2013-01-22 14:09:00

ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ 2013 ዓ.ም. መደብ ሱባኤ ዓቢይ ጾም


RealAudioMP3 ካብ ዕለት 17 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ጥበብ ጸለያን ጥበብ እማነን፣ ገጽ እግዚኣብሔርን ሰብን ኣብ ጸሎት መዝሙረ ዳዊት” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንዘካይድዎ ናይ ጾመ ኣርብዓ ሱባኤ ሰባኬ ንኽኾኑ ቅዱስነቶም ንጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ከምዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ብፁዕነቶም ብዛዕባ እዚ መደብ ሱባኤ ንጾመ ኣርብዓ ኣመልኪቶም ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይቲ ዝካየድ ሱባኤ ሰባኬ ንኽኾኑ ምስ ሰመይዎም ዝተሰምዖም ስምዒት ሓላፍነት ዝተመልኦ ከምዝኾነን ኣብ ቃል ኣግዚኣብሔር ዘስተንትን ሱባኤ ዝመርሕ ቃል ኣምላኽ ብምዃኑ ነቲ ሓላፍነት ብርጉእ መንፈስ እውን ኢኻ እትቕበሎ” ምስ በሉ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ቀረባ ላዕለዎት ተሓባበርቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ንቕዱስነቶም መግለጺ ናይ ርሑስ በዓል ልደት ምንዮት ንምቕራብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ሱባኤ ብኸመይ ከምዝመርሖን ስብከቶም ንምስማዕ ህንጡይ ምዃኖም ከምዝገለጹሎም ዘኪሮም እዚ ድማ ባህላውን ሰብኣውን መነፈሳውን ህንጡይነት ሓቆፍ እዩ ኢሎም።
እቲ ውሩይን ዓቢይን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብስርዓት ናዚ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበለ ዳይትሪኽ ቦንሆፈር ከምዝብሎ °ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ጥራሕ ኣኰነን ዘሎ እንታይ ደኣ ቃል ሰብን መልሲ እግዚኣብሔር እዩ ይብል። ስለዚህ ግልጸት እግዚኣብሔር ብሑት ተግባር እግዚኣብሒር ጥራሕ ዘይኰነስ ዘተን ኣብ ዘተን እዩ፣ ስለምታይሲ ክታም ኣስተንፍሶኡ ዝተበሮ እዩ። ስለዚህ ዘተ መሰረታዊ ሕቶን መሰረታውን መልስን እዩ” ምስ በሉ ቀጺሎም “ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ብዛዕባ እምነት ንምዝራብ ብትኽክል ብዛዕባ እግዚኣብሔርን ከምኡ እውን ብዛባዕባ ሰብን ዝዛረብ እምነት ምንባርን ምዝታይን ምጽላይን ማለት እዩ። ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝዛረብ እምነትን ብዛዕባ መልሲ ሰብ ዝዛረብ እምነት ምስትንታንን ምንባርን ብምዃኑ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ እምነት መጽሓፍ ምስትንታን ሓላፍነት ዝተመልኦ ሓጎስ እዩ” ኢሎም።
እቲ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ኣማእኪሎም ነዘቕርብዎ እስተንትኖ ሱባኤ፦ ጸሎት፦ ምስትንፋስን፣ ምሕሳብን ምቅላስን፣ ምፍቃርን ብዝብሉ ግስታት ዝተመርሔ መእተዊ ብምቕራብ ዘበግስዎ ምዃኖም ቅድም ክብል ኣመልኪቶም ከምዝነበረ ዝዘከረ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ ናይዚ መእተዊ’ዚ ኣመክንዮ እንክሓቶም፦ ብፁዕነቶም ኣብ መልሶም ይብሉ፦ “ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ጸሎት እንክዝረብ፣ ምጽላይ ምውዳስን ምሕጽንታን ልመናን ዝብሉ ግሲታት ክጥቀሱ ኢና እንሰምዕ ኮይኑ ግን እቲ ጥልቂ ናይ ጸሎት መንፈስ ካብዚ ንላዕሊ ኣዚዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ማለት ቅድም ቀዳም ምስትንፋስ እዩ። እዚ ማለት ድማ ናይ መንፈስ እስትንፋስ ኣዩ ፈላስፋ ኪርከጋርድ ከምዝብሎ፣ ‘ስለምታይ ኢና እነስተንፍ፣ እንተዘይኰነ ኣይምነበርናን’ ንዝበሎ ሓሳብ ዘቓልሕ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መዝሙረ ዳዊት ናይ ጸሎት ኣካል ኣሎ፣ ቀጺሉ እውን ምስጢር እግዚኣብሔር ንምስትውዓሉ እንገበሮ ጻዕሪ ቃልሲ እዩ። እዚ ድማ ናይ ጸሎት ቃልሲ ይኸውን፣ ከም ኣብነት ኢዮብ እጠቕስ” ምስ በሉ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 13 ጠቒሶም፣ ፈላስፋ ቪትገንስታይን ከምዝብሎ እውን፦ “ምጽላይ ማለት ናይ ሕይወት ትርጉም ምሕሳብ (ምስትውዓል፣ ምስትንታን) ማለት እዩ” ሃይደገር ከምዝብሎ ምሕሳብ ማለት ምምስጋን ማለት እዩ። ካብዚ ሓልፉ ብዓቢዩ ድማ ጸሎት ርክብ ማለት እዩ። ኣብ ናይ ክርስትና እምነት ብዓቢዩ ድማ ኣብ ናይ ካቶሊካዊ እምነት ባህሊ ጥራሕ ብዘይምውካስ፣ ንኣብነት ኣብ ሻምናይ ክፍል ዘመን ዝነበረ ዒራቓዊ ሰዓቢ ሓይማኖት ምስልምና ስቁለ ህሊና ምስ እግዚኣብሔር እንክዛረብ ምስ ፍቕረይናኡ ከም ዝዛረብ ኣፍቃሪ የቕርብ፣ እነ ድማ ኦ ጎይታ ኣብ ቅድሜኻ እነኹ” እንክብል ጸሎት ብግሲ ፍቕሪ ዝግለጽ ምዃኑ ኣረዲኦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.