2013-02-12 11:33:36

4ይ ሰንበት ዘአስተርእዮ 2005 ዓ.ም. (የካቲት 10 2013)


መዝሙር፦ ኢየሩሳሌም ትቤ ተወልደ ንጉሥየ ወአምላክየ. . . ።
ንባባት፡ 1ጢመ 5፡1~11፥ 1ዮሓ 3፡19፥ ግ.ሓ. 7፡29~35፥ ማር 6፡7~12።
ስብከት፡ “ ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሕዮ ለአምላክኪ ጽዮን፥ እስመ አጽንዓ መናግስተ ኆኀትኪ።” “ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር አመስግንዮ፥ ኦ ጽዮን ንአምላኽኪ ወድስዮ፥ ከመይ ንሱ ንመሃርሃር መዓጹኺ ዜጽንዕ፥ ንህዝብኺ ዚባርኾም እዩ”(መዝ.147፡12)።
መዝሙር፡ ኢየሩሳሌም ንጉሠይን አምላኸይን ተወልደ፥ አብ ቤተልሔም ብግርማ መለኮት ተወልደ፥ አኽሊል ናይ ሰማዕታት ናይ ክህናት ሰያሚ፥ ሰራዊት ሰማይ አብ ማሕበር ቅዱሳን ዘመስግንዎ፥ አብ ፈልግ ዮርዳኖስ ዮሓንስ ንኢየሱስ አጠመቖ፥ኢየሩሳሌም በለት ኢየሩሳሌም አመስገነቶ። ኢየሱስ ክርስቶስ ባህሪ ትስብእት ምስ ለበሰ አብ መንጎና ስለ ዝሓደረ ክነለልዮ እሞ ምስኡ ዘሎና ምቅርራብ ክነደልድል። ንአምላኽ አብ ኩሉ ዕለታዊ ሕይወትና ሒዝናዮ ክንጉዓዝ ዝሕግዘና መዝሙር።
ንአምላኽ ክንልአኽ ዝተሓረና ኢና።
ኩልና ደቂ ሰብ አምላኽ አብ ግራቱ ክንዓዪ ኩሉ ጊዜ ክልእከና ምስ ደለየ እዩ። ግራት አምላኽ ህዝቢ እዩ። አብዚ ዝተፈላለየ ጠባይን እምነትን ዘልኦ ህዝቢ ክንልአኾ ቃሉ ክንስምዕ፥ ንሰባት ሓቂ ክፈልጡ ክነግር ንአና አብኡ ዝአመና ክልእኽ ይደሊ አሎ።
መልእኽቲ አምላኽ ከምቲ አነ ዝደልዮ ወይ ዝርድአኒ ዘይኮነ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮን ዝብሎን ገረ ክብጽሕ እዩ ዝድለ ዘሎ። አምላኽ ዝደልዮ ክትገብር መጀመርያ ንስኻ ክርድአካ ክትቅበሎ ይግባእ ምኽንያቱ ዘይተረድአካ ዘይትቕበሎ መልእኽቲ ክተብጽሕ ቀሊል አይኮነን። አብዚ ዓለምና ብስም ክርስትያን ኢና ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ንቃል አምላኽ ከምቲ ንሶም ዝደልይዎ ገሮም እናተርጎሙ እዚ እዩ እቲ ሓቂ እናበሉ ንብዙሓት አብ ጌጋ ዝወስዱ አለዉ። ብፍሪኦም ክትርእይዎም ኢኹም ይብለና። ሕማቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ አይፈርን እዩ ከምኡ ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ አይፈርን እዩ ስለዚ ንሕና እውን ብፍረናን ነቲ ሓቂ ምስ ሓዝና ኢና ጽቡቕ ክንፈሪ እንኽእል እምበር ብስም ዓውዓው በለና ወይ ሰባት ብዝርእይዎ ጥራሕ ብስም ተመስከረልና ሓቂ አሎና ማለት አይኮነን ንሓቂ አብ ቅዱስ መጽሓፍ አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ከምኡ በቲ ዕለት ዕለት ቤተ ክርስትያን እተስተምህሮ ኢና እንረኽቦ።
ሓቀኛታ ልኡኻት ወንጌል ኮና ተልእኮና ክንጅምር ሎሚ እውን አምላኽ ይሓተና አሎ።
ወንጌል ማርቆስ ንሎሚ ዝተነበ ዘስተምህሮ ኢየሱስ ሓዋርያት ምስ ሓረየ እቶም ቀዳሞት ገፈፍቲ ዓሣ ዝነበሩ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እናበለ ጸዊዕዎም። ሓዋርያት ንኢየሱስ ምስ ሰዓቡ አብ ሓዲስ መደብ ሕይወት እዮም አትዮም። ሓዲስ መንነት እዮም ለቢሶም፥ ንአምላኽ ዝልአኽ ቀዳመይቲ ዝገብራ ዝተሓደሰ ዝተለወጠ ክኸውን አለዎ። ነዚ ሒዞም እዮም ቀዳሞት አርድእቲ አብቲ ተልእኮኡ ተሳተፍቲ ክኾኑ ሓርይዎም። እዞም መሰረት ናይ መጻኢት ማሕበር በብክልተ ልክዕ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ክገብሩ ልኢኽዎም። ተኸታል ክርስቶስ እምብአር ቀንዲ ዓለምኡ ነቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ክገብር እዩ። አብዚ ናቱ ድለት ስምዒት ዝኾነ ነገር ቦታ የብሉን እንተ ድአ ናይ ሓቂ ናይ ኢየሱስ ክኸውን እንተ ኾይኑ።
ንፍሉይ ተልእኮ ሓርዩ ሓላፍነት ስልጣን ሂብዎም፥ ተልእክኦም አብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ስልጣን ሂብዎም፥ ንስሓ ክሰብኩ ማለት ፍጹም ተሓድሶ መንግስቲ አምላኽ ርእዮም ክኽእሉ፥ ንሕሙማ ብዘይቲ እናቐብኡ ከሕውይዎም። ከሕውይዎምን ብኹሉ ዝተሓጎሱ ክገብርዎም፥ ጥዕናን ቅድስናን ከልብስዎም። ሰባት ቅዱስን ክኾኑ እሞ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ኮይኖም ሕይወቶም ክመርሑ ክሕግዙ እዩ ጸዋዕትኦም፥ ቅዱስ ምዃን ማለት ምሉእ ምዃን ማለት እዩ።
አብ ጉዕዞ ተልእኮ ክማልእዎ ዝግባእ ነገራት፡
አብ ተልእክኦም ብዙሕ ነገራት ከይማልኡ ነቲ ቀንዲ ዘድልዮም እምበር ኻልእ ከይማልኡ ሓቢርዎም። ምስኦም ግንዘብ ይኹን መግቢ ከምኡ ክዳን ከይማልኡ የጠንቅቆም። እዚ ኹሉ አየድልዮምን እዩ ምኽንያቱ በቶም ዘገልግልዎም ሰባት እዚ ኹሉ ክውሃቦም እዩ። አብታ መጀመርያ ዝአተውዋ ገዛ ክጽንሑ አለዎም ካብ ገዛ ናብ ገዛ ሓገዝ ደልዮም ክኸዱ የብሎምን። ልዕሊ ኹሉ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገሮም ክጉዓዙ ይግባእ። እዚ ንወድሰብ እቲ ዝበለጸ መሰረት ነጻነት እዩ፥ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርካ ሕይወትካ ምምራሕ። ሰብ ናጽነቱ ዘጥፍእ እምነቱ አብ ርእሱ ምስ ገበረ እዩ። ብዙሓት ነዚ አብ አምላኽ ምሉእ እምነት ገርካ ምጉዓዝ ዝብል መምርሒ ሕይወቶም ገሮም ተጓዕዞም። ብዙሓት መስረቲ ማሕበራት ነዚ አብ ሕይወቶምን አብ ሕይወት ተኸተልቶምን መስሪቶሞ።
አብ ሕይወትና ምልስ ኢልና እንተ ረአና እዚ ኹሉ ጋሕገልጠም የድልየናድዩ? ሕይወት ብዘይ እዚ ክንመርሕ የጸግመናድዩ? ሓደ ከምዝበሎ “ እቶም ዝሃብተሙ ዝብሃሉ እቶም ዝውሃደ ዝደልዩ እዮም” እዚ እዩ ኢየሱስ ሎሚ ከምህረና ደልዩ ዘሎ። ንሱ ሕያው አብነትና እዩ፥ አብ ሕይወቱ ባዕሉ ከምዝበሎ “ደቂ ሰብ ዝአትውዎ ገዛ አለዎም ወዲሰብ ግን ርእሱ ዘዕርፈላ ብዓቲ እውን የብሉን” እናበለ ሓንቲ ከምዘይነበሮ ገሊጹልና።
ሃብቲ ዓለም መኸላእታ ስብከተ ወንጌል ክኸውን ይኽእል እዩ፡
ሃብቲ ዓለም ክብሃል እንከሎ አብዚ ሕይወት ሰብ ክነብር ዘድልዮ ነገራት ብብዝሒ ክህልዎ እንከሎ እሞ ካብቲ ቀንዲ ተልእኮኡ ከም ፍጡር አምላኽ ዘተዓናቕፎ ነገራት እዩ። አብዚ ኩሉ ሃብቲ መኸላእታ ድሕነት ክኸውን ይኽእል እዩ አይንብልን ኢና ዘሎና። ሃብቲ ግን አብ ጌጋ አብ ኃጢአት ክንወድቕ ብቐሊል ካብ አምላኽ ከርሕቀና ስለ ዝኽእል ምኽንያት ውድቀት አብ ኃጢአት ከይኮነና ምጥንቃቕ የድልየና። ብዙሓት አለዉ ንሃብቶም መጋበሪ ድሕነቶም ገሮም ዝካየዱ። ብግቡእ ክንጠቀመሉ ከሎና ሃብቲ በረኸት እዩ። ሃብቲ ክገዝአና እንከሎ መንፈስናን ቀልብና ልዕሊ ኹሉ አብኡ ገርና ቦታ አምላኽን ሓውናን ዝወርስ ሃብቲ መርገም ኩነኔ እዩ ዘምጽአልና። ከምዚ ምስ ኮነ እዩ ሃብታም ካብ አብ መንግስተ ሰማይ ካብ ዝአቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል ዝበለ መድኃኒና።
ሃብቲ ብሓሳብ እውን ከመልከና ይኽእል እዩ። ዝውነን ሓንቲ ዘይብልና እንከሎና ብሓሳብና አብ አምላኾ ሃብቲ ክነብር ንኽእል ኢና። መንፈስና አታሓሳስባና ብናይ ስጋ ነገራት ጥራሕ ተመሊኹ ክንጉዓዝ ከሎና መንፈስና ናይ አምላኽ አይኮነን አሎ ስለዚ እቲ ቀንዲ ጸገም ሃብቲ አብ ርድኢትናን መንፈስናን እዩ። ቦታ አምላኽ ብሃብቲ ከይንትክኦ ዓቢ ጥንቃቐ የድልየና።
ተልእኮ አምላኽ ብሓባር እዩ ዝውፈር፡
መልእክቲ አምላኽ እነብጽሕ ኩልና ኢና። ኢየሱስ መጀመርያ ናይ 12 ሰባት መሕበር እዩ መስሪቱ እዞም ዓሰርተ ክልተ ብሓባር አብ ሓደ ግራት ብሓደ መንፈስ ክሰርሑ ሓደ ንሓደ ከየናአሰ ብሓደ ልቡ ክሰርሑ ሓደ ዓይነት ስራሕ ሂብዎም። እዚ እዩ ድላይ ኢየሱስ። ሓደ መጓሰ ኮንካ አብ ደንበ ኢየሱስ ምንባር እሞ ንድላይ ኢየሱስ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ምስባኹ። ዓለምና ከምሎሚ ቃል አምላኽ ሒዝና ዘሎና ኢና ዝብሉ ከም ሎሚ አይበዝሕዋን ግን ዓለም ከአ ከምሎሚ ኃጢአት አይበዝኃን። አብ አድሕድ ቅትለት ንሕጊ አምላኽ ሰብ ከም ሎሚ ግሩ ዳርጋ አይደፈረን ክብል ንኽእል እዚ ኹሉ አብቲ ሓቀኛ እምነትን ሓቅን ስለ ዘይተረኸብናን እዩ። ሓቂ አብ ኢየሱስ ክርስቶስን አብታ ንሱ ዝሓደጋ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ጥራሕ እዩ ዝርከብ። እዚ ክብል ዝግድደና መንፈስ ቅዱስ መንፈስ ሓቂ ስለ ዝመርሓ ቤተ ክርስትያን ክትጋገ አይክአልን እዩ። ሓዋርያት ነቲ ክርስቶ ዝነገሮም ነጊሮምና ንአኡ ክንሕሉ ተላብዮም ሓላፎም። እዚ ኢና ከየቋረጽና ሰሚዓን ሰባት አብ ታሪኽና። እሞ ሎሚ እውን ንሓቂ ክርስቶስ አብ ቤተ ክርስትያኑ ኢና እንረኽቦ።
ሓዋርያት ምስልአኾም ልኡኾም ከብጽሑ በብክልተ ተዋፊሮም። አብ ሓዋርያነቶም ሰለስተ ነገራት ከምቀንዲ ስርሖም ገሮም ክጉዓዙ ነጊርዎም፡

ሓዋርያት መንግስቲ አምላኽ ጥራሕ አይኮኑን ሰቢኾም አብ ሕይወት ሰባት ከምዝአቱ ገሮሞ። ሰባት መን ምዃኖም ፈሊጦም ተፈጥርኦምን ነቲ ብክርስቶስ ዝተዋህቦም ጸጋ አለልዮም ከም ዝጉዓዙ ገሮሞም።
ንሕና ከም ማሕበር ክርስቶስ ነዚ ኢና ተጸዊዕና ዘሎና። መጀመርያ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክንርከብ፥ ነቲ ካብ አምላኽ ዝፈልየና ዓበይቲ ነገራት አሊና ደቂ አምላኽ ክንከውን እሞ ናይ እዚ ዓለም ነገራትን ካብ እምነትና ዝፈልየና ዝኾነ ሓዲግና እሙናት ተኸተልቲ ክርስቶስ ክንከውን ሎሚ አምላኽ ይሓተና አሎ።
አምላኸይ ክልአኸካ ፍቓደኛ እየ አብ ግራትካ ክዓዪ ድላየይ እዩ እሞ ተቐበለኒ ኢልና እናለመና ብጥምቀት ዝጀመርናዮ ስብከተ ወንጌል ሎሚ አብዚ ዓመተ እምነት ሓዲስናዮ ክንርከብ ፍቓደኛታት ንኹን። ንወሃቢ ኩሉ አምላኽ ጸጋኻ ሃበና እናበልና በዚ ቅዱስ መስዋዕተ ቅዳሴ ንማሕጸኖ። አብ ግራቱ ክንዓዪ ፍቓዱ ይኹን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.