2013-02-07 14:44:39

ናይ ፖርትስማውዝ ብፁዓን ጳጳሳት መግለጺ


RealAudioMP3 እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መርዓ ግበረ ሶዶማዊ ጾታዊ ስምዒት ንዘለዎም ዜጋታት ዝፈቕድ ዘጽደቖ ንድፈ ሕጊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተቓወሞኦን፣ እዚ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንሓደጋ ዘቃልዕን ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዓቢ ጸገም ከስዕብ ከምዝኽእል በቢ ወገነን መግለጺ ከምዝሃባሉ ኣመልኪቶም፣ ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ጁስቲን ወልባይ ኣብ ላምበት ፓላስ ዝሓለፈ ሰኑይ እዚ ዓቢይ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ብወግዒ እንክርከቡ፦ “ንኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መርዓ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ ፖርትስማውዝ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍሊፕ ኤጋን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ቤተ ክርስቲያን መላእ ዘርኢ ሰብ ብዘይ ጾታውን ባህላውን ሃይማኖታውን ፍልልይ ንኹሉ እያ እተፍቅር፣ እዚ ድማ እቲ ካብቲ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝተቐበለቶ ተልእኾ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደኣዊ ጾታ ንዘለዎም መርዓ ዝፈቅድ ሕጊ ክትቃወም እንከላ ነቶም ሶዶማዊ ጾታዊ ዝንባለ ኣለና ዝብሉ ትጸልእ ማለት ኣይኮነን። እቲ ባህርያዊ ሕግን ደሓር ድማ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸንዔን ቅዱስ ምስጢር ክኸውን ዘብቀዖ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጸንዕ ውህደት ምዝባዕን ከከም ዝደለኻየ ንምቅይያር ዝግበር ውሳኔ እያ እትቃወም። መራሔ መንግስቲ ካመሮን ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ እዩ ተቓውሞ ዝቐርቦም ዘሎ፣ ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ንምዝታይ ካቶሊካዊትን ኣንግሊካዊትን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እንግልጣር ናይ ሓባር ዘተ ከምዘካይዳን፣ ኣብቲ ናይ ተመራዐውቲ መመዝገቢ ሰነድ ልሙድ ዝኾነ ኣገላልጻኡ ዝቕይር እዩ። ስለዚህ እቶም ካቶልካውያን ነዚ ሓድሽ ዓይነት ኣገላልጻ ከመይ ጌሮም እዮም ክቕበልዎ ዝኽእሉ? እቲ ሓድሽ ኣመለኻኽታ ንካቶሊካውያን ሃይማኖት ሰዓብትን ነቶም ነቲ ሓድሽ ሕጊ ዘይቅበሉ ዝንጽልእ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.