2013-01-15 15:01:31

ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን፦ ንፍትሕን ሰላምን ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም መብራህቲ እያ


RealAudioMP3 ኣብ ጋቦን ከተማ ፖርት ጀንቲል ዕለት 9 ጥሪ 2013 ዓ.ም. “ማሕበራዊ ፍትሕን ሰላምን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ብምስታፍ ኣስተምህሮ ዝለገሱ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር አድዎ ኣፒያህ ቱርክሶን፦ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ናይ ፍትሕን ሰላምን መብራህቲ እያ። እዚ ድማ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘነጽሮ ተልእኾኣ ምዃኑ፣ “ኣብ ብሉይ ኪዳንን ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ተልእኾ ዝተመስረተ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ሰላምን ፍትሕን ብዕዮ ካህናትን ደናግልን ልኡካነ ወንጌልን ነቶም ኣዚዮም ንዝደኸዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ብኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕናን ኣባይቲ ትምህርትን ኮታ ብኹሉ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ምልክት ብዝኾነ ኣገልግሎት መሰረት ዝምዕብል እዩ ዝብል ምዃኑ እዚ ድማ ‘Rerum Novarum ሓደስቲ ነገራት፣ ኣብ እተሰምየ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13ን ኣብታ ንዝኽሪ መበል 40 ዓመት ዓዋዲት መልእኽቲ ሓደስቲ ነገራት፣ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 11 ዝደረስዋ ‘Quadragesimo Anno- መበል ኣርብዓ ዓመት’ን ኣብታ ‘Pacem in Trris-ሰላም ኣብ ምድሪ’ እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ኣብ ‘Gaudium et spes-ፍስሃን ተስፋን’ ኣብ ‘Dignitatis humanae- ሰብኣዊ ክብሪ’ እተሰምዩ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳታ ጳውሎስ ሻድሻይ ‘Populorum Progressio-ምዕባለ ኣሕዛብ’ ኣብ እተሰመየ ዓዋዲ መልእኽትን ኣብታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ‘Laborem exercens-ሰብኣዊ ዕዮ’ን ‘Sollicitudo rei socialis-ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ግዳሰ’ን ከምኡ እውን ኣብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ‘Carita in veritate-ፍቕሪ ብሓቂ’ እተሰየ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተመልከተ እዩ” ከምዝበሉን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ዝውከሶም ዓለማዊ ታሪኻዊ ኩነት ዝቀይየር እውን እንተኾነ መሰረታዊ ወይ ድማ ዓንቀጸ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ንጉዳይ ማሕበራዊ ቀጻልን እዋናዊ ከምዝኾነን፣ ኣብ ሓደ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ኩነት ዝምርኮዝን ዝውሰንን ኣንተመሰለ ቅዉም ሓሳቡ ቀጻልነት ለበስ ምዃኑ ከምዘረድኡን፣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሰብ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት እትግደስን እዚ ኣመለኻኽታ’ዚ ድማ ኣብ ኩሉ ናይ ኣመክንዮ ኣገባብ ማእከል ክኸውን ከምዝግብኦን በዚ ከይዲ ዕዮን ግብርን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ረብሓን ትምኒት ብምንባር ንኵላዊት ከተማ እግዚኣብሔር እተማዕድው ምድራዊት ከተማ ትሕነጽ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.