2013-02-09 15:01:08

ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ድንግል ዘትትኣምን ኣብ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማ


RealAudioMP3 ትማሊ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ ልክዕ ሰዓት ሽዱሽተን ርብዕን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘትትኣምን ዓመታዊ በዓል ሓላዊት ቅድስቲ ዓብይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ተመሃሮ ዘረኣ ክህነትን ኣሕሉቕ ተመሃሮን ተራኺቦምን መሪሕ ቃል ሂቦም ኣብ ዝቐረበሎም ናይ ድራር ዕድመ ተቛዲሶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ተመልሱ ልክዕ ሰዓት ሾሞንተን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ መላእ 190 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማን ኣሕሉቕን ናይ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሓለፍትን ኣበ ነፍሳትን ብሓባር ጸሎት ዘሰርክ መሪሖም ከምእተሳተፉ ነቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ዕለት 20 ለካቲት 2009 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓብይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ከምዝነበሩ እንክዝከር፦ “ሕይወት ክርስትና ሕይወት ጸዋዕታ ምዃኑን፣ ክሳብ ፍጻሜ ብዘይ ምቁራጽ መልሲ ዝወሃቦ እዩ። እቲ ናይ እምነት ሕይወት ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነ ክርስቶስ ይሓርይ ኣሞ ካብቲ ዝጸውዖ ድማ እነኹ ዝብል ወትሩ ዝደጋገም-ሓድሽ ቀጻልን እነኹልካ ዝብል መልሲ ይጽበ። እዚ ንዝኾነ ክርስቲያን ዝምልከት እንተድኣ ኮይኑ ብዝያዳ ድማ ነቶም ናይ ክህነት ሕይወት ዝመርጹ (ዝተመርጹ) ዝምልከት እዩ። ምእንቲ’ዚ ካብቲ ንሕይወት ክርስትናን ንጸዋዕታ ክህነትን ዘጋጥም ሓደጋን ፈተናን ዘበለ ኵሉ ምጥንቓቕ የድሊ” ምስ በሉ ካብቶም ፈተናታት ይብሉ ቅዱስነቶም፦ ኣብ እዋን ቅዱስ ጳውሎስ እውን ዝነበረ ናይ ኣእምሮኣዊ ፈተና ዝብል ጠቒሶም፦ “ሎሚ እውን እንተኾነ ኣክንዲ ኣብቲ ምስ ክርስቶስን ኣካሉን ማለተ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ሱታፌ፣ ነፍሲ ወከፍ ብውልቁ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ጸብለል ክብልን ናይ ፈላጥ ምዃን ትዕቢት ዘርእይ እዩ፣ ካብ ካልኦት ዝበለጽካ ፈላጥ ገርካ ገዛ እርስኻ ምሕሳብ ዘዕንው ክርክርን ዝወልድ እዩ። ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ሓደ መንፈስን ልብን ክትከውን ዝተጸውዔት ንምዃና ዘዕንው መገዲ እዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ የዘኻኽሩ።
ዕለት 17 ግንቦት 2007 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ሰበኻ ሮማ ዓቢይ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ሓዋርያዊ ብምጻሕ ፈጺሞም ኣብ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፦ “ክህነት መዳይቦ ስልጣንን ሞያን ክኸውን የብሉን። እዚ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትሑታን ኩኑ እንክብል እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መንጎ ኣባላት ውሉደ ክህነት ከጓንፍ ዝኽእል ፈተና ቀዲሙ ገሊጽዎ እዩ። ትሑታት ምስ ገዛእ ርእስና ክበሃል እንከሎ ዘሎና ማዕርግ ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምዃንና ምፍላጥን ኣብ ፍቕሪ ከምዘሎናን ኵሉ ነዚ ፍቕሪ’ዚ ኣብ ኩሉ ክንጸባርቕ ምግባር እዩ” ከምዝበሉ ዝዝከሩ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ቀጺሎም፦ “ኣብ ሰማይ እትነብር ኣቦና ዝብል ጎይታ ባዕሉ ዘስተምሃረና ጸሎት ነቲ ልዑሉ ፈጣሪ ብዛዕባ ነኣሽቱን ዓበይትን ዕለታዊ ናብራ ክንልምኖን ከነመስግኖን ከምዝግብኣናን፣ ከመይ ገርና ክንጽሊ ከምዝግብኣና ጸሎት ዘስተምህረና ዓቢይ ጸሎት እዩ” እንክብሉ ዕለት 12 ለካቲት 2010 ዓ.ም. ኣብ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ከምዝገለጹ የዘኻኽሩ።
ዕለት 1 ለካቲት 2008 ዓ.ም. ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፦ ሕይወት ክህነት ንኻልኦት ዝማርኽን ዝስሕብን ኣይኮነን ዝብል መን እዩ? በንጻሩ እዚዩ ዝስሕብን ንዓለም ኣዚዩ ዘገድስን ዓይነት ጸዋዕታ እዩ። ስለምንታይ እቲ ኩሉ ሃረር ዝብሎን ዝጽበዮን ዝኸውንን ብድሮን ናይ ሕይወት ምልኣት ዝገልጽ እዩ። ንኽርስቶስ ንምምሳል ዝሓትት ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጻእኩን ዝብልን ሕይወቱ ምእንቲ ኩሎም በጃ ዝብል ጸዋዕታ ብምዃኑ ዓቢይ ጻዕሪ ዝሓትት ጸዋዕታ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ የመልክቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.