2012-12-27 14:07:14

ናይ እምነት ሰማእታት 2012 ዓ.ም.


RealAudioMP3 ኣብ 2012 ዓ.ም. 150 ሺሕ ክርስቲያን ምእመናን ምእንቲ እምነቶም ናይ ደም ሰማእትነት ከምዝተቐበሉ እንክምልከት፣ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዕለት 25 ታሕሳስ ዓቢይ በዓል ልደተ ዘእግዚእነ ቀጺላ ዕለት 26 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ ስቲፋኖስ ከምዘብዓለት እንክምልከት፣ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ ስቲፋኖስ ብምኽንያት እምነቱ ነቶም ናብ ሞት ንኸብጽሕዎ ዘሳቕይዎ ንዝነበሩ ኣብነት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምንባር ምእንታኦ ምሕረት ካብ እግዚኣብሔር ከምዝለመነ ማህደር ገድሊ ሰማዕታትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብዓብዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዘረጋግጾ ሓቂ ከምዝኾነን፣ ሎሚ እውን ብዙሓት ከምቶም ዝሓለፉ ቅዱሳት ሰማእታት ብምኽንያት ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ስቓይን መከራን ስደትን ዓመጽን ሞትን ከምዘጓንፎም ጭቡጥ ታሪኽ ምዃኑ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ቃል መሕትት ዘካየዱ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ተዓዛቢ ማኅበር ኣወሃሃዲ ማሲሞ ኢንትሮቪኘ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ እንከሎ፣ ምእንቲ እምነቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ጉዳይ ዝከታተል በቶም ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ዜጋ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳቪድ ባረት ዝተመስረተ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ሕቡራት መንግታት ኣመርካ ዝርከብ ጉዳይ ሰማእታት እምነት ኣሃዛዊ ጭብጥታት ዘቕርብ ማእከል ከምዝሕብሮ፣ ኣብ 2012 ዓ.ም. ምእንቲ እምነቶም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ብዝሒ ክርስቲያን ምእመናን 150 ሺሕ ከምዝኾነን ዝሃቦ ጸብጻብ እዚዩ ዘሰንብድ እዩ ኢሎም።
ኣብ ናይጀሪያ እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ቦኮ ሓራም እተሰምየ ጉጅለ ኣሸበርቲ ብዘፍንውዎ ጸረ ክርስቲያን ምእመናን መጥቃዕቲ ናብ ኣቢያተ ክርስቲያን ምኻድ ህይወትካ ንሓደጋ ምቅላዕ ኮይኑን ኣብ ናይጀሪያ ሶማሊያ ማሊ ፓኪስታን ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ ሃገረ ግብጺ ኣብ ኣፍሪቃ ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ብሰፊሕ ዝፍነው ኮይኑ ኣብተን ምልካዊ ስርዓት ዴስነትን ብሔራዊ ዓሌታውነት ስርዓት ሃገራት ሃይማኖታዊ መንግስቲ ማለት ምልካዊ ሓደ ሃይማኖት ዓብላሊ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት ህልው ኣብ ዝኾነለን ሃገራት ከም ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኦሪሳን ዘሎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ማኅበረ ክርስቲያን ጠቒሶም፣ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ዝሰፈረ ሃይማኖት ምርካስ ክሳብ ናብ ሞት ፍርዲ ዘብጽሕ ገበን እዩ ዝብል ሕጊ፣ ብጀካ ምእመናን ሃይማኖት ምስልምና ንናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብቲ ዓቢ ሓደጋ ከምዝኾነን ከም ኣብነት እተን ኣደ ሓሙሽተ ቆሉዑ በዚ ሕጊ መሰረት ኣብ ፓኪስታን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከባ ክርስቲያን ምእመን ፓኪስታናዊት ኣሲያ ቢቢ ጠቒሶም፣ ኣብታ ሃገር ብዙሓት ክርስቲያን ምእመናን ንሓደጋ ተቓሊዖም ይርከቡ።
ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዓሌታዊ ብሔራዊ ስርዓትን ከምኡ እውን ምልካውያን ስርዓት ኣብ ዝርከበን ሃገራት ዝርአይ ሓደጋ ከምዝኾነን፣ ዘይምጽውዋር ባህልን ኣድልዎን እሞ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንሓደጋ ዘቓልዕ ሕጊ፣ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ኮይኑ ናይ ብዙሓት ክርስቲያን ምእመናን ሕይወት ንሓደጋ የቃልዕ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላልፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላምን ብምኽንያት በዓለ ልደት ምስ ናይ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሮማዊትን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎ ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳስትን ናይ ርሑስ በዓል ልደት መልእኽቲ ንምልውዋጥ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ዘረባ ኣብ ዓለም ፍሉይ ኣብ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ዝሰረተ ምልካዊ ኣመለኻኽታ ማሕበረ ክርስቲያን ዝቃወሞ ብምዃኑ ተጸላኢ እናኾነን ኣብ ስግኣት ከምዝነብርን እዚ ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርአይ ኩነት ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድምጽን ኣመለኻኽታን ንምዕፋን ዝካይድ ስነ ሓሳባዊ ውዲታት ርኡይ እዩ ኢሎም።
150 ሺሕ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ 2012 ዓ.ም. ከምእተቐትሉን እዚኣቶም ድማ ናይ እምነት ሰማእታት እያቶም። ከም ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስቲፋኖስ ብመሰረት ኣብነት ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዘሳድዱኻን ዝቐትሉኻን ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክረኽቡ ምሕታት ብሓቂ እቲ ሓደ ናይ እምነት ክርስትና መለለዩ ባህርይ እዩ። ክርስትና ሕነ ምፍዳይ ዘይፈልጥ፣ እቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስነ መጐት ብናይ ምሕረት ስነ መጐት ክትካእ ዝብል እምነት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.