2013-02-26 13:56:27

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


RealAudioMP3 ትማሊ ዕለት 25 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ልኡኻት ጋዜጠይናታት፦ “ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሠረት ኣብ ሓዋርያዊ ሕጊ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ምርጫ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምልከት ዓንቀጽ ንዝገበርሉ ተዛማዲ ሕዳሴን ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ቫቲካን ዝተፈጸመ ናይ ግል ሰነዳት ብሕቡእ ብውጻእ ዝተፈጸመ ገበን ንኸጻርዩ ዝመዘዘዎ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገት ኣባላት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ከምኡ እውን ብዛዕባ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ናይ ሰበኻኦም ሓዋርያዊ ምሕደራ ስልጣን ክለቁ ንቕዱስ ኣቦና ብፁዕ ካርዲናል ከይዝ ኦብራይን ዘቕረብዎ ሕቶ” ኣማእኪሎም መግለጺ ከምዝሃቡ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠይና አመደዎ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ምስቶም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድርገት ኣባላት ብፁዓን ካርዲናላት ተረኺቦም ምስጋንኦም ድሕሪ ምቕራብ በቲ ዝፈጸምዎ ናይ ምጽራይ ተልኾ ዘቕረብዎ ቁጡብ ሰነድ ብሓቂ እቲ ትዕግስትን ትሕትናን ዝሓትት ዝፈጸምዎ ዕዮ ዝገልጽ ምዃኑ ንኢዶምን ዘዕግብ ምዃኑን፣ ነቶም ካብ ክርስቶስ ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ዝተሓርዮ ኣብ ዙሪያኦም ኮይኖም ዘገልግሉ ኩሎም እውን ኣመስጊኖም፣ ኣቲ ናይ ዝተኻየደ ናይ መርመራ ተልእኾ መሠረት ዝቐረበ ሰነድን ብኣኡ መሰረት ንዝወሃብ ውሳኔን ነቶም ሓድሽ ዝምረጹ ናይ ሮማ ጳጳስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራይ ክዕቀብ ከምዘለዎ ብምውሳን ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ንሓድሽ ር.ሊ.ጳ. ዝምልከት ኮይኑ ክዕቀብ ከምዝወሰኑ ኣባ ሎምባርዲ ከምዝገለጹ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
በዚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተኻየደ ርክብ መሰረት ድማ ናይቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ድርገት ተልእኾ ከምእተፈጸመ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ እቲ ሰነድ ንሓድሽ ዝምረጹ ር.ሊ.ጳ. ጥራይ ክዕቀብ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉን ብፁዕ ካርዲናል ኦብራይን ካብ ሓዋርያዊ መዝነቶም ክለቁ ዘቕረብዎ ሕቶ ኣብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ዝካየድ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ዕጹው ጉባኤ ክሳተፉ ድዮም ወይ ድማ ኣይክሳተፉን ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ዘይኮነ ኣብቲ ናይ ሰበኻኦም ሓዋርያዊ ምሕደራ ስልጣን ብፍቓዶም ንኽለቑ ዘቕረብዎ ሕቶ እዩ እንክብሉ ከምዘረድኡ ልኡኽ ጋዜጠይና ረዲዮ ቫቲካን ሎሞናጎ ሓቢሮም።
ናይ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊት ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ቤት ምኽትል ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ፒየርልዊጂ ቸላታ ብምቕጻል ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሠረት ኣብ ሓዋርያዊ ሕጊ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ምርጫ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝምልከት ዓንቀጽ ዝገበርሉ ተዛማዲ ሕዳሴ” ኣማእኪሎም፣ እቲ ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1996 ዓ.ም. “Costituzione Universi Dominici gregis- ሓዋርያዊ ሕጊ ንመላእ መጓሰይ ጎይታ” ኣብ ዝብል ዝኣወጅዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕገ ሓዋርያ ዝሕድስ ምዃኑን፣ እዚ ድማ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዝምልከት ሓዋርያዊ ሕጊ ኣተረጓጉማኡን ትግባሬኡን ኣብ ዝምልከት ዝተውሃበ ሕዳሴ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠይና ሎሞናኮ ኣስዒቦም፦ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዝካየድ ዕጹው ናይ ምምራጽ ሓዋርያዊ መሰል ዘለዎም ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ብፍላይ ንሓደ ብቑዕን ግቡዕን ምርጫ ድምጺ ክልተ ሲሶ ክህሉ ዝብል ሕጊ ዝኽተል ከምዝኾነን፣ ናይ ምምራጽ ሓዋርያዊ መሰል ዘለዎ ብፁዕ ካርዲናል ዘሳትፍ ዕጹው ጉባኤ እዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝተኣታተውዎ ሕዳሴ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ዝረክብ ን 15 መዓልቲ ናጻ ኮይኑ ከምዝጸንሕ ዝብል ሕጊ ከምዘሎ ኮይኑ፣ ግን እቶም ናይ ምምራጽ ሓዋርያዊ መሰል ዘለዎም ብፁዓን ካርዲናላት ኩሎም ኣብ ሮማ ዝርከቡ እንተድኦ ኮይኖም እቲ 15 መዓልቲ ተጸብዩ ዝካየድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመርጽ ዕጹው ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣቐዲሙ ክፍጽሞ ከምዝኽእል ዘተሓሳስብ ሓድሽ ኣተረጓጉማን ትግባሬን ዝህብ እዩ ከምዝበሉ ሓቢሮም።
ኣብ መጠቓለሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ ብርግጽ እቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምምራጽ ዝካየድ ዕጹው ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ቅድሚ ዕለት 1 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ከምዘይካይድ እዩ። ስለምታይ እቶም ብፁዓን ካርዲናላት ቅድሚ ዕለት 1 መጋቢት ርክብ ከካይዱ ዝከኣል ኣይኮነን። ቅድም ሓፈሻዊ ቀዳማይ ጉባኤ ክጽዋዕ ኣለዎ፣ ስለዚህ ኣብ ቀዳሞት መዓልታ ወርሒ መጋቢት ዝካይድ እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.