2013-02-12 14:51:39

ጀርመን ዓለም ሓቆፍ ዝኽሪ መዓልቲ ህሙማን


RealAudioMP3 እቲ ምስ ዕለት 11 ወርሒ ለካቲት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሉርድ ዓመታዊ ተተሓሒዙ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ለምዘበን ኣብ ጀርመን ባቪየራ ናይ ሓለዋ ጥዕና ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚምዎስኪ ዝተሳተፍሉ መበል 21 ንዝሳቐይ ኵሉ ሰናይ ግበር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ንዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሉርድ ምኽንያት እቲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ዝከየደሉ ዘሎ ኣብ ጀርመን ክፍለ ሃገር ባቪየራ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣልቲዩቲንግ ዘሎ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. “ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ” (ዮሓ. 2.5) ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝእንገድ ምዃኑ ከምዝገለጹ ነቲ ኣብ ኣልቲዩቲንግ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኻታተላ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ልእኽቲ ጋዜጠይና ክርስቲነ ሰኡስ እንክሕብራ፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ከረክቡ ምዃኖም ዝገልጽ ዝሃብዎ ውሳኔ ምስ ተሰምዔ ብዛዕብኡ ኣንታይ ይብሉ እንክብላ ንዘቕረባሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ብርግጽ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፈነት ዓቢይን ከቢድን እዩ። ስለዚህ እዚ ዓቢይ ሓላፍነት ናይ ምስካም ሓይሎም ዝፈልጥዎ ንሶም ጥራሕ እዮም፣ ስለዚህ እቲ ዝወሰድዎ ውሳኔ ጽንዓትን ብርታዔን ዓሚዩቕ ርክብ ምስ እዚኣብሔርን ጸሎትን ዝሓትት ናይ ቅዱስ መንፈስ ኣስተንፍሶ ዘድልዮ እዩ። ቅዱስ ኣቦና በዚ መሰረት ዝወሰድዎ ውሳኔ ብምዃኑ ዝነኣድ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ነቲ ዝመጽእ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መኻርን ጸላይን ከምዝኾኑ ድማ እይጥራጠርን እየ” ኢሎም።
እዚ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ኣብ ጀርመን ክካይድ ቅዱስ ኣቦና ዝወሰንዎ እዩ። ምስ’ዛ ዕለት ዝተተሓሓዘ ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ናይ ምርካብ ውሳኔኦም ናይ ዕድመ ምድፋእ ኣድማስ ዘቃልሕ እዩ። እቲ ዜና ምስ ተሰምዔ ብሓቂ ተጋባእያን ሰንቢዶምን ኣብ የዕይንቶም ንብዓት ተራእዩ እዩ። እዚ ድማ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎና ውህደትን ዘሎና ውሉዳዊ ፍቕሪ ዘነጽር እዩ” ምስ በሉ ኩላትና ይብሉ “ብጸሎትን ብመንፈስን ንቕዱስ ኣቦና ቀረባ ኢና፣ ካብ ቀድም ብዝያዳ ንሶም ንኣና ኣንሕና ንኣኦም ቀረባ ኢና ምስ በሉ ቅድሚ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ድማ ገጽ ንገጽ ክራኸቦም ተስፋ እገብር” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.