2012-12-23 18:44:44

ንእግዚአብሔር ዝከላኸል ንወዲ ሰብ ይከላኸል;;


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ወትሩ አብ ምዝዛም ዓመት ከምዝገብርዎ ሎምዘመን እውን ነቶም መሣርሕቶም ዝኾኑ ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ አብ ቅድስት መንበር አገልግሎት ናይ ዝህቡ ካርዲናላትን አቡናትን ካህናትን አኪቦም አብ ዝረኸቡሉ ጊዜ ንሥድራ ቤትን ዘተን ዘተኰረ አስተምህሮ ሂቦም፣
ቅዱስነቶም አብ ውሽጢ 2012 ዓም ዝተገብሩ ዓበይቲ ነገራት ከም ዓለም ለኸ ሐዋርያዊ ጉ ዕዞታት ናይ መክሲኮ ኩባን ሊባኖስን ጀሚርካ አብ ሚላኖ ዝተገብረ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሥድራቤት ከማኡ እውን ሲኖዶስ ጳጳሳት ንሓዲስ ስብከተ ወንጌልን አብ መበል 50 ዓመት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተአወጀ ዓመት እምነትን ዘኪሮም፣ ሕመረት አስተምህሮኦም ነጻነት ወዲ ሰብን ምክልኻል ሥድራቤትን ዘተኮረ ነሩ፣ ብስም ጉባኤ ወይ ኩርያ ሮማና ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ንቅዱስነቶም ቃል ሰላምታን ምስጋናን ምስ አቅረቡ ቅዱስነቶም ብዛ ዕባ ሥድራቤት አብዚ ብዙሕ ጸገማት ከቢቡና አብ ዘሎ ጊዜ ቤተ ክርስትያን ስለምንታይ በዛዕባ ሥድራ ክንድዙይ ትግደስ እንክብሉ አስተምህሮኦም ጀመሩ፣ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሥድራ እትግደስ ሓደ ውሱን ናይ ኅብረተሰብ ታህዋስ ስለዝኾነ ጥራይ ዘይኮነ ብ ዓንደ ር እሱ ፍጥረት ሰብ መን ምዃኑን ብቅን ዕና ንክመላለስ እንታይ ከምዘድልዮን አባኡ ስለንረኽቦን ሕቶ ፍጥረት ሰብ አብአ ተዓቢጡ ስለዘሎን ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ዓቢ ሊቀ ካህናት አይሁድ ረቢ ጊለስ በርንሃይም ዝበሃል ፈረሳዊ ነዚ ሕጂ ዘሎ ሥድራቤት አብ ከቢድ ቅልውላው ንዘእትዎ እንክትንትን ቀንዲ ነቲ ነጻነት ወዲ ሰብ ዝብል አምር በዘይምርዳኡ እንክኾን እቲ ካል አይ ከአ ፍጥረት ሰብ መን ምዃኑ ብዘይምፍላጡ ኢዩ ንዝብል ሓሳብ ብምጥቃስ ንስድራቤት እትከላኸል ቤተ ክርስትያን ጥራይ ከምዘይኮነት አመልኪቶም፣ አብዚ ጊዜ እዚ ፍልስፍና ጾታ ዘተአታተዎ ካብ ባህርይ ዘይኮነ በተሓሳስባ ብባዕላውነት ዝውሰን ኩነታት ሓዳርን ጾታን ዘስዕቦ ጸማት ገሊጾም፣
ናይዚ አተሓሳስባ እዚን ናይዚ ሰብአዊ ሰውራ እዝን ዓሚቍ ግጉይነት ግሁድ ኢዩ፣ ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዝተዓደሎ መንነቱ መንነት ፍጥረት ሰብ ምዃኑ ንዝገልጽ ተውህቦ ይቃወሞ አሎ፣ ተፈጥሮኡ ይኽሕድ ባህርይ ምንም ከምዘይሃበቶ ብም እማን ከአ ባዕሉ ንር እሱ ከቍውም ሒዅ ይብል አሎ፣ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘዘንትወልና ግን ደቂ ሰባት እግዚአብሔር ከምዝፈጠሮምን ተባዕታይን አንስታይን ገቢሩ ከምዝፈጠሮምን ንግንዘብ፣ እዚ ተባዕታይን አንስታይን ፍጥረት ንመንነት ሰብ የቅውም፣ ኮይኑ ግን ወዲ ሰብ ነዚ ክቃወም ይርከብ፣
ንተፈጥሮ ምዕማጽ ከምቲ ወትሩ ንከባቢ አብ ዝብክሉ ኩነታት እንቃወሞ ወዲ ሰብ ተጻይ ገዛእ ር እሱ ኢዩ ዝዕምጽ ዘሎ፣ እቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ወዲ ሰብ እንክበሃል ናይ ሓሳብ ጥራይ እምበር ብጭብጢ ዓጽምን ሥጋን ዝለበሰ አብ ዘይነስም ዓሉ ደረጃ በጺሕናስ ከምድላየይ ቢሉ ብባዕሉ ከም ማንም ነገር ክመርጽ ንር እዮ፣ ተባዕታይን አንስታይን ፍጥረት እንተዘየልዩ ስድራቤት ብተፈጥሮ ዝተዋህበትና ኢያ ዝብል አምር እውን አይክህሉን ኢዩ፣ ስለዚ ብስም ነጻነት ከምድላየይ ዝብል እንተተበጺሑ ንፈጣሪ ምኽ ሃድ አብ መወዳእታ ከአ እግዚአብሔር ንወዲሰብ ከምዝፈጠሮ ምኽሓድ እውን ይመጽእ፣ ስለዚ ብዛዕባ ሥድራ አብ ዝግበር ክት ዕ ወዲ ሰብ አብ ማ እከሉ ከምዘሎ ዘይምጽንጋዕ፣ ስለዚ እግዚአብሔር አብ ዝከሓደሉ ቦታ ክብሪ ወዲሰብ እውን ከምዝከሓድ ምፍላጥ የድሊ፣ ን እግዚአብሔር ዝከላከል ንወዲሰብ ኢዩ ዝከላኸል፣ እንክብሉ አብዚ ግዜና ገኒኑ ዘሎ ከምድላየይ ብዝብል ቅጥ ዒ ዝሰአነ ነጻነ ግብረ ሰዶማውያን ከም ሥድራቤት ከቁሙ ዝቃለሱ ጨሪስካ ተጻይ ባህሪ ወዲሰብን ፈጣርን ምዃኑ ገሊጾም፣
በዚ ከአ ይብሉ ቅዱስነቶም ቤተ ክርስትያን ብሠለስተ ደረጃ ክትዋሳእ ክትዛተ አለው ቢሎም፣ መጀመርያ ምስ መንግሥታት ዓለም ብካል አይ ደረጃ ምስ ማኅበረሰብ ዓለም ብሣልሳይ ደረጃ ከአ ምስ ካል ኦት ሃይማኖታት፣ አብዚ ዘተ እዚ ቤተ ክርስትያን ብብርሃን እምነት ትብገስ ማዕረ ማዕሪኡ ከአ ዝክሪ ታሪኽ ወዲሰብ አብ ዝተፈላለየ ተመኩሮታትን ሥቃያትን ወዲሰብ ተመርኵሳ ትዛተ፣ እንክብሉ መሠረታውያን ክብርታትን መሰላትን ደቂ ሰብ ል ዕሊ ኩሉ ከአ ሥድራ ቤት ብምግላጽ ብናይ ልደት ጸሎት አስተምህሮኦም ዛዚሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.