2013-02-14 16:35:54

ንቤተ ክርስትያን ዝመርሐ ክርስቶስ ኢዩ፣


RealAudioMP3 ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ እቲ ንዓለም ምሉእ ዘገረመን ገና እውን ዘዛርብ ዘሎ ብወለንታኦም ካብ መንበረ ሥልጣን ቅ.ጴጥሮስ ናይ ምውራዶም ዜና ትማሊ ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶ ክልግሱ አብ አደራሽ ጳውሎስ ንዝተአከቡ ምእመናንን ነጋድያንን “ስለ ፍቅርኹምን ጸሎትኩምን ንኹሉኹም ልባዊ ምስጋና ኤቅርብ፤ ነዚ ከአ ብምሉእ ነጻነት ኢዩ ገይረዮ፤ ቀንዲ ምኽንያት ከአ ንናይ ቤተ ክርስትያን ጽቡቅ ኢዩ” እንክብሉ አብ ዝገለጹሉ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ብጣቅዒት ንነውሕ ደቃይቅ አንጐጕዱ፣
አተሓሒዞም ቅዱስነቶም ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓት ትማሊ ዝጀመረ ጾመ አርብዓ አተኵሮ ብምግባር እዚ ጊዜ እዚ ናይ ለውጥን ንስሓን ጊዜ ወላ እቲ ክርስትያን ኢየ ዝብል እውን አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብቀጻሊ ክሕደስ ከምዘለዎ አዘኻኺሮም፣
ቅድሚ አብ አስተምህሮ ምሕላፎም ነቲ ዝገበርዎ ውሳኔ ክነግሩ ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ከም ትፈልጥዎ ቢሎም አብ ዝጀመሩሉ እቲ ጣቃዒት እንደገና አንጐድጕዱ፣
ቅዱስነቶም ብልማድ ወትሩ ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን ቢሎም እኳ ዝጅምሩ እንተኾኑ ናይ ትማሊ ግን ፍሉይ ቃናን ትርጉምን ነርዎ፣ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝጸንሐ ብርቱዕ ስምዒት ዝነበሮ ጣቅዒት መግለጺ ናይቲ ን48 ሰዓታት ምስ ትርግታ ልቦም ዝሃርም ዝነበረ ስም ዒት እንክኾን ቅዱስነቶም ከአ ብወገኖም፣ እግዚአብሔር ይሃበለይ ድሕሪ ቢሎም ነቲ ዝገበርዎ ውሳኔ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ነቱ ጐይታ ብ2005 ዓም ዘሰከመኒ መዝነት ሐዋርያዊ አገልግሎት መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሓድግ ወሲነ፣ ነዙይ ከአ ብምሉእ ነጻነትን ም እንቲ ጽቡቅ ናይ ቤተ ክርስትያንን ኢየ ገቢረዮ፣ ንነዊሕ እዋን ጸልየን ሕልናይ አብ ቅድሚ እግዚብሔር መርሚረን ዝበጻሕክዎ ውሳኔ ኢዩ፣ ሽሕ እኳ ክበድ ናይዚ ውሳኔ እንተተረዳአኒ ኮይኑ ግን ነቲ መንበረ ጴጥሮስ ዝሓቶ አገግሎት ዘድሊ ምሉእ ኃይሊ እውን አብ ግምት ብም እታው ኢየ ነዚ ውሲነ፣ ነዙይ ንኽገብር ዝድግፈንን ዘብርሃለይን ርግጽነት ከአ ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስቶስ ምዃና ኢዩ፣ አገልግሎቱን መርሒነቱን ሓልዮትን ብምንም አይጐድላን ኢዩ፣ ንኩሉኹም ከአ ስለእቲ ብፍቅርኹምን ብጸሎትኩምን ዝገበርኩምለይ ደግፍ አመስግን ምስበሉ ነቲ አደራሽ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኦም ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን እንደገና ብጣቅዒት ምስጋናኦም፡ገለጹ፣
ቅዱስነቶም ናብ ትምህርቶም ምልስ ብምባል ነዚ ድሕሪ 15 መዓልታት ዝፍጸም ክስተት ምስ ጾመ አርብዓ ብምትሕሓዝ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ነርብዓ መዓልታት ዝካየድ ገድሊ ተጻይ ኩሉ ፈተናታት ምዃኑን እዚ ፈተናታት እዚ ከአ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረበዳ ዘሸነፎ ፈተናታት ማለት ብሰይጣንን ሰላሕታዊ ፈተናታቱን ተኺቢቡ ዘሕለፎ ኢዩ፣ ቀዳማይ ፈተና ክንዲ ንፍትሕን ሓቅን እግዚአብሔር ምንዳይ ናይ መግቢ ጥሜት ክንዲ ፍቅሪ ምንዳይ ናይ ዓለማዊ ሥልጣን ጽምኢ ክንዲ ፍቃድ ናይ ጐይታ ኩሉ ምፍጻም ን እግዚአብሔር ምፍታን ምዃኑ ገሊጾም፣
ናይዚአን ኢየሱስ ዝተቀበለን ሰለስተ ፈተናታት ሕመረት አየናይ ኢዩ? ቢልና እንተሓቲትና ንእግዚአብሔር ምፍታን እንክኸውን እዚ ናብቲ ንስኻ እትደልዮ ንክትወስዶ ንገዛእ ር እስኻ ጥቅምን ክብርን ዓወትን ከተው ዕሎ ምፍታን ኢዩ፣ ብሓጺሩ አብ ቦታ እግዚአብሔር ንር እስኻ ኮፍ አቢልካ ካብ ኩሉ ም እላዩ ከምዘየድልን ዝያዳን ጌርካ ምር አዩ፣ ነፍሲወከፍናኸስ እግዚአብሔር አብ ሕይወተይ አየናይ ቦታ ሒዙ ይርከብ፤ ጐይታ ንሱ ድዩ አነ ቢልና ክንሓትት የድሊ፣ ንእግዚአብሔር አብ ሓደ ጸግዒ ካብ ናይ ምቅማጥ ፈተና ዘምልጥ የለን፤ ወላውን ክርስትያን፣ ምኽንያቱ ዘሎና ዘመን ናይ ቅዱስ ነገር ዝተሸፈነሉ ስለዝኾነ ኩሉ አማኒ ዕለት ዕለት አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክደጋግሞ አለዎ፣
ሎሚ ከም ሎሚ ክርስትያናዊ ሰረት አሎና ቢልካ ክርስትያን ክኽወን አይከአልን፤ ወላእውን ካብ ክርስትያናዊ ስድራቤት እንተተወለድካ ትምህርቲ ክርስቶስ ብግቡእ ዝተማሃርካውን እንተኾንካ ዕለት ዕለት ናይ ክርስትያን ምዃን ምርጫኻ ከተሐድስ የድሊ፣ ማለት አብ ቅድሚ እዚ ዓለማውነት ዝዓብለሎን ተጻባኢ ፍርዲ ናይ ዘመንና ሰባትን ወትሩ ቀዳማይ ቦታ ን እግዚአብሔር ምሃብ የድሊ፣

ሎሚ ደቂ ሰባት ዝፍተኑሎም ናብ ኅብስቲ ዝልወጥ አእማን ወይ እውን ካባኡ እትጸድፈሉ እሞ መላእኽቲ ዝከናኸኑሉ ናይ ቤተ መቅደስ ጫፍ የለን፣ ኮይኑ ግን ናይ ዘመንና ኅብረተሰብ ናብ ክርስትያን ዘቅርቦም ፈተናታት ብዙኃትን ግላውን ማኅበራውን ናብራና ዝትንክፉ ኢዮም፣
ንክርስትያናዊ ቃል ኪዳን እሙን ኰንካ ክትርከብ ቀሊል አይኮነን፤ አብ ዕለታዊ ናብራና ናይ ምሕረት ሥራሕ ክንገብር እውን አጸጋሚ ኮይኑ አሎ፤ ከማኡ እውን ንጸሎት ዝኸውን ቦታን ጊዜን ውሳጣዊ ጸጥታ ሓሊኻ አብ ዘይትኽ እለሉ ጊዜ ንርከብ፣ ከም ምንጻል ጥንሲ ናይ ምሕረት ቅትለት ካልእን እናረአኻ ዓው ቢልካ ክትቃወም እውን ቀሊል አይኮነን፣ ን እምነትካ አብ ሓደ ኵርናዕ ናይ ምሕባእ ፈተና ወትሩ አሎ፤ ስለዚ ንስሓን ለውጥን ናይቲ ደጋጊምና እምነትና ክንገልጸሎ ዘሎና እግዚአብሔር ግቡ እ መልሲ ምዃኑ ምዝካር የድሊ፣
ቀጺሎም ቅዱስነቶም መን ክልወጥ ይኽእል? ቢሎም ሕቶ ድሕሪ ምቅራብ አብዚ ዘመንና ሕይወቶም ዝለወጡን ናብ እግዚአብሔር ዝተመልሱን ብዙሓት ከምዘለው አዘኻኺሮም ከም አብነት ከአ ኤትይ ሂለሱም እትበሃል ዕብራዊትን ሆላዳዊትን ጐርዞ ጓል እምነት አብ ናይ ሂትለር ህልቂት ማእከል ዝነበረ አውስኪዝ ን እግዚአብሔር ከምዝረኸበት ከማኡ እውን ዶሮትይ ደይ እትበአብ አመሪካዊት መጀመርያ ማርክሳዊት ተዋጋኢት ዝነበረት አብ ቤተ ክርስትያን አቲኻ ር እስኻ ንጸሎት ምትሓት ል ዕሊ አሽሓት ፈኸረታት ከምዝልውጥ ዝተገንዘበት፣ ጠቂሶም አብዚ ዓመት እምነት ን እግዚአብሔር ጊዜን ቦታን ብምሃብ አብነት ናይዘን አብ ዝጠቀስወን ምኽታል ከምዘድሊ ገሊጾም፣
አማራጺታት አሎ፤ አብ ገዛእ ርእስና ተሓጺርና ዕጽዋት ካብ ምዃንን ንፍቅሪ እግዚአብሔርን ብጻይናን ክፉታት ምዃንን አየናይ አማራጺ! ወይ እውን ጐይታና ኢየሱስ አብ ቅድሚ ፈተናታት ዝወሰዶ ምርጫ ማለት ሰብ አዊ ሥልጣንዶ ፍቅሪ መስቀል ውይውን ብሃብቲ እዚ ዓለም እዚ ክትድኅን ምፍታንዶ ወይስ ብሥራሕ ናይቲ አብ ሕይወትና ቀዳምነት እንህቦ እግዚአብሔር ክትድኅን ምድላይ! አየናይ አማራጺ! ተሓደሱ ተለወጡ ዝብል ናይ ዘመነ ጾመ አርብ ዓ ጻው ዒት ከስ አብ ገዛእ ርእስኻ ዓወትን ክብርን ሥልጣንን ምድላይ ዘይኮነት ዕለት ዕለት አብ ናአሽቱ ጉዳያት ሓቅን አብ እግዚአብሔር እምንትን ፍቅርን ቀንዲ ምዃኖም ምዝካርን ምግባሩን ኢዩ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.