2012-12-22 15:49:14

ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ ስድራ ቤትን ሓቅን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብላቲን ስርዓት ዕለት 25 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ዝበዓል በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምኽንያት ምስ ናይ መላእ ናይ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ሰበ ስልጣናት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ምንዮትመግለጺ ንምልውዋጥ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ከምቲ ልሙድ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሕለፍዎ ተመክሮን ፍጻሜትትን ከምኡ እውን እዚዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ርእሰ ጉዳያት ተመርኵይዞም ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣስተንትኖ እንክህቡ፦ “ብበዓለ ልደትን ምዝዛም 2012 ዓመት ምሕረት ምኽንያት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ መላእ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ተቐቢሎም ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ብመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትጽቢት ዝግበረሉን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ተመክሮ ዝድህስስን ኣገደስቲ ጉዳያት ዝሕብር እዩ” ቢሎም፦ “ቅዱስ ኣቦና ብዕምቀትን ግልጽነትን ትብዓትን ብዝተመልኦ ባህርይ ኣብ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያንን ዘርኢ ሰብን ዘለዎም ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት መሰረት ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ኣስተንትኖን ምዕዳንን መሪሕ ቃልን እዩ። ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሃን ኣሉታዊ ድዩ እወታዊ ርእዮት ከምዝወሃቦ ርጉጽ እዩ። ብዘየገድ ግን ኣብቲ ናይ ለምዘበን ስልጣናዊ ዘረባኦም ‘ስድራ ቤት፣ ሰብኣይን ሰበይት መሰረት ዝገበረን ዘተን ኣስፍሆተ (ብስራተ) እምነትን ዝብሉ እዩም።”
“ብዛዕባ ስድራ ቤት ቅዱስነቶም ንስድራ ቤት ብዛዕባ ቃል ኪዳን ወይ ድማ መርዓ ዝምልከቱ ሕጋጌታትን ብዛዕባ መርዓን ኣብ መንጎ ሓደኣዊ ጾታዊ ስምዒት ዘለዎም ሰባት ዝፍጸም መርዓን ብዙሕ ግዜ ኣዚዩ እገዳስን ብቐረባ ዝከታተልዎ ናይ ሰብ ሓዳር ጸገማትን ቅርበቶምን ኣብቲ ኣብ ሚላኖ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ስድራ ቤት ዋዜማ ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ከይበሉ እንታይ ደኣ ኣብቲ መሰረታዊ ሕቶ ዝኾነ ብዛዕባ ሰብ ‘ሰብ መን እዩ (ሰብ ማለት እንታይ ማለት እዩ?)፣ ጽምዳዊ ሰብ ‘ሰብኣይን ሰበይትን፣ ናይ ምዃን ሰብ መሰረት’ እዩ። ካብዚ ምዃናዊ መሰረት ኣደን ኣቦን ውላድን ይስዕብ፣ ስለዚ እዚ ጽምዳዊ ሰብ ኣብ ሰብኣዊ ባህርይ ዝተጽሓፈ መደብ ፈጣሪ እግዚኣብሔር ምዃን እዩ ዘነጽር፣ ሰለዚ ነዚ ምኽሓድ ሓቂ ምጽራር ይኸውን፣ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ስብኣዊ መንነቱ ወሳኒ ጌርካ ምቕማጥ ንዝተፈላለየ ናይ ሰብኣዊ ክብሪ ዝጻረር ኣዚዩ ኣስጋኢ ንዝኾነ ሓደጋ ምቅላዕ ይኸውን፣ ክብሪ ውላድን ስድራ ቤትን ዝግህስ ውላድ ከም ንብረት ክርአይ ዝድርኽ፣ ዓቢ ሓደጋ እውን እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ሰፊሕ ጉዳይ ተንቲኖምን ናይ ፈረንሳ ዓቢይ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምህር ጠቒሶም፣ እቲ ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ ናይ ገዛእ ርእሳ እምነት መግለጺ ጥራሕ ዘይኮንስ ብዅሎም ኣይሁድ-ክርስትያናዊ ባህን ዝንጸባረቕ ብሓፈሻኡ ሰብኣዊ ኣመክንዮ እዩ” ኢሎም።
ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ከም ካልኣይ ነጥቢ ዓቢይ ኣተኵሮ ዝገበርሉ ኣዚዩ ኣገዳስን እዋናውን ነጥቢ ካብቲ ቀዳማይ ነጥቢ ዘይፍለይ፦ ነቲ ዓቢይ ሰብኣዊ ተመክሮ ዝኾነ ብመንጽር እምነት ዝንበብ፣ ክርስትያን ብዘተ ዝራኸብን ናብ ዘተ ዘሰንን ዝብል እዩ” ምስ በሉ እዚ ሓሳብ’ዚ ብዙሕ ዘካትዕ እውን ከምዝኸውን ዘየጠራጥር ምዃኑ እንከረድኡ፦ “ክርስቲያን ናይቶም ኣመና ክቡራትን ነበርትን ናይቲ ብዝተወሰነ እምነትን ሞራልን ከይተገደሰ ኣብ ግብሪን ውጽኢትን ዘድህብ ጽንሰ ሓሳብ ዘቕርቦ መፍትሒታት ሰገር ናይ ዝኾኑ ክቡራት ዋጋታት ተሓታቲ ከምዝኾነ ሓላፍነቱ ዘልበሰ እዩ” ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚ፦ “ክርስቲያን ሓቂ ኣብ ምንዳይ ኣብ ዝግበር ዘተ ክርስትያናዊ መንነቱ ኣብ ሕቶ ከየእተወ ብእምነትን ምትእምማንን ዝኣትው ማለት እዩ። ስለምታይ ሓቂ ናይ ገዛእ ርእስኻ ውጽኢትን ምህዞን ብገዛእ ርእስኻ እትውንኖ ሓበን ውናኔኻ እተንበረሉ ኣይኮነን። ሓቂ ከምቲ ክርስቶስ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሓና ዝጽውዓናን ዝመርሕን ዝጽውዕን እዩ” ምስ በሉ “ብሓቂ እዚ እቲ ዝዓበየን መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓሚዩቕን ሓላፍነትን ህልውን ዝኾነ መግለጺ ምንዮት ርሑስ በዓል ልደት ዘእግዚእነ እዩ። እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.