2013-01-10 14:46:56

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (09/01/2013 ዓ.ም.)
ሐውሲ ገዛእ ርእሲ ዘይብሉ ልግሲ ወትሩ ሒደት ልግሲ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ዕለት 09 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ክምልከት እንከሎ፣ ነቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ፣ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና እቲ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጭቡጥነት ህያብ ፍቅሪ ብናጻ ምሉእ ወፈያ እንታይ ማለት ምዃኑ የስተምህረና፣ እዚ ድማ ትርጉም ትስብእቲ ኢየሱስ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ከምዝነበረ እንከመልክቱ፣ ብዛዕባ ጅማረ ድሕነት ክርስቲያን ተንቲኖም፣ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓቢይ ሚስጢር’ዚ እቲ ናይ ምድናቕ መንፈስ ዳግም ክንረኽቦ ከምዝግባእ፣ ቲ ዓቢይ ሓደጋ ዝኾነ ነዚ ዓቢይ ሚስጢር ከም ልምዳዊ ገርካ ምርኣዩን ምንባሩን ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ። እግዚኣብሔር ስጋ ሰብ ለበሰ፣ ሓንቲ ኣደን የዕሩኽን ዘለዎ ሰብ ኮይኑ፣ ከም ሰብ ሓሰበ ከም ሰብ ኣፍቀረ፣ ኣብ እዋን በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ሰብ ዝፍጽሞ መግለጺ ልደት ብዝተፈላለዩ ሕብርታትን ኩሉ ኣክንዲ ናይቲ “እትወት እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ፣ ግዜን ቦታን ብፍላይ ድማ እቲ ዘይርጉጽነት ሰብአዊ ምዃን ተኻፊሉ” ዝብል ዓቢይ ክርስትያናዊ ሕዳሴ መግለጺ፣ ናይዚ ክዉን ሓቂ’ዚ ግዳማዊ መግለጺታት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ዓቢይ ሚስጢር፦ “ቃል ስጋ ኮነ” ብዝብሉ ቃላት ዝጠቓለል እዩ። “እዚ ድማ እቲ ብእግዚኣብሔር ኣብ ኢየሱስ ናዝራዊ ስጋ ብምልባስ ዝተፈጸመ ናይ ምድሓን ታሪኽ ኣብ ዝኾነ ኩነት ይረኸብ ናይ ሰብ ጭቡጥ ክውንነት ዝትንክፍ እዩ። እግዚኣብሔር እቲ ንሰብ ካብ እግዚኣብሔር ዘርሕቖ ዘበለ ኩሉ ከድሕን በዚ መገዲ’ዚ ድማ በቲ እንኰ ሓደ ወዱ ኣቢሉ እቲ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር ዘብል ብስሙ ኣባ ቢሉ ክጽውዖ መታን ሰብኣዊ ኩነት ለቢሱ።”
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ኣብ ቅድሚ እዚ ዓቢይ ሚስጢር’ዚ እቲ ዝንበር ናይ ምድናቕ መንፈስ ዳግም ምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ እንክምዕዱ፦ “እምበርኣር ኣብ ቅድሚ እቲ ዓቢይ ሚስጢር እቲ ዝንበር ናይ ምድናቕ ስምዒት ዳግም ምንባሩ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ዕብየት ‘እግዚአብሔር ፈጣሪ ኩሉ፣ ከም ሰብ ኣብ መገድታትና ከምእተጓዕዘ’ ብዝብል ናይቲ ሚስጢር ኩነት ኩለንተናኻ ክዕብለል ምፍቃድ ይግባእ። ከምቲ ብስልጣኑ ንዓለም ዝገዝእ ናይ ሓደ ንግስነት ዘደንቕ ልዕልና ዘይኮነስ ብናይ ሓደ ሕጻን ትሕትና ኣቢሉ እዩ ነቲ ዘደንቕ ዝፈጸሞ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ርኽበት ናይ ትስብእቲ ፍሉይ ትኽክለይና ኣድማሱ ኣዚዩ ወሳኒ ምዃኑ ቅዱስነቶም እንክሕብሩ፣ ቅድም ቀዳድም ድሕሪ እቲ ኣብ ሓደ ህያብ ዘሎ ክቡር ዋጋ እምበር ኣብ ልሙድነት ምቕራብ ህያብ ወይ ድማ ገጸ በረኸት ኣብ ምቕራብ ቅርበትን ምፍታውን ኣኽብሮትን ናይ መግለጺ ስርዓት ዘይኮነ፣ እግዚኣብሔር ግን ካብዚ ዓይነት ገጸ በረኸት ንምቕራብ ባህሊ ሓሊፉ መለኮትነት ክዕድለና ሰብኣውነትና ለቢሱ፣ በዚ መሰረት ሓድሽ ናይ ሕያብ መዕቀኒ ተግባር ከምዝዓደለና ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ ካብ ገዛእ ርእሱ ቁሩብ ዘየወፍይ ወትሩ ሒደት እዩ ዘወፍይ፣ እዚ ድማ ብርግጽ ንልብን ጻዕርን ምሃብ ገዛእ ርእስኻ ብገንዘብ ብንዋት ይትክኦ። ሚስጢረ ትስብእቲ እግዚኣብሔር ብሓደ ወዱ ኣቢሉ ገዛእ ርእሱ ከምዘወፈየ እዩ ዝገልጸልና። ኣብዚ ናይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ምሃብ ኣግባብ ኣወፍዮና ንረክብ፣ ስለምታይሲ እቲ ርክባትና ብፍላይ ድማ እቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ርክባትና ብናጻ ፍቅሪ ዝምርሑ ክኾኑ ኣለዎም” ቢሎም ምስ ገለጹ ኣስዒቦም ብኹሉ መዳይ ምጽኣት ክርስቶስ ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደረጃ ከማና ሰብ ኮይኑ ክመጽእ እቲ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ጭቡጥነት ህያብ ፍቅሪ ብናጻ ምሉእ ወፈያ ዝኾነ መለኮታዊ ፍቕሩ ንምግላጽን እዚ ድማ ብቃል ምርኻብ ጥራሕ ከይዓገበ ኣብ ታሪኽና ብምእታው፦ እዚ ተግባር እዚኣብሔር ነቲ እንነብሮ ጭቡጥ እምነትና ዓብይ ሕቶ እዩ። ማለት እምነትና ኣብ ስምዒታዊ መዳይ ዘይኮነስ ብጭቡጥ ኣብ ህላዌና ዝኣተወን ዕለታዊ ሕይወትና ዝትንክፍን ብግብሪ እውን ዝምራሕ ክኸውን ከምዘለዎ የነጽር። ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ብሓባር ዝናበቡን እቲ ብሉይ ብምልኣት ዝጠቓለለሉ ትስብእቲ ወልደ እግዚኣብሔር ዝብል ምጽኣት ሓድሽ ፍጥረት ነቲ ሰብ መን እዩ ዝብል ሕቶ ምሉእ መልሲ እዩ። ኣብ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ኣብ ሰብኣዊ ምዃን ዝተነብረ መደብ እግዚኣብሔር ፍጻሜ ምልኣቱ፣ ፍጻሜ ምዃን ሰብ ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኢየሱስ እዩ” ኢሎም ነቲ ዘስምዕዎ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ በቶም ዓለም ለኻዊ ዓበይቲ ቋንቋታት ቅዉም ሕሳቡ ድግማ ኣስሚዖም ኩሉ ዝተቐበሎ ሚስጢረ ጥምቀት ብግብሪ ክነብሮን ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ጉዕዞ ቅዱሳት ሚስጢራት ክተግህ ሓደራ ቢሎም ህሙማን ካብቲ ዝቕበልዎም ቅዱሳት ሚስጢራት ሓይሊ ክረኽቡን ሓደስቲ መራዑት ብሓይሊ ቅዱሳት ሚስጢራት ክምርሑ ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.