2013-02-23 14:50:06

ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን


RealAudioMP3 ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላት ዘሳተፈ ዕለት 17 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ዝተጀመረ መንፈሳዊ ሱባኤ ሎሚ ከምእተፈጸመ ክምልከት እንከሎ እቶም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተመዙ ናይዚ ሱባኤ ሰባኬ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ትማሊ ኣብ ናይ ካህንን ስድራ ቤትን ኣረጋውያን ክፍሊ ኅብረተሰብን መንነትን ምስልን ዘማእከለ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 16ን ምዕራፍ 73 ተደጊፎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፣ እዞም ናይ መዝሙረ ዳዊት ክልተ ምዕራፋት ናይ ካህን ጸሎት ዝንጸባረቐሎም ከምዝኾኑ ሓቢሮም፣ ድኻምነትን ሓጢኣትን ድሕሪ ምንዛዝ ኣብ መወዳእታ እቲ ሸቶ ፍጹም ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ካህን ኣብ ሕብረተሰብ ህልው ክኸውንን ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብን ዝቐውም ካብ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ፖሊቲካን ውዕላትን ናጻ ዝኾነ ጸዋዕታ ዝነበረሉ መስካሪ እዩ” ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 16 ኣብ መወዳእታ ፍቕዲ፣ እቲ ምሉእን ተመስጦኣውን ደረት ኣልቦ ምሉእ ፍቕሪ ምስ እግዚኣብሔር ምትሕቑቓፍን ፍጻሜ ዘለዎ እምነት ኣብ ዘለኣለማውነተ ዝገልጽ ኑዛዜ እምነት ተነቢሩ ከምዘሎ እንከረድኡ፦ “ኣብ እዋናዊ ዓለም ዘለኣለማውነት ኣብ ምድራዊ ሕይወት ናይ ምንባር ግዜ ምንዋሕ ናይ ሰብነተ ኣካል ብምቕያርን ብምምሕያሽን ምድራዊ ሕይወት ምንዋሕ ዝብል ትርጉም ዘለዎ እዩ። እዚ ኣምር’ዚ ብሓቂ ድኹምን ሕሰምን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ‘Spe salvi-ብተስፋ ኢና ድሒንና’ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ዘለአለማውነት ቀጻልነት መፈጸምታ ኣልቦ ጊዜ ማለት ከምዘይኮነን ይገልጹልና። ብዘይ ሸቶ-መዕለቢ ብቐጻልነት ኣብ ግዜ ምንበር ንገዛ እራሱ መርገም እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 73 “ናይ እግዚኣብሔር ቅዱሳት ነጋራት ሓባሪ” ምዃኑ ገሊጾም፣ ናብኡ ማለት ናብ እግዚኣብሔር ዝመልስ መገዲ፣ ድሕሪ ቅልውላው ጸዋዕታ ኣብ ጸሎትን ምሉእ እምንቶን ገዛእ ርእስኻ ኣብ መደብ ኣምላኽ ብንጹሕ እምነት ምሕዳግ ኣብ ሑቕፎኡ ምዃን ዝብል ከምዝኾነን፦ “ካህን ብምርግጋእ ብጭቡጥ ሕይወት ናብኡ ንምምላስን ኣብ ድኻምነት ህልውናን መንፍሳውነትን ከይተረፈ ነዚ ሓሊፉ ክንየው ክንጥምትን ናብቲ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ከተኩርን ዝተጸውዐ እዩ። እዚ ድማ ፋሲካ ማለት እዩ” ከምዝበሉ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ኣስተንትኖ፦ ናይዚ እዋን’ዚ ሕብረተሰብ ንዅሉ ዝፈረሕ ኮይኑ ማዕጾኡ ዝዓጸወን ርክብ ሓባራዊ ናብራን ዘህስስ ኮይኑ ይርከብ፣ እቲ ሓዘንን ሓጎስን ተኻፊልካ ምንባር ዝብል ዝነበረ ሓባራዊ ናብራ ዘወግድ ኮይኑ ኣሎ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እቲ ሱባኤ ብስልጣናዊ ኣስተምንቶ ቃል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከማተዛዘመ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.