2013-02-19 15:26:53

ግብጺ፦ ምስረታ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ኣብ ግብጺ ናይ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ወከልቲ ትማሊ ንጎሆ ኣብ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ካቴድራል ቅዱስ ማርቆስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግብጺ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ኣንግሊካዊትን ከምኡ እውን ናይ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ወከልቲ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ኣኼባ ኣብ ግብጺ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ክቐም ከማተሰማምዑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ካልኣይን ኣብ ግብጺ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኢብራሂም ኢሳክ ሲድራክን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ እውን ከምእተሳተፉ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ዝቖመ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ኣብ ግብጺ ንውህደት ዝኣመተ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን ኣብታ ሃገር ንናይ ሓባር ናብራ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዝድግፍን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዘነቓቕሕን ምእንቲ ሓባራዊ ናይ ሰላም ናብራ ዝዓዪ ምዃኑ ኣብ ግብጺ ኣሲዩት ናይ እስክንድሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኪሪሊዮስ ዊሊያም ከምዝገለጺ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቲ ዝቖመ ናይ ግብጺ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ቤት ምኽሪ ማሕበራውን ባህላውን ናይ ሓባር መደባት ዘነቓቕሕን ዘይፖሊቲካውን ኣብ ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ውልቃዊ ጉዳይ እደ ኣታውነት ዘይህልዎን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓቀይና ሌላ ዘነቓቕሕን በዚ መዳይ ኣቢሉ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንምሕናጽን ምእመናን ንናይ ሰላም ባህሊ ዝሓንጽ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ኪሪሊዮስ ዊሊያም ከምዝሓበሩ ዘመልከተ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እቲ ክቐውም ስምምዕ ዝተገብረሉ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ቀረባ እዋን ብወግዒ ተመሪቑ ሓፈሻዊ ዕዮኡ ክጅምር ድማ ተመንዮም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ መሰረት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ እዩ ከምዝበሉ ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.