2012-12-27 16:14:54

አብ ምስሪ ዝተኻየደ ውሳኔ ህዝቢ ከም ዝጸደቀ ተነጊሩ።


አብ ምስሪ ሐዲሽ ሕገ መንግስቲ ንምጽዳቅ ህዝቢ ምስሪ ብረፈረንደም ውሳኔ ህዝቢ ከም ዝሐተተ ክዝከር ከሎ ብ63.8 ሚእታዊት አዎንታዊ ድምጺ ከም ዝጸደቀ አምራጺ ኮሚሽን ወግዓዊ መግከጺ ከም ዝሀበ ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ።።
ተቃወምቲ ፖሊቲካ ምስሪ ምትላል ዝተሐወሶ ረፈረንደም ከም ዝነበረ ከም ዘመልከቱ እቲ ዜና አመልኪቱ።። እዚ ሐዲሽ ሕጊ መንግስቲ ንምጽዳቅ ዝተኻየደ ረፈረንደም ናይታ ሀገር መራሒ ፕረሲዳንት መሐመድ ሞርሲ በቲ አል ኢኽዋን አል ሙስሊሚን አሕዋት አስላምን ሳላፊቲ ዝተባህሉን ሰልፍታት ተደጊፎም ህዝቢ ክስን ዘቅረብዎ ሐሳብ ህዝቢ ብሰልፊ መልኾ ተቃውሞ ከም ዘጋጠሞ ይዝከር።።
እዚ ሐዲሽ ሕጊ መንግስቲ”ዚ አብቲ ሸሪዓ ዝጽዋዕ አስላማዊ ሕጊ ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነ ክምልከት ከሎ አብ ምስሪ ጠንቂ ፖሊቲካዊ ዘይምርግጋእ ክኽውን ከም ዝኽእል ከም ዝተአመተን ይፍለጥ።
ዝኾነ ኾይኑ ድሕሪ ክልተ ወርሒ አብ ካይሮ ሐዲሽ ባይቶ ማለት ፓርላማ ክምረጽ መደብ ከም ዘሎ እዚ ካብ ካይሮ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።።
እዚ አብ ምስሪ ዝርኤ ዘሎ ዓውደ ፖሊቲካ አብ ሞንጎ ምስሪ ብሸሪዓ በአስላማዊ ሕጊ ክትማሐደር ዝደልዩን አብ ሞንጎ ዓለማውያንን ከም ዝኾነ ናይ ማእከላይ ምብራቅ ናይ ፖሊቲካ ተዓዘብቲ የመልልክቱ።።
ቅድሚ ሎሚ አብ ሸሪዓ ሕጊ አስላም ዘይተመርኮሰት ምስሪ አብ ኩነታት ማእከላይ ምብራቅ ናይ ምዕራብ ዓለም መወከሲት ከም ዝነበረት ዘመልከቱ ናይ ፖሊቲካ ተዓዘብቲ ፖሊቲካ ምስሪ ከም ዝኸይድ ክጽበዩ ከም ዝመርጹ አተንቢሆም።።
እቲ አብ ምስሪ ብፕረሲዳንት ሁስኒ ሙባራክ ተመሪሑ ዳርጋ ነርባዓ ዓመታት አብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ካብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ግዚፍ ሐገዝ እናረኸበ መምዘኒ ፖሊቲካ ማእከላይ ምብራቅን መወከሲ ሀገራት ም ዕራብን ከም ዝነበረ ይምልከት።።
አብ መጀመርያ ሰማንያታት ንምስሪ ዝመርሑ ዝነበሩ ፕረሲዳንት አንዋር ሳዳት ነቲ አብ ሞንጎ ምስርን እስራኤልን ዝነበረ ፖሊቲካዊ ወጥሪ ንምህዳን አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ንምፍጣርን ንእስራኤል ተጓዒዞም አብ ተልአቪቭ አብ ክነሰት ፓርላማ እስራኤል ዲስኩር ስለ ዝገበሩ አብ ካይሮ ወተሀደራዊ ትርኢት እናተዓዘቡ ከለዉ ብአኽረርቲ ምስልምና ሰራዊት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ይዝከር።።








All the contents on this site are copyrighted ©.