2013-02-26 14:35:54

ኣብ ዓመት እምነት ብዛዕባ ቅዱስ መግነዝ ዝዝትይ ዓውደ መጽናዕቲ


RealAudioMP3 “ቅዱስ መግነዝን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ጳጳሳዊ ረጂና ኣፖስቶሎሩም መንበረ ጥበብ ብምኽንያት ዓመት እምነት ዘዳለዎ ዓወደ መጽናዕቲ ካብ ዕለት 1 መጋቢት ክሳብ ዕለት 2 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑን ኣብ መዕጸዊ እቲ ዓወደ መጽናዕቲ “እቲ ኣብቲ ቅዱስ መግንዘ ዘሎ ምስሊ ሰብ መን ናይ መን ከ እዩ?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝቕርብ ናይ ቅብእን ስነ ንድፍን ስእልን ምርኢትን ከምኡ እውን “ቅዱስ መግነዛዊ ምስልን ስቑልን” ዘርእስቱ ውድድር እውን ክካይድ ምዃኑ ትማሊ ጳጳሳዊ ናይ እምነትን ስነ ምርምርን ተቛም ሊቀ መንበር ኣባ ራፋኤል ፓስኩዋለ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፦ “ቅዱስ መግነዝ እንታይ ይብለና” ዝብል ሕቶ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ስለዚ እቲ ቅዱስ መግነዝ ዝብለና ክንሰምዕ ኣብ ቅድሚኡ ብሱቕታ ክንቀርብ ይግብኣና። ቅዱስ መግነዝ ኢየሱስ ዝዛረበና ምልክት እዩ። እቲ ምልክት ናብቲ ናይ ክርስትና ማእከል ዝኾነ ሓቂ ዘብጽሕን ብዛዕባኡ ዝዛረበናን ምዃኑን፣ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ከነስተንትን ዝነቓቕሓና ናይ ተኣምኖተ እምነት ማእከል ዝኾነ ክፍሊ ስነ ክርስቶሳዊ መጽናዕቲ እዩ። ስለዚህ ንዓና ብዙሕ ዘመሓላልፈልና መልእኽቲ ኣለዎ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ጽን ምባሉ የድሊ” ኢሎም።
ክርስትና መልእኽቲ እዩ፣ ክርስቲያን ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሕ ዘመሓላልፍ እዩ። እዚ ድማ ናይ ክርስቲያን መራኸቢ ጉዳይ ማእከል ምዃኑ ገሊጾም። °መልእኽቲ ዘየመሓላልፍ ጸማም ክርስትና የሎን፣ ክህሉ እውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚህ እቲ ዝመሓላለፍ መልእኽቲ ድማ ሓድሽ ዜና ዝተሰምየ እዩ። እቲ ቅዱስ መግነዝ ነዚ እዩ ዝገልጸልና፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ስነ መራኸቢ ብዙሓን ኣዚዩ ዝተራቐ ዓለም ምስልን ርክባትን ቃላትን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ቅዱስ መግነዝ ኣብዚ መዳይ ዓቢ ግደ ኣለዎ” ምስ በሉ፦ “ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዛዕባ ቅዱስ መግነዝ ዘማእከሉ ዝተፍላለዩ ሰነዳዊ ናይ ቴለቪዥን ምርኢትን ምሁራን ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቃውንቲ ዘሳተፉ መደባት ክቐርብ ይርአይ፣ ብዛዕባኡ ምርኢት እውን ተደሪሱ ክቐርብ ይርአይ። ብዙሓት የዕንቶምን ልባቶምን ንእምነት ከረህዉ ደሪኹ ኣዩ። እዚ እቲ ዓቢይ ተኣምር ቅዱስ መግነዝ እዩ። ኣብ ኣለዳ ትንሳኤ ሓዋርያት ናብቲ መቓብር ጐይታ ክይዶም ነቲ ባዶ መቓብር ርእዮምን ከምቲ ወንጌል ዮሓንስ ዝብሎ ድማ ዮሓንስ ርእዩ ኣዩ፣ እሜን ኢሉ እዩ” ኢሎም።
እቲ ዝካየድ ዓውደ መጽናዕቲ ዓበይቲ ምሁራትን ሊቃውንትን ዘሳትፍ እውን እንተኾነ ንዅሉ ንኣማንያንን ኢኣማንያንን ብጠቕላላ ክሳተፍ ንዝደሊ ክፉት ምዃኑ ገሊጾም፣ “እንተዘይረኣኹ ኣይኣምንን እንክብል ቅዱስ ቶማስ ንኽርስቶስ ዘቕረበሉ ብድሆ ጐይታ ብግልጸቱ በዲህዎ እዩ፣ ቅዱስ መግነዝ ድማ እቲ ብድሆን ነቲ ቶማሳዊ ብድሆ ዝብድህ እዩ። ቅዱስ መግነዝ፦ ክትኣምን እንተድኣ ደሊኻ እቲ ምልክት ኣብ ቅድሚኻ እነኹ ዝብል ቃል የስምዓና” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.