2013-01-08 16:08:07

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ንካምፖድያ ብቪደዮ መልእኽቲ አተሐላሊፎም ፡


አብ ርሑቅ ምብራቅ አብ ካምቦያ ርእሰ ከተማ ፕኖም ፐን ቤተ ክርስትያንን ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሰየመ 400 ሰባት ዘስተፈ መጋብእያ ክካየድ ከም ዝቀነየን ትማሊ ከም ዝተፈጸመን ተፈሊጡ አሎ ።እዚ መጋባእያ “ዚ ዓመተ እምነት ተመርኲሱ ከም ዝተኻየደ ክምልከት እንከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ መጋባእያ ቪደዮ መልእኽቲ አተሐላሊፎም ።
አብ መወደዳእታ”ቲ መጋባእያ ሰነድ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካንን ቅዳሕ ትምህርተ ክርስቶስን ነተጋብእቲ ከም ዝተዓደለ ካብ ፕኖምፐን ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።
ካምፖድያ ብግዜ ምምሕዳር ጨካን መራሒ መንግስቲ ክመር ሩስ ጨካን መራሒ ፖልፖት ብሚልዮን ዝቁጸር ህዝቢ ከም ዝተቀትለ ክዝከር ከሎ ቤተ ክርስትያን ካምቦድያ ከም ሳዕቤኑ ብዙሕ ከም ዝተሳቀየት ይፍለጥ ።
መንግስቲ ክመር ሩስ ብ1975 ከም ዝወደቀ ክዝከር ከሎ ፡ በነዲክቶስ መበል 16 በቲ አብ ካምቦድያ ጸልማት ዝነበረሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን ካምቦድያ ብሰማዕታታታን ብእምነተ ሃይማኖታን ከም ዝጽንዔት ብዘተሐላለፍዎ ቪደዮ መልእኽቲ አዘኻኺሩ ።
ብግዜ ጨካን መራሒ ፖልፖት ህዝቢ ካምፖድያ አብ ሕማቅ ኩነታት ወዲቁ ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ብዙሐት መራሕትን አባላትን ቤተ ክህነት ሕይውቀቶኢም ከም ዝስአኑ ይዝከር ። ካብ ህዝቢ ካምቦያ 69 ካብ ሚእቲ አብ ቡድሃ ሃይማኖት ከም ዝአምን ክምልከት ክሎ ካቶሊካውያን ሐደ ሚእታዊ ከም ዝኾኑ ይፍለጥ ። እታ ብግዜ ግዕዙይ ምምሕዳር ፖሎ ፖት ዝፈረሰት ካተድራል ፕኖምፐን እንደገና ከም ትህነጽ ክምልከት ከሎ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ከም ዘሎ ዘመላኽት ከም ዝኾነ እዚ ካብ ፕኖምፐን ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ።ንእሽቶ ቤተ ክርስትያን ካምቦድያ ምስቶም አብታ ሀገር ዝርከቡ ዝተፈላለይ እምነት ዘለዎም ማሕበረ ሰባት ብሰላምን ብሐባርን ከም ትነብር ክአ እቲ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ካህናትን ተመሀርቲ ዘርአ ክህነትን ካምቦድያ ጸዋዕታ ምእንቲ ክዕንብብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ አመስጊኖም አብትያ ሀገር ዝርከቡ ሚስዮናውያን ልዑካነ ቅዱስ ወንጌል ዝህብዎ ሐዋርያዊ አገልግሎት በቲ ዘተሐላለፍዎ መልእኽተ ቪደዮ ገሊጾም።
መንእሰያት ከምብቦድያ ምእንቲ ፍትሐውን ምዕሩይን ንኹሉ ዝሐቁፍን ማሕበረ ሰብ እውን ክኸውን ከይተሐለሉ ክጽዕቱ ክአ በነዲክቶስ ምበል 16 አተሐሳሲቦም።
መንእሰያት ካምቦድያ መንገዲ ሰላምን ሐቅን ዝኾነ ኢየሱስ ንክርስቶስ ክኽተሉ ምእንቲ ብሰላም ክነብሩ ካብ ሕማቅ ነገራት ክኽተሉ ህዝቢ ካምቦድያ ንነዊሕ ግዜ ዘሕለፎ ፍጹም ዘስካሕክሕ ሕይወት ከይድገም ንቁሐት ክኾኑ ክአ ተማሕጺኖም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.