2012-12-30 18:31:09

ሰንበት ዘኖላዊ ታሕሣሥ 21 2005ዓ.ም. (12/30/2012)


መዝሙር፡ ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም . . . . . ።
ንባባት፡ ፍሊጲስዩስ 4፡4~7፥ 1ጴጥ 2፡21~ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡22~ፍ፥ ሉቃስ 3፡10~18
ምስባክ፡ ኖላዊሆም ለእስራኤል አጽምእ፥ ዘይሬእዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ፥ ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ። “ ኦ ጓሳ እስራኤል ጽን በለና አታ ንህዝብኻ ንደቂ ዮሴፍ ከም መጓሰ እትመርሓና። አታ አብ ልዕሊ ኪሩቤል እትቕመጥ ተገለጽ”።
ካብ ታሕሣሥ 1~26 ዘሎ ዘመነ ስብከት ይብሃል ምኽንያቱ ነብያት ናይ ጎይታ ብሥጋ ምምጻእ አግፊሖም ብትንቢት ብትምህርቲ ብምስትምሃሮም ምስባኾም፥ ቤተ ክርስትያን በዚ እዋን ንዝኽሪ ጥራሕ ዘይኮነ ነፍስወከፍ ንአምላኽ አብ ልቡ ከሰናዱ ኢላ እተቀራርበሉ እዋን ስለ ዝኾነ። ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ዘኖላዊ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ክርስቶስ እቲ እንኮ ጓሳና ምዃኑ ተረዲእና አብ መጓሰኡ ክንርከብ ክንሓስብ ሕይወትና መንፈስ አምላኽ ለቢሱ ደቂ አምላኽ መጓሰ አምላኽ ዘብል መገዲ ክንሕዝ እሞ ደቂ ገዛ ኮና ደምበና ክነለሊ። እዚ ጓሳ ዝብል ካብ ጥንቲ ብነብያት ዝተነገረ እዩ። ኩሎም ነብያት ክርስቶስ ጓሳና ከምዝኾነ ተነበዩ፥ ባዕሉ ኢየሱስ ከአ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ አነ እየ” እናበለ አስተምሂሩና (ዮሓ 10፡14)። አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሓዋርያቱ እንከሎ ሓደ መጓሰ ክንከውን ጸልዩልና። ናይ አምላኽ መጓሰ ኮና ክነብር እዩ ተፈጥሮና አብ ካልእ መጓሰ ክንሕወስ ድላይ አምላኽ አይኮነን። ሎሚ መጓሰና አለሊና ደንበና ክንአቱ አምላኽ ይጽውዓና አሎ።
መዝሙር፦ “ቅድም እቲ ሙሴ አብ ኦሪት ዝተዛረቦ ነገሮም ዳዊት ድማ ኃይልኻ አርኢ ንዓ አድኅነኒ እቲ ጓሳና ካብ ሰማያት ወሪዱ እዩ እቲ ጓሳና ብጃ ኮይኑ ንዓለም ከድኅን እዩ ተአዚዙ ንእስራኤል ጓስኦም ኮይኑ ከድኅን ወሪዱ መጸ፥ ንስኻ ብአፍ ነብያት ዝመጸ ረዳኢ አምላኽ ኢኻ ናብ ሕዝብኻ ሰላም ስደድ ሕያዋይ ጓሳ ምስጉን ከማኻ ዝበለ መን አሎ ምእንቲ ህዝብኻ በጃ ክትከውን ብትእዛዝ አቦኻ ካብ ሰማይ ወሪድካ ንዕረፍቲ ሰንበት ሰራዕካ” እናበለ ጎ.ኢ.ክ. ጓሳ ሕዝቢ ኮይኑ ከም ዝመጸ ይገልጸልና።
ናይ ሎሚ ወንጌል ዮውሓንስ መጥምቕ ከም ሕያዋይ ጓሳ ኮይኑ ንህዝቢ ነቲ ዝመጽእ ሓቀኛ ጓሳ ክቕበሉ የሰናዱ ከም ዝነበረ ይነግረና። እቲ ህዝቢ ንስብከት ዮሓንስ ምስ ሰምዐ ብዝያዳ መምርሕን ሓበረታን ክሓትት ጀሚሩ። አብ ሓቀኛ ጓሳ ክበጽሕ እሞ ብአኡ ክጓሰ ስለ ዝደለ ክሓትት ጀሚሩ። ዮሓንስ ከአ ክልተ አብነት ሂብዎም። መጀመርያ ዝንገሩ እቲ ህዝቢ ብሓባር፥ መኽፈልቲ ቀረጽ፥ ከምኡ ወተሃደራት። አብዚ አገዳሲ ነገር ዘሎ ናይ መኽፈልቲ ቀረጽ ምሕዋሶም እዩ። በይሁድ እዞም ሰባት ከም ደቂ አብርሃም አይሕሰቡን እዮም ነሮም ስለዚ አብ ግምት አይአትዉን እዮም ነሮም። አብዚ እንዕዘቦ ፍሉይ አትኩሮ ሉቃስ ናብቶም ንዑቓትን ብሕብረተ ሰብ ዝተገለሉን ምዃኑ ንርኢ። ነዞም ሰባት ክሰብኽ እንከሎ ዮሓንስ አብ ስርሖም ሓቅን ንኹሉ አብ ግምት ዘእተወ ተግባር ክኽተሉ ይነግሮም። ዕድመ አምላኽ ክቕበሉ እሞ አብ ቤቱ ክአትዉ ደቂ ሓደ አቦ ክኾኑ ይነግሮም።
ዮውሓንስ ዝሰምዑ ረኺቡ እንታይ ንግበር እናበሉ ዝሓቱ እሞ ክምለሱ ዝደልዩ። ሰብ አብ ልቡን አብ አስተንትኖ ርእሱን ምስ አቶ ዝሓቶ ሕቶ እዩ። አብ ርእስና እቲና እንተ ኸአልና ንአምላኽ ክንርኢ እሞ ክንቅይር አየጸግመናን እዩ። ልብና ሕይወትና ከይረኤና አብ ካልእ ዘዘንግዕ ጥራሕ እንተ ረኤና ግን ክንርኢ ከጸግመና እዩ። ንርእስና ርኢና ክንክእል ምእንቲ እዚ እዋን ሓጋዚና እዩ፥ ዮውሓንስ ሎሚ እውን ነተን ቃላቱ ይደግመልና አሎ። አብ አምላኽ ክንምለስ እንታይ ንግበር ኢልና ክንሓትት እዋኑ እዩ።
ካልአይ አብነት ዮሓንስ ዝሃቦ ነቶም ንምጽአት መስሕ ዝጽበዩ ዝነበሩ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ንአኡ ዝኸውን መልሲ ዝሃቦ እዩ። አብዚ አነጺሩ ዮሓንስ ዝሓበሮ እንተሎ ንሱ እቲ ዝጽበይዎ መስሕ ከምዘይኮነ እዩ። ቀጺሉ ካልእ ዝመጽእ ከምዘሎ ነጊሩ። አብዚ እዋን ዮሓንስ እቲ ዝመጽእ መስሕ መን ምዃኑ ከምዝፈልጥ ሓበረታ የለን። ሓንቲ እንፈላጣ ዮሓንስ ብማይ የጠምቕ ከም ዘሎ እቲ ዝመጽእ ግን ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከም ዘጠምቕ እዩ። እዚ ነቲ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ዝወረደ ከመልክት ዝብሎ እዩ።
ዮውሓንስ ጸዋዕትኡ መግዲ አምላኽ ምጽራግ ንሰባት አብ ኢየሱስ ከም ዝበጽሑ ምግባር፥ ንሓቂ ዓው ኢልካ ምዝራብ እዚ ክሳብ ሕይወት ምሃብ አብጺሕዎ። ሰባት አብቲ ዝሰብኮን ሕይወቱን ዘይኮነ አብ መስሕ ክመጽኡ መገዲ ሓቢርዎም ንብዙሓት ከአ አብ ኢየሱስ አሳጊርዎም። እዚ እዩ ናይ እሙን ተጸባያይ ምስሕ ሕይወት። ሎሚ ንሕና ነሕዋትና አብ ኢየሱስ ክነብጽሕ ቃላት ክርስቶስ እምበር ቃላትና ከይንዛረብ፥ ደፊርና ንሓሶት ንዝፈላሊ ንመንፈስናን ንእምነትናን ዘዝሕል ነገራት ክነጽግ ይሕብረና። ሓቂ ክትገብር መስዋዕቲ ውርደት ስቓይ አሎ እዚ አብ ሕይወት መድኃኒና ርኢናዮ ኢና። ሰባት ከይጸልኡኒ ኢልካ ናይ አምላኽ ነገር ምሕዳግ ንሰብ ዝገደደ ክፍአትን ኃቲአትን እዩ ዘውድቖ።
ቅ. ሉቃስ ዮሓንስ ዝተጻወቶ ተራ አብ ምቅርራብ መስሕ ብሕይወቱ ዘርአዮ አብነትን ዝመስከሮን ንልቢ ብዙሓት ከም ዝተንከፈ ጽቡቅ ገሩ ይነግረና። አብዚ ብዝመስል ሉቃስ ንወንጌሉ አብ ዝጽሕፈሉ ዝነበረ እዋን ገለ አርድእቲ ዮሓንስ ዝብሉ ነሮም ይመስል ንአኦም ከረድእን ዮሓንስ እቲ መስሕ ከምዘይኮነ ክገልጸሎም ዝጸሓፎ እዩ ዝመስል። ናይ ዮሓንስ ተራ ወላ እውን ዓቢ ይኹን ድሕሪ ናይ ክርስቶስ እዩ። አብ መንጎ ዮሓንስ ኢየሱስን ቀጻልነት አሎ እቲ ዮሓንስ ዝሰበኾ ኢየሱስ መሊእዎ። ሞራላዊ ተሓድሶን ምንሳሕን ክልተ ቀንዲ አድለይቲ ነገራት ነቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ድሕነት እየን፥ ነዚ መንፈስ ክንለብስ እዩ ሎሚ እንሕተቶ ዘሎና።
እዚ ዘሎናዮ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ አብ ደምበ አምላኽ አቲና ሕይወትና ምስ አምላኽ ክነወሃሃድ እዩ። ዮሓንስ መጥምቕ ነዚ ክሕብር እንከሎ ሕይወትኩም ቀይሩ ተነስሑ መዓልቲ ብርሃን መዓልቲ ድሕነት ይቐርብ አሎ እናበለ ሰባት አብ ምምጻእ መስሕ ክለብስዎ ዘለዎም ሕይወት ገሊጹ። ጊዜና ከቢድ እዩ ዘሎ ንአምላኽ ከይንዝክር ንመገዱን ትምህርቱን ከይንስዕብ ዝዓግት መሊኡ ዝርከቦ ኮይኑ አሎ። ልደት አብ ልብና ክንአቱ እሞ ሕይወትና ተመሊስና ሕመቕና ክፍአትና ኃጢአትና ርኢና ክንክእል እሞ ብርሃን ክርስቶስ ክንቅበል ኢልና ኢና እንዝክሮ።
ሎሚ ብመንፈስ ከመሎኻ/ኺ አበይ አሎ ልብኻ ሕይወትካ እናተበሃሃልና ክንተሓታተት ዕድል ዝህበና እዋን እዩ። ልብና ካብ አምላኽን ሰብን ርሒቑ ንሓቅን ፍቕርን ዘይናትና ገርና ወሲድናዮ መለልይና ዘይናይ ክርስቶስ መንፈስ ለቢሱ ይኸይድ አሎ። ክርስቶስ ብአፍ ሓዋርያቱ ብአፍ ቤተ ክርስትያኑ ተመለሱ ንአይ ዝበቅዕ ሕይወት ልበሱ እናበለ ይዛረበና አሎ።
ጓሳና ክርስቶስ እዩ ደቂ ሓደ ደምበ ኮና ክንርከብ እዩ ድላይ ክርስቶስ። አብ መጓሰ እንተ ርኤና ብሓባር ዝገብር ብዙሕ አለወን። አብ ሓደ ቦታ ብሓባር ይነብራ፥ ሓደ ዋና አልኤን፥ ጽቡቅ ወይ ሕማቕ ብሓደ ይጸልወን፥ ሓደ መለልዪ ነገር አልኤን፥ አብ ሓደ መግቢ ይሳተፋ፥ እዚ ኹሉ መለልይኤን እዩ። ጓስኤን አብ ማእከለን ኮይኑ ነዚ ነገራት ይመርሕ ይሕሉ እኮታ ማእከል ሕይወተን ኮይኑ ይመርሐን። መጓሰ ብዘይ ጓሳ ህላዌ የብለንን። ንሓና ሓደ ጓሳና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ብኻልእ ክንትክኦ አይንኽእልን ኢና፥ ዘንጊዕና ጓሳ እንተ ቐየርና ንጥፍአት ንሞት ኢና እንቃላዕ። ካብ መጓሰ ዝተፈልየት አደዳ ዋኒን እያ እትከውን። ቤተ ክርስትያን ደምበና እያ አብዛ ናይ ሓባር ገዛና ብማዕረ ክንጥቀመላ ነፍስወከፍና ከይትዝሕል ከይትዝኽትም ከይትጠፍእ ክንሕልዋ ክንከላኸለላ እንከሎና ጥራሕ ኢዩ ዕብየትን ጸጋን ዝበዝሕ።
አብ መጓሳ ሓደ ፍሉይ ዝገብረን ንጓስኤን ድምጹ መልክዑ ቁመቱ ኩሉ የለልይኦ። ብማዕዶ እንተ ጸውዔን ይሰምዓኦ፥ አብ ዝኾነ ቦታ ክመርሐን እንከሎ ይስዕባኦ፥ አብ መግቢ ዘልኦ አብ ማይ ዘልኦ ክመርሐን እንከሎ ሓልዮቱ ስለ ዝፈልጣ ይስዕባኦ። ንሱ አብ ማእከልን ንሰን አብ ከባቢኡ ምንባር ሓደ ይገብሮም። ንሕና ከም ደቂ ክርስቶስ እዚ እዩ ናታትና መንነት። ከም አርድእቲ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ሕይወትና ልብና መንፈስና አብኡ ዘተኮረ ክኸውን ይግብኦ። ንአኡ ክነለሊ እንተ ዘይከአልና ድምጹ ክንሰምዕ እንተ ዘይከኣልና መጓሰና ይደክም ወላ እውን ይጠፍእ። አብ ጓሳና ክርስቶስ ክንምለስ ክንጓሰ ፍቓደኛታት ክንከውን አሎና።
ተጓሲኻ ምኽአል፡
አብ ናይ ሰብ ነገር ሰብ ባዕሉ አብ መጓሰ ክርስቶስ ክአቱ እንተ ዘይከኣለ ብሓይሊ ደፊኡ ከእትዎ ዝኽእል የለን። ክንጓሰ እምብአር ናታትና ድለት ጻዕሪ ዓቢ ተራ አልኦ። አብ መጓሰ ክርስቶስ ክንአቱ አብ መንጎ አሕዋትና እሞ ዝተፈላለየ ጠባይን መንፈስን ዘልኦም ስለ እንሕወስ መጓሰና ርኢና ክንክእል አድላዪ እዩ። መዕበያን አተሓሳስባን አብ ሓደ መጓሰ ምዃን ዓቢ ተራ አልኦ። ካብ ሓደ ከባብን ካብ ሓደ ባህልን ዝመጹ ሓድነት ክህልዎም ቀሊል እዩ ካብ ዝተፈላለየ ባህልን ዓድን ዝመጹ ግን ዝፈላሊ አልኦም ስለዚ ነዚ አብ ግምት አእትዮም ንሓድነቶም ክሰርሑ አብ ናይ ቅድስና መገዲ ዝወስዶም ክደልዩ ግድን እዩ።
አብ ጊዜ ምጽአት ልደት ክርስቶስ ናይ ክርስቶስ ክትከውን ዘብቅዓካ ሕይወት ክትሕዝ ቀዳምነት ሂብካ ምስንዳው። እዚ አብ ቤት አምላኽ ከም እንቐርብ ይገብረና። አብ ኢየሱስ ዝወስድ መገዲ ርኢና ክሳብ ዘይከአልና አብ ካልእ አድራሻ ክንከይድ ስለ ዝንኽእል መንፈሳዊ GPS ክህልወና አድላዪ እዩ። ካብ መጓሰ ክርስቶስ ክፈልይካ ካብ ዝኽእል ነገራት ምጥንቃቕ። ዘጋጊ ብዙሕ እዩ ካብ ሓውናን ክርስቶስን ብዝተፈላለየ መገዲ ክፈልዩና ዝጽዕሩ ብዙሓት እዮም ስለዚ ርኢኻ ምኽአል። ጸግሪ በግዕ ተኸዲኖም ተዃሉ ከይጥቅዕኹም ተጠንቀቑ ይብልና ክርስቶስ። “ካብ ፈታዊኤይ እምበር ካብ ጸልእየይስ ባእለይ አሎኹ” ዝብል ምስላ ሓቂ እዩ። እቶም መቕርብና ፈተውትና አዕሩኽትና አብ ገጋ ከይመርሑና ምጥንቃቕ የድሊ። ሰብ ዓቢ ጸገም ኮይንዎ ዘሎ ሓቅን ሓሶትን ጎዳእን ዝጠቅምን ፈላሊኻ ዘይምኽአል። ነዚ ኹሉ መሚና ክንክእል እዚ እዋን ሓጋኢ እዩ።
እግዚአብሔር ጓሳና ሓላዊና ገርና ሕይወትና ንምራሕ ሽዑ አብ ዝኾነ እዋን በረኽት ክርስቶስ አብ መንጎና ክበዝሕ እዩ። ሎሚ እምብአር በዚ ብሩኽ ሰንበት ናይ ክርስቶስ ምዃና ፈሊና ክርኢ ንአምላኽ ብንጹሕ ሕልናን መንፈስን ክንቅበሎ ጸሎት ንግበር አምላኽ ነዚ ንምግባር ጸግኡን ረድኤቱን የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.