2013-01-25 09:39:14

መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ኣባ ዳርዩስ ኮዋልዝይክ መበል 20 ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣደጊፉም ኣብ መባእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስተምህሮ የቕርቡ ከምዘለዉ ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅድሚ ትማሊ ናይቲ ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ፦ “ኣብ እግዚኣብሔር ምእማን ሓራ የውጽእ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም መበል 11 ናይ ኣስተምህሮኦም መርሃ ግብሪ፦ “እምነት ክርስትና ኣብ እግዚኣብሔር ከም ኣካልን እቲ ንኣኡ ዝምልከቱ ዝወሃቡ መረጋገጺታት ምቕባል ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ብነጻነት እንቕበሎ ሓቂ ዝኾነ ቃሉ ምእማን ዝተሰረተ” ምዃኑ ገሊጾም፣ እኣምን ወይ ድማ ኣይአምንን ክንብል ዝከኣል እዩ። ናጻ ኢና፣ ኮይኑ ግን ምእማን እንታይ ማለት እዩ፣ ብኸመይከ ንርድኦ? ‘ምእማን እምበኣር ድርብ ኣንፈት ዘለዎ ኮይኑ ናብ’ቲ ኣካልን ናብ’ቲ ሓቅን ዝጠመተ እዩ። ናብ’ቲ ሓቂ ኪበሃል እከሎ፣ ምእንት’ቲ ሓቂ ምስክርነቱ ኣብ ዚህብ ኣካል ተጸጊዕካ (ተኣማሚንካ) ዚግበር እዩ’ ፍቕዲ 177 ጠቒሶም፣ ስለዚህ ምእማን ቅድም ቀዳድም ኣብ ሓደ ኣካል ስውከስን ውልቃዊ ምስዓብ ንእግዚኣብሔር እዩ። ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝብሃሉ ሓቅታት እውን እንተኾነ ነቲ ዝበሃል ቃልን ወይ ድማ ቅዋመን መምርሕን ምድግጋም ማለት ኣይኮነን” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ Deus caritas est-እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ፍቕዲ ሓደ፦ “ቅድም ቀዳድም ክርስቲያን ኣብ ምዃን ዘሎ ስነ ምግባራዊ ወይ ድማ ንሓደ ጽንሰ ሓሳብ ስዕበት ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ምስቲ ንሕይወት ሓድሽ ኣድማስ ዝዕድል ሓደ ኣካል ምርኻብ ማለት እዩ” ዝበልዎ ጠቒሶም፣ “ሓዋርያዊ እምነት ኢና እንናዘዝ ወይ ድማ ኣሜን እንብል። እዚ ድማ እምነትና ኣብ ርክብ ሓዋርያት ምስ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝተሰርተ ምዃኑ እዩ ዝሕብር። እቲ ናይ ሓዋርያት ርክብ እዩ እቲ ምስቲ ብተፈጥሮን ብናይ ሕይወት ጭብጥታትን ኣብ ልባትናን ተመክሮ ዝኸውን እግዚኣብሔር ዝህልወና ውልቃዊ ርክብ መሠረት እዩ” ኢሎም።
መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 150 ጠቒሶም ብኻልኣይ ደረጃ ይብሉ፦ “እምነት ኪበሃል እከሎ፣ ቅድሚ ኹሉ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ዘለዎ ውልቃዊ ምጽጋዕ እዩ። ምስ እዚ ድማ ካብኡ ተፈልዩ ኪረአ ዘይክእል ነቲ እግዚኣብሔር ዝገልጾ ምልኣት-ሓቂ ብናጻ ድልየት ምቕባሉ እምነት እዩ” ምስ በሉ “እዚ እግዚኣብሔር ዝገለጾ ምልኣት-ሓቂ ዓቃቢቱ ቤተ ክርስቲያን እያ። ኣብቲ ዝተገልጸን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝተዓቀበን ግልጸት ሓቂ ኢና እንኣምን። እቲ ሓቂ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝኾነ ፍልስፍናዊ ስነ ሓሳብ ዘይኮነስ ኣብ ሓደ ጭቡጥ ክዋነ ዝተሓብኤ ማለት ኣብ ኣካል ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና እንኣምን። ስለዚህ ቅዋመ እምነት ክርስትና፣ ሰብ ንኣካለ ኢየሱስን ቃሉን ዕዮኡን ዝህቦ መልሲ እዩ (ፍቕዲ 142 ርአ)። እቲ መልሲ ብሓደ ሸነኽ ነጻነት ሰብ ዘድምዕን ብኻልእ መዳይ ድማ ግብረ ተኣዝዞ እዩ (ሮሜ 1፣5 ርአ)።” ኣብ መዝገበ ሃይማኖት ፍቕዲ 144 ከምእነንንቦ ይብሉ፦ “ብእምነት ምትእዛዝ (ተኣዛዚ ምዃን) ማለት ሓቂ ብቐንዳ ዝኾነ እግዚኣብሔር ውሕስነት (ርግጽነት) ንዝገበረሉ ቃል-ሓቂ ሰሚዕካ ናጻ ብዝኾነ መንፈስን ድልየትን ምቕባሉ ማለት እዩ። ብቕዱስ መጽሓፍ ዚወሃብ ከምዚ ዝበለ ናይ ተኣዝዞ እምነት ኣብነት ኣብርሃም እዩ። ናይ’ዚ ፍጹምን ግሁድን ኣርኣያ ድማ ድንግል ማርያም እያ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.