2013-02-20 13:34:33

ቤተ ክርስትያን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢያ ፡ በነዲክቶስ መበል 16 ፡


አብዚ አብ ቫቲካን አብዚ ቅንያት”ዚ ድሕሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ በገዛእ ፍቃዶምን ድላዮምን ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ከም ዝገድፍዎ ብወግዒ ምስ ገለጹ ብዓለም ለኸ ደረጃ አብ ልዕሊ ካቶሊካውያንን ዘይኮኑን ዝተፈላላየ ርእይቶ ከም ዝተሰምዔን ዝተፈላለየ ስምዒት ከም ዘሕደረን ይዝከር ። ብድሕሪኡ መራኸቢ ብዙኀንን እኩባትን ብሕታውያንን ሰባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብዛዕባ ቤተ ክርስትያን ዘለዎም ሐሳብ ርእይቶ ከመይ ከም ዝኾነን ነቶም አብ ውሽጢ”ዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ብConclave ብጉባኤ ካርዲናላት ንዝመረጹ ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገድፍሎም ውርሻ ኸ እንታይ ኢዩ ብማለት ክሐቱ ይስምዑ አለዉ ።
ነዚ ኹሉ መልሱ ግን በነዲክቶስ መበል 16 ደጋጊሞም ከም ዝብልዎ ዘለዉ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ኢያ ብመንፈስ ቅዱስ ክአ ክትሕደስ አለዋ ዝብል ኢዩ ።አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዝያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝሀብዎ መግለጺ እንተተረዲእና ልዕሊ ኹሉ ቤተ ክርስትያን ምኽንያቱ”ሲ ቤተ ክርስትያን ናትና አይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቅዱስ ጰጥሮስ”ውን አይኮነትን ክንርዳእ ዘለና ቤተ ክርስትያን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢያ ምባሎም ካብዚ ብዙሕ ነገር ክትርዳእ ይክአል። ስለኾነ ክአ ህዝበ ክርስትያን አብ ዙርያ ቤተ ክርስትያን ኢዩ ክዓስል ዘለዎ ድአምበር ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ይኹን እኩባት ሰባት ቤተ ክርስትያን ከም ናይ ብሕቶም ጌሮም ክሐስቡ አይግባእን ቃል በነዲክቶስ መበል 16።
ቀጺሎም አነ ንመንበረ ቅዱስ ጰጥሮስ ክገድፎ ምሕሳበይ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብምድግጋም ሕልናይ መርሚረ ብፍቃደይን ብድላየይን ብነጻነትን ዝወሰድክዎ ውሳኔ ኢዩ ክአ ኢሎም ኔሮም። እንድሕሪ ቤተ ክርስትያን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይና አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ምክፍፋል ምውድዳር አነ ዝብል ነገር ቅድሚ እግዚአብሔር ከመጽእ አይግባእን ኢሎም ።
ኩሉ ምእንቲ ጽቡቅ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ዓቅምካ ንቤተ ክርስትያን ክትሐድር ከም ዝግባእ ክአ አስሚሮምሉ በነዲክቶስ መበል 16 ምሕደራ ቤተ ክርስትያን አመልኪቶም ክገልጹ ከለዉ ።ብሥርዓተ አምልኾ ላቲን ቅድሚ ትንሳኤ ዝግበር ጾም ከም ዝተጀመረ ክዝከር ክጀሎ በነዲክቶስ መበል 16 ጾም ግዜ ንስሐን ውሽጣዊ ምቅያርን መንፈሳዊ ተሐድሶ ዚካየደሉ ግዜ ከም ዝኾነ ክአ አገንዚቦም።በሰል ሥነ መለኮት ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መጻኢ ግዜ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዚምልከት ክገልጹ እንከሎዉ መጻኢ ግዜ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ህያውን መንእሰይን ከም ዝኾነት ኢየሱስ ክርርስቶ ንዓለም ከድሕን ንሞት ስዒሩ ከም ዝተንስኤ አገንዚቦም ።ምእመናትን ምእመናንን ብኢየሱስ ክርስቶስ ተመሪሖም ቃለ እግዚአብሔር ክሰምዑ ካብ አደን መምህርን ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክርሕቁ ከም ዘይብሎም ንመጻኢ ግዜ ብእመንትን ብተስፋን ክርእዩ በነዲክቶስ መበል 16 የተሐሳስቡ ።
ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ህዝበ ክርስትያን ኩሎም አብ ጐድና ክእከቡ ክዓስሉ ካብ ስስዔን ትዕቢትን ተናጊፎም ብመንፈስ ቅዱስ ክሕደሱ ገጾም ናብ ከሃሌ ኩሉ እግዚአብሔር ከቅንዑ ከም ትደሊ በነዲክቶስ መበል 16 አስሚሮምሉ።እዝ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ እምነት ስለ ዝኾነ ክአ መሠረተ ፍጥረት ንዝኾነ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ዝአምን ፍጡር ኩሉ እምነቱ ከሔድስ ክሐሳብ ከስተንትን እግዝአብሔር ብአምሳሉ ከም ዝፈጠሮ ክሐስብ ክፍልጥ ክርዳእ ክግንዘብ ከም ዘድሊ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ የተሐሳስቡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.