2013-01-31 18:07:09

እግዚአብሔር አቦ ኩሉ ከአል ኩሉን መሐርን ኢዩ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብቲ ትማሊ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮᎄዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም “እቲ ሓቀኛ ከአል ኩሉነት አብቲ እግዚአብሔር ንነፍሲ ወከፍ ወዲሰብ ዘለዎ ምሕረትን ርኅራኄን ምህላው እንክኾን በዚ ከአ እግዚአብሔር ንወዲ ሰብ ዘለዎ ፍቅርን አቦነትን ይግለጽ” እንክብሉ ነቲ አብ ዝሓለፈ ሶሙን “እ አምን ብ እግዚአብሔር አብ” ዝብል አስተንትኖ አብ ጸሎተ ሃይማኖት ዝጀመርዎ ብምቅጻል ነታ አቦ ትብል አስፍሕ ብምባል “ኪለው ብዝኽ እል እግዚአብሔር አቦ” እንታይ ማለት ምዃኑ ገሊጾም፣
ኪለው ብዝኽ እል እግዚአብሔር አቦ ም እማን ማለት ወላውን እቲ ዝነአሰ ወዲሰብ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዕብየት ዝሓዘ እግዚአብሔር ውሉድ እኳ ደአ ማንም አቦ ከፍቅሮ ካብ ዝኽ እል ንላዕሊ ዝተፈቅረ ኮይኑ ኪስመዖ ይኽ እል፣ ጐ.ኢ.ክ ነቲ ሓዋርያት ብሕጽር ዝበለ መልክ ዕ ዘመሓላለፉና ጸሎተ ሃይማኖት ተነቢረን ዘለዋ ዓቢ ትርጉም ብዝሓዘ ዝገልጽዎ አቦነትን ከአሊ ኩሉነትን እግዚአብሔር ገሊጽልና ኢዩ፤ ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም፤ “ኮይኑ ግን አብዚ ግዜ እዚ አብነት ዝኸውን አቦ ክትረክብ አሸጋሪ ኢዩ፤ ከመይ ዝተፋትሑ ስድራ ቤታትን ብናይ ናብራ ክብደት ጭንቀት ዝወሓጦምን አብ ገሊኡ ጨሪስካ ንስም ጥራይ አቦታት ዝበሃሉ ዘለዎ ዘመንና አቦ ትብል ቃል ምግላጻ ከቢድ ኢዩ” ድሕሪ ቢሎም፣
“ከም ወላድን ውሉድን ዝግበር ዘተ ርክብ ተዋስ ኦ እናከበደ ናይ አቦነት ምት እምማን እናጐደለ አብ ዘለዎ ዘመን ን እግዚአብሔር ከም አቦ ክትሓስቦ እውን ከቢድ ይገብሮ፣ ካባኡ ሕልፍ ኢልካ እውን ጨቋንን ነቃጽን አቦ ወይ ከአ ጨሪሽካ አይግዳዱ ፍቅሪ ዘይብሉ ዝገደደ ከአ ወሊዱካ ደአ እምበር አይፈልጠካ አይጥይቀካ ዝ ዓይነቱ አቦታት እናረአኻ ን እግዚአብሔር ከም ሕያዋይን ንኩሉ አብ ኢዱ ክትገድፈሉ እትኽ እል ኃላዪን ቢልካ ምዝራብ ቀሊል አይኮነን፣ ኮይኑ ቃል አምላኽ ምናዳኸአ ጐ.ኢ.ክ. ክንዮዚ ብምሕላፍ ናይ እግዚአብሔር አባታዊ ፍቅርን ኃልዮትን ገሊጹልና አሎ፣
“እግዚአብሔር ደቁ ብምንም ተአምር ዘይሓድግ አቦ ኢዩ፣ ፍቃር አቦ ኮይኑ ካብ ናይ ደቂ ሰባት ምት እምማን ብዝለዓለን ክትበጽሖ ብዘይትኽ እል ምት እምማንን ንዘለዓለማውነት ኅልናና ንምኽፋት ንደቁ ይድግፍ ይሕግዝ ይቅበል ይምሕር የድሕንን፣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ጨሪሹ አይጎድልን አይደክምን እውን እዚ ፍቅሪ እዚ ንወዱ ም እንታና መሥዋዕቲ ክሳብ ምሃብ ዘብጽሖ መወዳድርቲ አልቦ ኢዩ፣ በቲ ም እንቲ ከድሕነናን ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከብጽሓናን ቢሉ ፈጺሙ በይንና ዘይሓድገናን ወትሩ ዘሰንየናን አምላኽ ተደጊፍና ንተመኵሮታት ናይ ቅልውላው ጸልማትን ናይ ሥቃይ ግዝያትን ከማኡ እውን ዝኾነ ጸገምን ፈተናን ክንምክቶ ንኽ እል፣
ናይዚ ኩሉ ርግጽነት ካብ እምነት ይወለድ፣ ኮይኑ ግን ታሪኽ እውን እንተኾነ በቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ወልደ እግዚአብሔር አብ መስቀል ተሰቂሉ ክመውትን ክትንስእን ዝረአዮ ጭቡጥን ተገሩ ዘይፈልጥን ምልክት ብምቅራብ ይሕግዘና፣ ምናልባት እውን ጉዳይ መስቀል ዝረአየ አብቲ ኪለው ዝኽ እል ዝብል እምነት ከጉድል ይኽ እል ይኸውን፤
“ንሕና ኩሉ ግዜ ከም መደባትናን ድሌታትናን ዝኸይድ ከአል ኩሉነት ንደሊ፣ ንጸገማትና ሽ ዑ ንሽ ዑ ዝፍትሕ አብ ሽግር ከይን አቱ ዝከላኸለልና ንኃይሊ ጸላትና ዘሸንፈልና ንጕዕዞ ኩነታት ቀዩሩ ሥቃይ ዘቦኡ ካብ ገጽ ምድሪ ዘጥፍ አልና ንደሊ፣ እወ ከም ሓቁ አብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ክፍአትን ሥቃይን ን እግዚአብሔር አቦን ከአል ኩሉን ቢልካ ንክትቅበል ይጽግም ኢዩ፣ ስለዝኾነ ከአ ገሊኡ ገለ ከውሊ እንተኾኖም ቢሎም ካብ እምነቶም ሰንከልከል ብምባል አብ ናይ ጥንቈላ ሓሳዊ ከአል ኩሉነትን ዝህቦ ናይ ሓሶት ተስፋን ክወድቁ ይረአዩ፣
ወረ ብዝገደደ ሎሚ ከም ሎሚ ብዙሓት ናይ ትምህርተ ንባበ መለኮት ሊቃውንቲ እግዚአብሔር ከአል ኩሉ እንተዝከውንሲ እዚ ኩሉ ሥቃይን መከራን አብ ዓለም ዘሎ ክፍ አትን እምበይምሃለውን ይብሉ፣ ኮይኑ ከአል ኩሉነት ናይ አምላኽና ካብቲ ንሶም ዝሓስብዎ ከአል ኩሉነት ዝተፈልየ ኢዩ፣
“ከም ሓቁ እንተኾነ ነጻ ገሩ ብምፍጣርን ነጻነት ብምዕዳልን ንሕና ብናትና ድላይን ነጻነትን ክንምራሕ ክፋል ናይ ሥልጣኑ ሂቡና፣ ከአሊ ኩሉነቱ ከምዚ ናትና ብዓመጽ አይኮነን ዚግለጽ፤ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ማለት ከአሊ ኩሉነት ንዝጻባአካ ኩሉ ሥልጣን ብምድምሳስ አይግለጽን እንታይ ደአ ብፍቅሪ ብምሕረት ይቅረ ብምባል ይግለጽ፣ በአመለኻኽታና ድኹም ብዝመስል አገባብ ብት ዕግሥቲ ብትሕትናን ብፍቅርን ይግለጽ፣ እዚ ከአ ብሓቂ ክ እለት ከምዘሎካ የመልክት፣ ናይ እግዚአብሔር ክ እለት ከአ እዚ ኢዩ፤ እዚ ሥልጣን እዚ ከአ ከሸንፍ ኢዩ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.