2013-01-07 13:15:39

ልደት 2004 ዓ.ም. ( 1/8/2012)


“ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ መድኃኒነ ተወልደ ነዋ ይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ” ( ምልጣን ልደት)።
መዝሙር፡ ይሰርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወየአትት ኃጢአተ እም እስራኤል . . . . . ።
ንባባት፡ ቲቶ፡ 2፡11~14፥ 1ዮሓ 4፡1~9፥ ግ.ሓ.7፡17~23፥ ሉቃስ 2፡1~14.
ምስባክ፡ ወአነሂ በኲርየ እረስዮ፥ ወልዑል ውእቱ እም ነገስተ ምድር ወለዓለም አዓቅብ ሎቱ ሣህልየ። “አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ንሱ ኻብ ነገሥታት ልዕል ዝበለ ኺኸውን እዩ፥ ነቲ ዘተስፈኽዎ ምሕረት ንዘለዓለም ክሕልወሉ እየ፥ ኪዳነይ እውን ከጽንዓሉ እየ” መዝ. 89፦27~28።
ክብራን መፍቀርቲ አምላኽ ህዝበ እግዚአብሔር በዚ ብሩኽን ፍሉይ ዕለት ልደት መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዝክር ከሎና እንቋዕ አብ ብርሃነ ልደቱ አብጽሓና ናይ ሰላምን ፍቕሪን ምሕረትን ልደት ገሩ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍና ፍሉይ ፍቕሪ አምላኽ ዘሕድር ይግበረልና። ከምኡ አብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ በተሰብኩምን ፈተውትኹምን ጸጋ አምላኽ ዝበዝሖ ልደት ክገብረሎም፥ አብ ሃገርናን ዓለምናን ከአ ሰላም ነጊሱ ደቂ ሰብ ጣዕሚ ፍቕሪ አምላኽ ዘስተማቕሩሉ ዘመን ከውርደልና ብልቢ እና ተመነኹ ንኹልኹም ርሑስ ልደት እብል። ከምኡ ነቶም አብ ዝተፈላለየ ጸገም ዝርከቡ በዚ ብሩኽ ልደት አምላኽ ራህዋ ከውርደሎም ክንጽሊ፥ ኃጥአን አብ መገዲ አምላኽ ክምለሱ ዝተባእሱ ክዕረቑ ዝጠፍኡ ክርከቡ። ውግእን ግፍዕን ካብ ዓለምና ጠፊኡ ሰብ ሰላም አምላኽ ዘስተማቕረሉ ዘመን ክህበና አብዚ እነዕርጎ ዘሎና እናዘከርኩ ፍሉይ ጸሎትን መስዋዕትን ምእንቲ ነፍሲ ወከፍና እናአዕረግና ብዳግም ብሩኽ ልደት እብል።
ልደት መድኃኒና ፍሉይ ምዕራፍ አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ዝኸፍት እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ነቶም አብ ጸልማት ዝነበሩ ብርሃን በሪቕሎም እናበለ ናይ ክርስቶስ ልደት ዘምጽኦ ምሕረት ይነግረና። ኢሳያስ ነብይ አብ 9፡1~6 ዘሎ እንተ አንበብና፡ “እቲ አብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ፥ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም” እናበለ ክርስቶስ ዘምጽኦ ምሕረትን ለውጥን አብ ሕይወት ደቂ ሰባት ተነብዩ። ኢሳያስ ንጉሥን አማኸርቱን ንአምላኽ ምእማን ስለ ዝአበዩ አብ ጸልማትን ፍርሕን ከም ዝነበሩ ይነግር። ንአምላኽ ዝሓደገ ሕይወት መለለይኡ ፍርሒ ስግአት ጥርጠራ እዩ። ናይ እግዚአብሔር ድለት አብ ህዝቡ ክርእዮ ዝደሊ ሰላማን ሓጎስን እዩ። ነቲ ዝነበረ አርዑት ዘውርደሎም መድኅን ከም ዝሰድድ አቐዲሙ ነጊሩ ነሩ እዩ። ነቲ ብነብያት ዝተነግረ ተስፋ ኩሉ ጊዜ ምስ ሓለዎ እዩ።
ሰብ አብ ከቢድ ባርነትን ጭቆናን እንከሎ ምልክት ነጻነት እንተ ረአየ ዝስምዖ ሓጎስ ኩልና ንርድኦ ኢና። ብተፈጥሮና ንጭቆና ንጸልማት ስለ ዘይተፈጠርና አይውሓጠልናን እዩ። ወላ እውን ብድኽነት ንገዛእ ኩሉ ጊዜ ነጻነትን መሰልን ንደሊ እዚ አብ ባኅርና ዘሎ ነገር እዩ። አብ ልደት ነዚ ኢና እነስተማቕር። ልደት ክርስቶስ ካብ ጸልማት አብ ብርሃን ካብ ባርነት አብ ነጻነት አውጺኡና። ነዚ አምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ደጋጊምና ነስተማቕሮ ነብዕሎ ካብኡ ዝዓቢ ጉዳይ ስለ ዘይብልና።
መዝሙር፡ “ኮኸብ ካብ ያዕቆብ ክወጽእ እዩ ኃጢአት ዓለም ከአ ካብ እስራኤል ክድምስስ እዩ፥ አነ እውን በዅረይ ክገብሮ እየ ካብ ነገስታት ምድሪ ልዕል ዝበለ እዩ፥ አብ እምባታት፥ ሎሚ አብ ሰማያት ሠራዊት መላእኽቲ ክሕጎሱ እዮም” ዝብል ንዝምር። እቲ አምላኽ ካብ ጥንቲ ዝሃቦ ተስፋ ሎሚ ተተግቢሩ፥ ምጽአቱ ንደቂ ሰብ ካብ ግዝአት ኃጢአት ነጻ አውጺእዎም። ሎሚ መዓልቲ ሓጎስን ዓወትን ስለ ዝኾነ ኩሉ ፍጡር በቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ ተሓዲሱ አብ ደምበ አምላኽ ክርከብ ዘዘኻኽር ቅዱስ መዓልቲ እዩ።
ምጽአት ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ፍሉይ ድኅነት አምጺኡልና፥ ኃጢአት ተደምሲሱ በዚ ኸአ ደቂ አምላኽ ዝገብረና ፍሉይ ጸጋ ተዓዲልና። ቅዱስ የውሃንስ ከምዝብሎ ብልደት ኢየሱስ ውሉድ ብርሃን ኮና ይብለና። ብልደት ክርስቶስ ደቂ እቲ ልዑል ናይ ምዃን መሰል ረኺብና ነዚ መሰረት ገሩ ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ትርጉም ልደት መድኃኒና ይገልጸልና።
ቅዱስ ጳውሎስ “ናይ አምላኽ በረኸትን ተስፋን አብ ኢየሱስ ሥጋ ለቢሱ” ይብለና። ኢየሱስ ናይ እግዚአብሔር አብ ፍጹም ተአማንነትን ፍቕሪ ንደቂ ሰባትን ብመልክዕ ሰብ ዝተገልጸ እዩ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ክውለድ እንከሎ ንሱ ነቲ ናይ ጥንቲ ትንቢት ጥራሕ አይኮነን ፈጺሙ ልዕሊ ክንርድኦ እንኽእል ገሩ እዩ ገሊጹልና። ንሱ ካብ አርዑት ኃጢአትን ካብ ግዝአት ዝንባሌ ኃጥአትናን ነጻ ከውጽአና መጺኡ። ኢየሱስ ዝመጸ መንግስቱ ከቕውም መንግስቱ ኸአ መንግስቲ ሰላም ፍቕርን ሓጎስን እዩ።
ልደትና መቐረት ክህልዎ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎና።

ልደት አምላኽ አብ መንጎና ሓዲሩ ከምዘሎ ፈሊጥና አብ ሕይወትና ክንረኽቦ እሞ ምስኡ ናቱ ክንከውን። አብ ኩሉ ሕይወትና ንአምላኽ ቦታ ክንህቦ። ሕይወትና ንብረትና ከም መባእ ክነቕርበሉ እሞ ናቱ ክንከውን። ነፍሲ ወከፍና አብዚ እለት ዝተሓደሰ ሕይወት ዕርቂ ምሕረት ዝለበሰ ሕይወት ሒዝና ክንህሉ አምላኽ አብ ልብና አብ ርክባትና ክውለድ ክነፍቅደሉ እሞ ፍቓደኛታት ኮና ክንርከብ።
ትርጉምን ጣዕምን ምስጢርን ልደት ብዝያዳ ዝተረድኤት ማርያም አዲኡ እያ። ወላእኳ ብመልአኽ ኩሉ ይገለጸላ እምበር አብ ከርሣ ሓዲሩ ከም ሰብ ክውለድ ክትርእዮ ከላ ዕብየት መለኮቱን ምኽንያት ልደቱን ካብ ኩልና ብዝያዳ ዝተረድኤት እያ። ንሳ ምስጢር ስላሴ ተኻፊላ ካብ ኩልና ልዑል ቦታ ዝለበሰት እያ ምኽንያቱ አምላኽ ብአአ ገሩ እዩ መጺኡና። ካብ ፍጡራት ልዕሊ ማርያም ንአምላኽ ዝቐረቦ የለን ከምኡ ልዕሊ ማርያም ከስምዖ ዝኽእል የለን እሞ በዚ ብሩኽ ልደት ንኹሉ ተረዲእና እንኽእለሉ ጸጋ ክተውህበና ክትልምለልና ንለምና አብ ወድኽን አባኽን ክንምለስ መገዱን ትምህርቱን ክንክተል ሓግዝና ንበላ።
አብ መንጎና ዝኃደረ አምላኽ ሎሚ እውን አብ መንጎና ብዳግም ኃዲሩ ሰላም ፍቕሪ የውርደልና አብ ኩሉ ጸጋ ልደት የውርደልና። ብሩኽ ልደት ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.