Home Archivio
2013-01-10 14:49:57
ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ሕትመት መዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ተኸታታሊ መደብ ኣስተምህሮ
ኣባል ማሕበር ካህናት ኢየሱሳውያን ናይ ኣብያተ ክርስትያን ጉባኤታትን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ኮዋልዝይክ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳሰቦን ኣርሒቕካ ብምስትውዓል ብቕዓቱ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክዳለው እንክብል ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ተተግቢሩ ድሮ መበል 20 ዓምቱ ዘብዕል ዘሎ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ኣብ መባእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብራዲዮ ቫቲካን ዘቕርብዎ ትንተኔ መዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብምቕጻል ዝሓለፈ ሰሉስ ታሽዓይ መደብ ከምዘቕረቡ እንክምልከት ኣባ ኮዋልዝይክ ር.ሊ.ጳጳሳትን ጳጳሳትን ናይቲ ሕድሪ እምነት እንኮ ተርጐምቲ እዮም ኣብ ዝብል ስሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝተማእከለ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣማእኪሎም፣ እምነት ናይ ምትርጓም ስልጣን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንተሓባበርቶም ብፁዓን ጳጳሳትን ዝተውሃበ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፣ ቅዱስ ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን መለኰታዊ ግልጸት ዝመሓላለፈሉ ክልተ መገድታት እያቶም። እዚ ድማ ነቲ ጭቡጥ ኩነት ዘቕውም ስልጣን ዘይኮነስ ንማሕበረ-ሰብ ቤተ ክርስትያን ዝተውሃበ ጸጋ ብምዃኑ ዝንበር ስልጣን እዩ። ስለዚህ ሕድሪ ዝተውሃበ ዝዕቀብን ንናይ ሓዋርያት ትምህርቲ ተኣማኒ ብምዃን ብሓድሽ ኣግባብ ብግብሪ ዝንበርን ዝግለጽን እዩ። እዚ ተኣማንነት’ዚ ድማ ትርጉም ብዘይ ምርዳእ ሓደ ዓይነት መምርሒ ምድጋምን ብምድግጋም ምንባር ዝብል ዘይኰነስ ትርጉም ኣብ ቀጻልነት ዝብል እዩ። ስለዚ ብቕዑ ቋንቋ ብምጥቃም ሚስጢረ እምነት ንምትሕልላፍን ንምክፋልን ክንተግህ ከምዘለና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊጾም።
ትርጓመ ቅዱስ መጽሓፍን ቅዱስ ትውፊትን ናይ ስርወ እምነት ዓንቀጽ ብቕዓት ዝልውጥ ወይ ድማ ኣብ ሕቶ ዘእትው ኣይኮነን፣ በንጻሩ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘመንን ትውልድን ባህልን ሓደ እሙን ናይ ተኣምኖተ እምነት ባህሊ ብዘይ እቲ ኵነት ክግለጽ ዘይከኣል ምዃኑ እዩ ዘመልክት። መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕዲ 85፦ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣነ ትምህርቲ ኣብ ዝብል ትሕቲ ንኡስ ኣርእስቲ፣
“ብመልክዕ ጽሑፍ ይኹን ብመልክዕ ትውፊት ንዝተዋህበ ቃል-ኣምላኽ ንጹሕን ብቑዕን ትርጓሜ ናይ ምሃቡ መዝነት ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕያው ዝኾነ ስልጣነ ትምህርት ብሕቱ ዝተዋህበ እዩ። በዚ ጒዳይ’ዚ ዝመጽእ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ስልጣን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትፍጽሞ ትርከብ፣ (ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ‘ቃል ኣምላኽ’ ዓነጽ 10 ፍ.2 ተመልከት) እዚ ኸኣ እቲ ናይ ትርጓሜ መዝነት ነቶም ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጳጳስ ሮሜ ምሉእ ሓድነት ዘለዎም ኣቡናት ተዋሂቡ ማለት እዩ”
ዝብል ጠቒሶም ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ዘይኮነስ ኣገልጋሊ ቃል ኣምላኽን ነዚ ቃል ጽን ዝብልን ዝዕቅብን ዘቓልሕን እዩ። ስለዚህ ኣገልግሎት ስልጣን ቤተ ክርስትያን ብኢየሱስ ዝተኣትወ ቃል ኪዳን ጭቡጥ ከዋኒ ምዃኑ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 16፣ 13
“እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ናብ ኵሉ ሓቂ ዘበለ ኪመርሓኩም እዩ፣ ንሱ ነቲ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ ነቲ ኪመጽእ ዘለዎ ነገራትውን ኬፍልጠኩም እዩ”
እንክብል ከምዝገልጾ ኣረዲኦም፣ ምርግጋጽ ቅዱስ መንፈስ ብኣገባብ ዴሞክራሲ ዝረጋገጽ ክዋኔ ማለት ዝተገልጸ ሓቂ ንናይ ብዙሃን ርእይቶ ዝምብርከኽ ኣይኮነን፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መላእ ቤት ክርስቲያን ይዓይን ብፍላይ ድማ ብስልጣን ቤተ ክርስትያን ኣቢሉ ኣብ ምቹእ ግዜ ብትኽክል ዝግለጽ እዩ። ስለዚህ ኣብ ቃሕታ ዝቐውም ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ርእየት ዝሰማማዕ እምነት ኣይነናዲ፣ ኢየሱስ ንሓዋርያት ዝበሎ ቃል፦
“እቲ ንኣኻትኩም ዚሰምዕ ንኣይ እዩ ዚሰምዕ እቲ ንኣኻትኩም ዝንዕቕ ድማ ንኣይ እዩ ዝንዕቕ እቲ ንኣይ ዝንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝንዕቕ” (ሉቃ. 10.16)።
ንዘክር እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.