2013-01-22 14:05:32

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ወንጌላዊ ምስክርነት ብዝተሓደሰ ውዕዉዕ ስምዒት ምንቕቓሕ


RealAudioMP3 ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ “Domus Mariae-ማርያማዊ ሕንጻ” ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ ካቶሊክ ተግባር መንፈሳዊ ደገፍቲ ኣካላት “ንበሳል እምነት በሳል ተሓጋገዝነት” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ኣብ ናይ ካቶሊክ ተግባር ኣበ ነፍስ መንነት ቅርጺ ዘስተንትን ዓውደ መጽናዒት ከምዘበገሰ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ዓውደ መጽናዕቲ፦ “ወንጌላዊ ምስክርነት ብዝተሓደሰ ውዕዉዕ ስምዒት ምንቕቓሕ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፊርማ ዝተነብሮ ንተጋባእያና ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ተበግሶ ዓውደ መጽናዕትን ትሕዝቶኡን ንኢዶም ብፍላይ ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት “ቀንዲ ትርጉም መዳያት ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ብዕምቆት ንምስትንታን” ዝኣመተ ብምዃኑ ዘኪሮም እቲ ዓወደ መጽናዕቲ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተጋባእያን ድላይን ግዳሴን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንለጋስ ወንጌላዊ ምስክርነት ብዝተሓደሰ መንፈስ ከነቓቕሕን ጥበበይና መርሕነት ኣብ ማሕበር ካቶሊክ ተግባርን ንመላእ ማሕበርሰብን ከተባብዕ እላበው° ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ንናይ ካቶሊክ ተግባር ጉዕዞ ድጋፍን መርሕነትን ኣብቲ ማሕበር ህላዌ ኣሰነይቲ ካህናት ክፍሊ ናይቲ ካቶሊክ ተግባር ማሕበር ታሪኽን ሕይወትን ከምዝኾነን ካብ ቀደም ኣትሒዙ ነቶም ብበሳልን ዝተሓስበን እምነት ዝልለዩ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን መባኹዕት ኰይኖም መገድን ሕይወትን ኣብ ምልላይን በዚ መሰረት ምስ ካልኦት ንምንጽጻርን ብወንጌል ዝተመርሔ ናይ ምውሳንን ሓባራዊ ሓላፍነትን ዝስከሙ ዓለማውያን ምእመናን ዝሓንጹ እያቶም” እንክብሉ ናይቶም ኣበ ነፍሳት ናይ ካቶሊክ ተግባር ተልእኾን ኣገልግሎትን ከም ዘነጸሩ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የመልክት።
ናይቲ ማሕበር ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ካቶሊክ ተግባር መንፈሳዊ ጎዕዞ ዘስተንትንን ብፍላይ ድማ ካብ በሳል እምነት ንበሳል ምስክርነት ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣተኵይሩ በሳል ምእመን ንበሳል ነባሪ እምነት ማለት ምዃኑ ብዝተፈላለየ ጎድንታት ዘቃልሕን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ትኵርን ንጡፍን ተሳታፍነት ዝነበር ምዃኑ ዝምስክርን ከምዝኾነ እቲ ማሕበር ካብ ዝሃቦ መግለጺ ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ክርስቶስ ሓዋርያ ምዃን ፍቓድ እግዚኣብሔር ምዃኑን ኣብ ጭቡጥ ኩነት ዝነበርን ምስ ካልኦት ዝፍጸም ርክብ ኣብ እምነት ዝተመስረተን እምነት ይጽንሓላይ ዘይብል ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ቤተ ክርስቲያንን ብዝንበር እምነት መሠረት ዝራኸብ ማለት ምዃኑን እምነት ከምእተዓትረ ዘይንቀሳቐስ ጌርካ ምንባር ዘይኮነስ ሕያውነቱ ምንባር ዝብል ምዃኑን ነዚ ዘነጽር ዓውደ ምጽናዕቲ ከምዝኾነ ናይቲ ማሕበር መግለጺ የረጋግጽ።







All the contents on this site are copyrighted ©.