2013-01-28 09:23:29

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፦ ብናይ ክርስቶስ ብርሃን ጥራሕ እዩ ምስጢር ናይ ሕይወት ምግንዛብ ዝከኣል


RealAudioMP3 ቅድሚ ትማሊ ኣብ ግዳማዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ሕንጻ ላተራነንሰ “ዘይልወጥ ውሳኔ መለኮታዊ ግልጸት፦ Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔር” ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝገበረ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳትፉ ጳጳሳዊ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህ፦ “ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጐ ኣሕዛብን ኣብ ጐደናታት ከተማታትን ኣብ ኩሉ መእንግዶ ስፍራ ድሕነትን ሓጐስን ንምብጻሕ ክሰፍሕ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ንኻልኦት ናይቲ ቃል ውበትን ውህነትን እግዚኣብሔር ከምይ ጌርና ኢና እነካፍሎ?” ዝብል ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዘልዓልዎ ሕቶ መሰረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ማሪና ታማሮ ኣብ ዝገበርዎ ቃል ምልልስ፦ ቅድም ቀዳድም ናይቲ ቃል ኣፍልጦ እንተዘይብልናን ምስቲ ቃል እንተድኣ ዘይተራኸብናን ሓቀይና ርክብ ክህልወና ዘይከኣል እዩ። ቃሉ ንምክፋል በቲ ቃል ዝተተንከፍናን ምስቲ ቃል ዝተራኸብናን ክንከውን ኣሎና። ስለዚህ ብቐዳማይ ደረጃ ነቲ ቃል ጽን ምባል፣ እቲ ቃል ልብናን ቀልብናን ክትንክፈና ኣለዎ፣ ድሕሪኡ በቲ ዝተበጽሔ ምዕባለ ድዩ ብኹሉ ምዕባለ ኢደ ጥበብ እቲ ውልቃዊ ርክብና ምስ ቃል እግዚኣብሔር ተመክሮኡ ነካፍል። እዚ ድማ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ነካፍል ማለተ እዩ” ኢሎም።
“ብርቱዕ ሕሳቤ ክህልወና ይግባእ፣ እቲ ብርቱዕ ሕሳቤ እንተድኣ ዘይብልና እምነትና ናይ ዓለም ድኹም ሕሳቤ ግዳይ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ። እምነት ብስነ ፍልጠት ምርምር እውን ዝጽናዕ ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚህ ቃል ኣምላኽ በስነ ፍልጠትን ዝተፈለለዩ ስነ መጽናዕትታት ክድህሰስን ክጽናዕን ኣገዳሲ እዩ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ሰብ ናይ ሕይወቱ ትርጉም ዘናዲ እዩ። ቃል ኣምላኽ ገዛእ ርእኻ ብምልኣት ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብረና፣ እዚ ድማ እግዚኣብሔር እንተድኣ ፈሊጥና ገዛእ ርእስና ከምእንፈልጥ ዘረጋግጸልና ሐቂ እዩ። ገዛእ ርእሰይ ንምፍላጥ ገዛእ ርእሰይን ህላዌይን ኣብ ቅድሚ ብብርሃን ምስጢረ ክርስቶስ ከንብር ኣሎኒ። ቃል ኣምላኽ ምስ እግዚኣብሔር ውልቃዊ ርክብ ክህልወንን እዚ ግላዊ ተመክሮ ከካፍሎን ድማ ይዕድመኒ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ አጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.