2013-02-23 14:58:28

ሃቨረ ቫቲካን፣ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ሓልዮ ተቛሞ፦ “እምነትን ሰብኣዊ ሕይወትን”


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ሓልዮ ተቛም “እምነትን ሰብኣዊ ሕይወትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሐ ሓፈሻዊ ምሉእ መበል 19 ዓውደ መጽናዕቲ የካይድ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ትማሊ ኣብቲ ንዅሉ ክፉት ኮይኑ ዝተኻይደ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ገራርድ ልድዊግ ሙይለር ከምእተሳተፉ ነቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠይና ሳልቫቶረ ሳባቲኖ ሓቢሮም።
እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ዝግለጽ ክርስትያናዊ ኣምር ሰብኣዊ ሕይወት ዘድምዕን ዓንቀጸ እምነት ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ዝብሎን ዝሕብሮን ኣምር ፈልዩ ዘረድእን ዘስተንትን ከምዝኾነ እውን ሳባቲኖ ገሊጾም፣ ነቲ ክርስትያናዊ ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ኣምሪ ስነ ሕክምናን ስነ ማሕበራውን ጉዳይ ክንክን ጥዕናን ብኸመይ መልክዕ ከምዝርእዮ ፈልዩ ዘረድእ እውን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፣ እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ምስቲ ዝበዓል ዘሎ ናይ እምነት ዓመት ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ኣብዚ እንነበረሉ ዘሎና እዋንን ሕብረተሰብን ብዛዕባ ሕይወት ዝግለጽን ዝንበርን ኣምር ፈልዩ ዝትንትን ከምዝኾነን ጋዜጠይና ሳባቲኖ ገሊጾም፣ ትማሊ ንጎሆ ብፁዕ ኣቡነ ጀራርድ ሉድዊግ ሙለር ፍስሃን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዛዕባ ክብሪ ሕይወት ዝህቦን ዝገለጾን ትንታኔን መሰረታዊ ሓሳብን ብዛዕባ ናይ ስነ ህይወት ስነ ምግባር ዝምልከት ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዝሃቦ ናይ ሰብኣዊ ክብሩ ዝምልከት መምርሒ ኣማእኪሎም ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ሓቢሮም።
እምነት ብዛዕባ ህይወት ዝህቦ ትርጉምን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ዝህቦ ውሳኔን መብርህን ምስቲ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብተዛማዲ ባህል ኣዚዩ ዝተጸልወን ኢእግዚኣብሔርነት ዘጥቕዖ ዘሎ ስነ ምርምር ማእከልነት ሰብኣዊ ሕይወት ዘወግድን ሰብኣዊ ሕይወት ብግብረኣዊ ሞያ ጥራሕ ዝምልከት ኮይኑ ብዛዕባ ሕይወት ምሕሳብ ዘይምሕሳብ እናኾነ ዘስዕቦ ቅልውላው ሕይወት ብፁዕነቶም ተንቲኖም፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምዝብሎ እንኮ ናይ ሰብ ሚዛን እግዚኣብሔር ከምዝኾነን፣ ፍቓድ እግዚኣብሔር ድማ እንኮ ዘተኣማምንን ውሑስን ምንጪ ግብረ ገባዊ ግቡእነት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘረድኡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲኖ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.