2013-02-21 14:50:16

ታሪኽ ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን


RealAudioMP3 ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዝገብ ምኽትል ኅየንተ ኣምብሮጆ ፒያዞኒ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ልኡካን ጋዘጠይናታት ታሪኽ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ስነ ታሪኻዊ መብርሂ” ከምዝሃቡ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ምኽትል ኅየንተ ፒያዞኒ ይብሉ፦ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ብዛዕባ ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዝገለጽ ታሪኽ ጥንታዊ ከምዝኾነን እቲ ነዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ምርጫ ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕግታትን ሕዳሴታቶም ለውጥታቶም ዝምልከት ታሪኽ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ምዃኑ ገሊጾም፣ ብፍላይ እቲ ኣብ 1059 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮሎ ዳግማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምምራጽ መሰል ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጥራሕ ክኸውን ዝብል ዘመሓላለፍዎ ውሳኔን ከምኡ እውን ኣብ 1179 ዓ.ም. ኣለሳድሮ ሳልሳይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝወሃብ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድምጺ ክልተ ሲሶ ዝረኽቡ ብፁዕ ካርዲናል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኽኾኑ ዝብል ዘተኣታተውዎ ናይ ሕጊ ውሳኔን እዚ ድማ እቲ ናይ ምርጫ ከይዲ ከይናዋሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ር.ሊ.ጳ. ጎርጎሪዮስ ዓስራይ ድማ ኣብ 1274 ዓ.ም. ሕርየት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዕጹው ክኸውን መረጽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ምስ ማንም ከይራኸቡ Conclave ‘cum clave’ -ብመፍትሕ (ዝተዓጸወ)” ዝብል መጸውዒ ከምዝሃብዎን፣ እቲ ቀዳማይ ኮንክላቨ ድማ ኣብ 1276 ዓ.ም. ናይ ኢኖቸንዞ ሓምሻይ ምርጫ ዝተኻየደሉ ከምዝኾነን፣ ኣብ 1621 ዓ.ም. ጎርጎሪዮስ መበል 15 እቲ ድምጺ ምስጢርን ብጽሑፍን ክኸውን ከምዝገበርዎ ገሊጾም።
ፒያዞኒ ነቲ ታሪኽ ኮንክላቨ ሕጽር ብዝበለ መልክዕ ምስ ኣረድኡ፣ ቀጺሎም ኣብ ቀዳማይ 1900 ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ 1903 ዓ.ም. እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ዓስራይ ዝተኻየደ ምርጫ እቲ ብፁዓን ካርዲናላት ዝህብዎ ድምጺ ክስነድን ኣብ ዕጽው ቤተ መዝገብ ቫቲካን ክዕቀብ ከምዝወሰኑን ኣብ 1914 ዓ.ም. በዚ ዓይነት መገዲ ድማ ኣብ መበል 10 ድምጺ ናይ ምሃብ ከይዲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ከምእተሓርዩ ምስ ጠቐሱ፦ “እብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 15 ክልተ ሲሶ ድምጺ ረኺቦም ምስ ተሓርዩ ድምጺ ናይ ምጽራይ ውሳኔ ከምእተገበረን እዚ ድማ ካብቶም መረጽቲ ብፁዓን ካርዲናላት ሓደ ንገዛእ ርእሶም ድምጺ ብምሃቦም ምኽንያትን ምናልባታ እቶም ንገዛእ ርእሶም ድምጺ ዝሃቡ እቶም ዝተሓርዩ ክልተ ሲሶ ድምጺ ዝረኸቡ ር.ሊ.ጳ. ከይኮኑ ንምፍላጥ ናይ ድምጺ ወረቐት ክመሳኸር ዝብል ውሳኔ ምኻኑ” ኣረዲኦም፣ ኣብ 1922 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 መንበር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ዝኾነሉ ጊዜ እቶም ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ ዝመጹ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ብፁዓን ካርዲናላት ናብ ሃገረ ቫቲካን ንኽበጽሑ ጊዜ መታን ክረኽቡ ካብ 10 ናብ 15 መዓልቲ ክብ ክብል ከምዝወሰኑን፣ ኣብ 1939 ዓ.ም. ኣብ ዝተኸየደ ምርጫ ንመጀመሪያ ጊዜ ካብ ዝተፈላለያ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላት ዝተሳተፍሉ ከምዝነበረን እንከሕብሩ፦ “ኣብ 1939 ዓ.ም. ስሳንክልተን ብፁዓን ካርዲናላት ከምእተሳተፉን ኣብ ክልተ መዓልቲ ውሽጢ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ኤውጀኒዮ ፓቸሊ ከምዝሓረዩን ንሶም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ዝብል ስም ዝመረጹ እዮም” እብክብሉ የዘኻክሩ።
ኣብ 1945 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ድሕሪ ካልኣይ ውግዕ ዓለም ምዃኑ እዩ፦ እቲ መራጺ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ክልተ ሲሶ ድምጺ ንጥንቁቕ ኣስተውዕሎ ብዝብል ውሳኔ ምኽንያት ክልተ ሲሶ ዝተደመሮ 1 ዝብል ውሳኔ ኣብቲ ሕጊ ተወሳኺ ዓንቀጽ ብምትእትታው፣ ነቲ ዝወሃብ ድምጺ ምምስኻር ዝብል መምርሒ ዘየድሊ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። መንበር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ናይ ኩሎም ናይቶም ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ዓበይቲ ሰበ ስልጣናታት ብፁዓን ካርዲናላት መዝነት ይቋረጽ ኣብዚ እዋን ስልጣን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘመሓድሩ ስዩምን ናይ ቤተ ኑዛዜ ዓቢይ ሓላፍን ናይ ሮማ ኅየንተን ጥራሕ ይቕጽል” ምስ በሉ፣ ኣብ 1958 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝካየድ ምርጫ ብፁዓን ካርዲናላት ዝዝግብዎ ዝጽሕፍዎ ዘበለ ኩሉ ኣብ ቤተ መዝገብ ሃገረ ቫቲካን ክዕቀብ እቲ ናይ ምርጫ ወረቐት ግን ድሕሪ ምርጫ ር.ሊ.ጳ. ብሓዊ ክነድድ ዝብል ውሳኔ ከምዘልዎ ክቕጽል ውሳኔ ከምዝሃቡን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኮይኑ ግን ካብ ሰማንያ ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘለዎም ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ምምራጽ መሰል ከይህልዎም ዝብል ሕጊ ከምዘተኣታተዉን፣ በዚ መሰረት ኣብ 1978 ዓ.ም. ድሕሪ ዕረፍት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ር.ሊ.ጳ. 111 ከምእተሳተፉን ሰለስተ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ዝነበሮም ድማ ንመጀመሪያ ጊዜ በቲ ሕጊ መሰረት ከምዘይተሳተፉ” ገሊጾም፣ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተሓርዩ ከምዝኾኑን ድሕሪ 33 መልቲ ድማ ከምዝዓረፉን ድሕሪኦም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ኣብ ዝተኽየደ ኮንክላቨ ብፁዕ ካርዲናል ካሮል ዎይትይላ ድሕሪ 8 መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ከምእተሓርዩን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝብል ሽም እውን ከምዝመረጹ” ፒያዞኒ ገሊጾም፦ “ኣብ 1996 ዓ.ም. ‘ኵላዊ መጓሰ ጎይታ ሓዋርያዊ ሕጊ’ ብዝብል ኣርእስቲ ኮንክላቨ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ክካየድን ብፁዓን ካዲናላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሕንጻ ማርታ ክዓርፉ ዝብል ውሳኔ ዘለዎ” ምዃኑ ጠቒሶም ብፁዓን ካርዲናላት ዝሃብዎ ድምጺ ድሕሪ 34 ቆጻራ ድምጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምሻም ዘየብቅዕ እንተድኣ ኮይኑ ካብቶም ናይቶ ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ብፁዓን ካዲናላት ስም ጥራሕ ተሪፉ ካብኣቶም ንምምራጽ ድምጺ ክወሃብ ዝብል ውሳኔ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዘሃብዎ ተወሳኺ ውሳኔ መሠረት ድሕሪኦም ዝተሓርዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 “እቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ብፁዓን ካርዲናላት ድሮ ኣብ ሮማ (ሃገረ ቫቲካን) ዝርከቡ እንተድኣ ኮይኖም እቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ መንበር ክፉት ኮይኑ ክሳብ 15 መዓልቲ ክጸንሕ ዝብል ነቲ መዓልቲ ምሕጻሩ ዝከኣል እዩ ስለዚህ ድሕሪ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዝጅመር ኮንክላቨ ብምቕዳም ክፍጸም ዝከኣል እዩ” ምስ በሉ “ድሒሮም ዝመጹ ብፁዓን ካርዲናላት እንተሃለዉ ዋላ እቲ ኮንክላቨ እንተጀመረ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብቲ ኮንክላቨ ክሳተፉ መሰል ኣለዎም” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.