2012-12-27 16:32:05

አብ ናይጀርያ 12 ክርስትያን ተቀቲሎም።


እቲ አብ ሰሜናዊ ናይጀርያ አብ ልዕሊ አብ ክርስትና ዝአምን ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ምስዳድን ምቅታልን ምርዓድን ክግታእ ከም ዘይተካእለ ክምልከት ከሎ ብስርዓተ አምልኾ ላቲን ዕለተ ልደት እግዝእነ ወመድኀኒነ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ፖስቲኩም ዝተባህለ አውራጃ አብ ዮበ ከምኡ ክአ አብ ቦርኖ ዝተባህለ አውራጃ አብ ማይዱግሪ አብ ውሽጢ አብ አብያተ ክርስትያናት ዓሰርተ ክልተ ክርስትያን ብአኽረርት ምስልምና ህYወቶም ከም ዝስአኑ ተፈሊጡ አሎ ።
እዚ አብ ሰሜናዊ ናይጀርያ አብ ክልቲኡ ክፍልታት ዝተኻየዱ እኩይ ተግባራት በቲ ቦኮ ሐራም ዝተባህለ አስላማዊ አኽራሪ ጉጅለ ከም ዝተኻየዱ ካብ አቡጃ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ ። እዚ አብ ልዕሊ ቤተ አምልኾ ክርስትያን ዝተኻየደ እኩይ ተግባር ብተኸታታሊ ንሳልሳይ ዓመት ዜክየድ ዘሎ ከም ዝኾነ ይዝከር።።
አብታ ዝበዝሔ ህዝቢ ዝነብረላ አፍሪቃዊት ናይጀርያ ግዝአተ ሕግን ሐለዋ መሰል ውሁዳን ማሕበረ ሰባትን ይስአን ከም ዘሎ ይግለጽ።።
እዚ አብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ዝካየድ ዘሎ ተግባረ ሽበራ”ዚ ካብ ውሽጢ ሰራዊትን አብ መሐውራት ማለት አብ ተቅዋማት መንግስቲ ብዝርከቡ ሰባትን ተደጊፉ ይፍጸም ከም ዘሎ ካብ ዝጥርጠር ነዊሕ ግዜ ከም ዝሐለፈ ይንገረሉ።።
እዚ ቦኮ ሐራም ዝጽዋዕ አስላማዊ አኽራሪ ጉጅለ”ዚ ጸረ ምዕራባዊ ባህሊ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ ክርስትያናዊ ባህሊ አፍሪቃዊ ባህሊ ከም ዘይኮነን በዚ ከም ዝጽየፍን ይምልከት ።ብኻልእ ወገን ክአ እቲ ቦኮ ሐራም ዝብሃል አኽራሪ ጉጅለ ናይታ ሀገር መራሒ ፕረሲዳንት ዮንታን ጉድ ላክ አብ ሃይማኖት ክርስትና ስለ ዝአምኑ ካብ ስልጣኖም ንምውራድን እታ በማእት ዝቁጸሩ ብሔራትን ብሔረ ሰባትን አህዛብን ዝነብሩላ ናይጀርያ አስላማዊት ናይጀርያ ናይ ምግባር ሕልሚ ዝሐደሮ ሐደገኛ ጉጅለ ከም ዝኾነ ይምልክት።።
ናይ ሃይማኖት ምስልምና ኢማማትን ናይ ክርስትና ላዕሎዎት ሐለፍትን ብሐባር ነዚ አብ ልዕሊ ክርስትና ዚካየድ ዘሎ ምስዳድን መቅተልትን ዕንወት አብያተ ክርስትያናትን ከም ዝቃወሙን ከም ዝኽንኑን ሕብረተ ሰብ ናይጀርያ ሐቢሩ ምእንቲ ብሰላም ክነብር ዕርቀ ሰላም ክወርድ ከም ዝጽዕሩን ይፍለጥ።።
አብዚ ዝዛዘም ዘሎ 2012 ዓመተ ምሕረት አብ ዝርያ ዓለም 105 ሺሕ ክርስትያን ብጠንቂ እምነቶም ከም ዝተቀሉ ጸብጻባት ተቅዋማት ቤተ ክርስትያን መዝጊቦም አለዉ።።








All the contents on this site are copyrighted ©.