2013-02-21 14:44:30

ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 8 መንበር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ኮይኑ ቅድሚ ምትራፉ በቲ ዘለዎም ቅዱስ ጴጥርሳዊ ውልቃዊ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝምልከት ኣብ ሕገ ቀኖና ዘንሎ ዓንቀጽ ብጥልቂ ዘብርህ ሕጊ ንምርቃቕ የጽንዑ ከምዘለዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳርሽ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ይብሉ ኣብ ኣሎምባርዲ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምሕራይ ዝካየድ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዝጅመረሉ ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምርዳእ ከምዝኾነን፣ ኮይኑ ግን እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ውሳኔ ዝረጋገጽ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ሰነድ ተሓቲሙ ክንርእዮ ኢና” ኢሎም።
ኣባ ሎምባርዲ ኣብ መወዳእታ፦ “እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ዘሎ ብዛዕባ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዝምልከት ሕግን ከምኡ እውን ንኣኡ ዝምልከቱ ናይ መብርሂ ሰነዳት መሰረት ገይሮም ከሕንጽጽዎ ዝሓስብሉ ዘለዉ ናይ መብርሂ ሰነድ እዩ። ኣብ ፍጻሜ እንተድኣ በጺሑ ብሓባር ነቲ ሰነድ ክንርእዮ ኢና” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.