2013-01-03 14:03:29

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንመበል 46 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም
ዕለት 1 ጥሪ 2013 ዓ.ም.
ወንጌላዊ ባርኾት


RealAudioMP3 2. እቶም ብኢየሱስ ዝተኣወጁ ባርኾት (ማቴ. 5, 3-12 ን ሉቃ. 6, 20-23 ርአ) መብጽዓታት እያቶም። ኣብ ወንጌላዊ ባህሊ ብርግጽ እቲ ባርኾት ሓደ ዓይነት ኣገባብ ስነ ጽሑፋዊ ብውሽጡ ጥዑም ብስራት ሒዙ ዝጐዓዝ ማለት ኣብ ሓደ መብጽዓ ዝዛዘም ወንጌል እዩ። ስለዚህ ባርኾት ግብረ ገባዊ ምሕጽንታ እሞ ሓደ እዋን ብምኽባሩ ምእንቲ ዕዳኻ እትኸፍሎ ኣብ ዝመጽእ ሕይወት ዝተመልከተ እትፍደዮ ወይ ድማ ካሕሳ ሓደ ናይ መጻኢ ደስታ ማለት ኣይኮነን። ኣክንድኡ ቅወማ ባርኾት ብልክዕ ነቶም ብሓቅን ፍትሕን ፍቕርን ንኽምርሑ ገዛእ ርእሶም ንዝፈቕዱ ዝምልከት ናይ ሓደ መብጽዓ ምሉእ ፍጻመ ዝብል እዩ። እቶም ብእግዚኣብሔርን ብዝኣተዎ ቃል ዝተኣማመኑ ብዙሕ ግዜ ብዓይኒ ዓለም ገርሀይናታትን ወይ ድማ ካብ ክውንነት ዝረሓቑ ኮይኖም እዮም ዝረኣየኡ። ነዚኣቶም ኢየሱስ ኣብ ዝመጽእ ሕይወት ጥራሕ ዘይኮነስ ድሮ ደቂ እግዚኣብሔርን ካብ ቀደምን ንዘለዓለምን እግዚኣብሔር ምሳኦም ቅኑዕን ተኣማንን ምዃኑ የበስር። እዚኣቶም እግዚኣብሔር ኣብ ጎድኒ እቶም ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን ዝዓዩ ከምዝኾነን እሞ በይኖም ከምዘይኮኑ ክርድእዩ እያቶም። ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ በጃ ንምዃን ካብ ምውፋይ ሰጋእ መጋእ ዘይብል ግልጸት ፍቕሪ ኣብ እዩ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ሰብን እግዚኣብሔርን ክትቕበልን ከተእንግድን እንከለኻ ናይቲ ገዛእ ርእስኻ ከም ዓቢይ ህያብ ካብ ምቕራብ ዝፍልፍል ናይ ሓጎስ ተመክሮ ብልክዕ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ምክፋል ማለት ናይ ጸጋ ሕይወት ምሉእ ብምሉእ ውሕስነት ህላዌ ባርኾት እዩ። ብፍላይ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ተኣማኒ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ዝውለድ ሓቀይና ሰላም ይዕድለና።
እቲ ናይ ኢየሱስ ባርኾት ሰላም ንሓደ እዋን መሲሓዊ ህያብን ተግባር ሰብን እዩ ይብል። ብሓዚ ሰላም ናብቲ ደረስ ሰገር ክፉት ዝኾነ ሰብኣውነት ከም ኩነት ዝሓቶ እዩ። ናይ ሕድ ሕዳዊ ምውህሃብን ናይ ሓባራዊ ምዕባለን ካብ እግዚኣብሔር ንዝምንጭ ጸጋ ምስጋና ይኹኖ ወትሩ ምስ ካልኦትን ምእንቲ ካልኦትን ንምባር ዘብቅዕ እዩ። ናይ ሰላም ስነ ምግባር ናይ ሱታፌን ምትሕስሳብን ስነ ምግባር እዩ። ስለዚህ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ባህልታት ነቲ በዓልቤታዊ ንግድን ግብረኣውን ዝብል ተቐባልነት ዝተውሃቦ ግብረኣዊ ኅልዮ ንስነ-ሰብእን ስነ ምግባርን መሰረት ዝኾነ ናይ ሓባር ናብራ ርክባት በቲ ብናይ ስልጣንን መኽሰብን ኣግባብ ክምራሕ ዝገብር መጋበርያ ሸቶን ሸቶ ድማ መጋበርያ ዝብል ባህልን ሕንጸትን ኣብ መጋበርያታትን እደ ጥበብን ስሉጥነት ንዘማእክል ከይዲ ከሰንፉ ግድን እዩ። ናይ ሰላም ቅድመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ባዕላውን ዝኾነ ሓደ ግብረ ገብ ነቲ ባህርያዊ ዝኾነ ብእግዚኣብሔር ብኑባሬ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕልና ሰብ ዝተጽሓፈ ኣፍልጦ ዝነጽግ ናይቲ ተዛማዲ ባህልን ምውጋድ ዝብል እዩ። ሰላም ኣብቲ ብሰብ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ኣብ ዝብል መምዘኒ ዝቖመ ብናይ ኣመክንዮን ግብረ ገብን ኣገላልጻ ሕንጸት ናይ ሓባር ናብራ ማለት እዩ። “እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ሓይሊ ይህቦምን ብሰላም ይባርኾምን” እንክብል መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 29 ፍቕዲ 11 የዘኻኽረና።








All the contents on this site are copyrighted ©.