ መልክዕ ክኸተሎ ኢየ ንቤተ ክርስትያን ክአ ብጸሎትን ብአስተንትኖን ከግልግላ ኢየ ብማለት ነቲ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ሆጭ ኢሉ ዝነበረ ህዝቢ ገሊጾምሉ ።
ቀጺሎም ነዚ ውሳኔ”ዚ ቅድሚ ምውሳደይ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሕልናይ ብምድግጋም መርሚረን ብኻልእ አገባብ ከገልግሎ ከም ዝኽእል ተረዲኤን ዝወሰንኩዎ ውሳኔ ኢዩ ብማለት ክአ ንምእመናን አብርሆም ።
ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንሱ ባዕሉ ክሕልዋን ክዕቅባን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ ንሕና ክአ ምስኡ ክንጓዓዝ ይግባአና ኢሎም ።
ንቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዝመርሕ ሰብ በይኑ አይኮነን ዝመርሐ በመድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሑን ተሐጊዙን ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም። አብዚ ሒዝናዮ ዘለና እምነተ ዓመት እምነትና ክነሐድሶ አብ እግዚአብሔር ዘለና እምነት ክነድልድል ይግባእ ብማለት ክአ ንምእመናን አተሐሳሲቦም።
በነዲክቶስ መበል 16 አብ ዳርጋ ሾሞንተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም በሰል ሥነ መለኮትን ታሪኽ ቤተ ክርስትያንን አብ ልዕሊ ምኳኖም ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሰንበታዊ መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ፡ ሐዋርያዊ መልእክትታቶም ዝርሳዕ አይኮነን ትማሊ ክአ ምእመናን ነዚ ኹሉ ዘኪሮም ብጸሎትን መንፈስን ካብኦም ከምዘይፍለዩ ብጽሑፋትን ብቃላትን ገሊጾምሎም።
ትማሊ ናይ ቤተ ክርስትያን ኩለን ተቅዋማት አባላት አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ተረኺቦም ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አድናቆቶም ገሊጾም አመስጊኖሞም ።
መንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ሐዋርያ ምግዳፎም ብምድፍናቅ ዝበኽዩ ምአመናን ውሑዳት አይነበሩን ከመይሲ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን አብ ዘመናዊ ዘመን ብገዛእ ፍቃዶምን ድላዮምን ካብ መንበረ ሐዋርያ ይእለዩ ብምህላዎም ።
ቅድሚ 600 ዓመታት በ1445 ጎርጎርዮስ መበል 12 ብተመሳሳሊ መንበረ ሐዋርያ ከም ዝገደፍዎ ይፍለጥ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሎሚ ረፍዲ ነቶም አብ ከተማ ሮማ ዝተረኽቡ ብሚእቲ ዝግመቱ ብጹዓን ካርዲናላት አብ ውሽጢ ቫቲካን አብ አዳራሽ ክለመንቲና ተቀቢሎሞም ዲስኩር ጌሮም ክአ በብታራ ተቀቢሎም ተፋንዮሞም ።
በነዲክቶስ መበል 16 ንብፁዓን ካርዲናላት ፡ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ንብፁዓን ካርዲናላት ክፋነውዎም ከለዉ ፡አሕዋተይ ብኽርስቶስ ክትፋነዉኒ ስለ ዝመጻእኩም ሐጎስ ይስምዓኒ ብልቢ ክአ የመስግነኩም።ሊቀ መንበር ጉባኤ ካርዲናላት ብጹዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ስምዒትን ራእይን አባላት ጉባኤ ብምውካሎምን ብምቅላሶምን የመስግኖም ።
ተመኩሮ ሐዋርያት ኤማሁስ ጠቂሶም ክአ አብ ዝሐልፈ ሾሞንተ ዓመታት ብህልውናን ሐገዝን ካብ ሞትን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስን ምሳኻትኩም ብሐባር ምጉዓዘይ ሐጎስ ይስምዓኒ ።
ብጹዓን ካርዲናላት አብ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናይ ንዝገበርኩምለይ ሐገዝን ዝሀብብኩምኒ ሐገዝን የመስስግነኩም ። ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ጠረጰዛ ዝተመስረተት ተቅዋም ዘይኮነትስ ህያውን ክውንትን ከም ዝኾነት ክአ ገሊጾም።
ቤተ ክርስትያን አብ ነፍሳት ህዝበ ክርስያን ከም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንቅሕትን ህያውን ፈራዪትን ከም ዝኾነት ክአ ንብጹዓን ካርዲናላት ገሊጾምሎ ።
ብፁዓን ካርዲናላት ብመንፈስን ብጸሎትን ምሳኹም ዘለኹ ክረጋግጸልኩም ይፈቱ።
ነዚ አብዚ ቀረባ ግዜ ዚካየድ ምርጫ ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብመንፈስን ብጸሎትን ከም ዝከታተልዎ ክአ ንብጹዓን ካርዲናላት አረጋጊጾምሎም ።
ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ብናይ ሮማ ሰዓት አቁጻጽራ ሰዓት ሐሙሽተ ብሆሊኮፕተር ንቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካስተል ጋንዶልፎ ተጓዒዞም ። አብ ቅርዓት ካስተልጋንዶልፎ በሽሐት ዝቁጸሩ ምአመናን ተቀቢሎሞም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብመስኮት ተቀልቂሎም አመመስጊኖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም። ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና ካስተልጋንዶልፎ ካብ ቫቲካን 33 ኪሎሜትር ርሒቁ ዝርከብ መካን ኢዩ ።ራድዮ ቫቲካን ነዚ መደብ”ዚ ዝርኢ በቀጥታ ተኸታትሉ አተሐላሊፎ ካብ ሰዓት ሾሞንተ ጀሚሩ ክአ ቅድስቲ መንበር ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ ዝምረጹ ባዶ ክትጸንሕ ኢያ።










All the contents on this site are copyrighted ©.