2012-12-22 15:59:09

ቅዱስ ኣቦና ሓድሽ ናይ ቅድስናን ብፅዕናን ናይ ኣዋጅ ሰነድ ኣጽዲቖም


RealAudioMP3 ኣብ ኦትራንቶ ኣብ 1480 ዓ.ም. ኣብ እዋን መግዛእቲ ቱርኪ ናይ እምነት ሰምዕትነት ዝተቐበሉ ኢጣሊያዊ ኣንቶኒዮ ፕሪማልዲ ዝርከበዎም ብጠቕላላ 800 ሰማዕታትን ኣብ ናይ ስፐይን ሕድ ሕዳዊ ውግእ እዋን 40 ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝርከብዎም 10 ደቂ ቤተ ቤተ ክርስቲያን መሰኻኽር እምነት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሉ ንኽእወጀሎም ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ንዘቕረበሎም ናይ ድንጋገ ሰነድ መርሚሮም ነቲ ኣዋጅ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ክስየሙን ቀጺሉ ብፅዕናን ከምኡ እውን ቅድስና ንኽእወጀሎም መሰረተ ሓሳብ ኣቕራቢ ኣባ ኣንቶኒዮ ማራዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዘጠይና በነደታ ካፐሊ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ፣ “ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ክእወጀሎም ኣብ ኢጣሊያን ወጻእን ንዝርከቡ ብመንፈሳውነትን ሰብኣውን ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተማርኩን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕን ቅዱስን ቢላ ክትእውጀሎም ነዚ ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር ንዝጽልዩ ምእመናን ዓቢይ ሓጎስ እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓበይቲ ፍጻሜታት ዘረጋገጹን ብፍላይ ድማ እቲ ክርስቲያናዊ መንነትና ብዕምቆት ክንርዳእን ክንነብሮን መታን ከነለልይ ዘብቕዕ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ናብ ክርስቶስ ክንምለስ ዝመርሕ ኣስተምህሮ እዩ” ቢሎም ብዛዕባኦም ብዙሕ ከምዝበሃልን ሕዝቢ እውን ዝብሎን ዝዛረቦን ብሓቂ ሰነዳት ቤተ ክርስትያንን ኣስተምህሮታቶምን ሓዋርያዊ ምዕዳኖምን ዓዋዲ መልእኽትታቶም እውን ዘቃልሖ ሓቂ ምዃኑ ኣባ ማራዚ ኣረዲኦም፣ “ርህሩህ ግዱስን ሓላይ ብፍላይ ድማ ንስኡናት ቀረባን፣ ድኻታት ፍሉይ ድጋፍ ክግበረሎምን ንናይ ኵሉ ብፍሉይ ንናይቶም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ጸገም መከራን ቀረባ ብምዃን ክንክንን ሓለዋ ሕይወት ንዅሉ ክረጋገጽ ዘተባብዑን ዘስተምሃሩን እዮም” ምስ በሉ ዝኣወጅዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተረኺቦም ዘስምዕዎ ዘረባን፣ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዝፈጸሙለን ሃገራት ዝመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮታትን፣ ኣብ ከባቢ ወጻኢ ክፍሊ ከተማ ሮማ ዝረካብ ቁምስናታት ከም ናይ ሮማ ጳጳስ ዝፈጸመዎ ሓውጾተ ኖልዎ ፈታዊ ኩሉን ሓዋርያ ምዃኖም ዝምስክር ተግባር እዩ።
ናይ ሕይወት ባህሊ ማለት ሕይወት ካብ ምጽናስ ካሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ዘነቓቕሑን ምዃኖም እታ ዝደረስዋ “Humanae Vitae-ሰብአዊ ሕይወት” እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ተረጋግጾ። ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊልን ክንክን ንስድራ ቤትን ንዝውለዱ ሕጻናትን ብሓፈሻኡ ሓዲጎምልና ዝሓለፉ ስልጣናዊ ትምህርቲ ባህሊ ሕይወት ኣብ ቤት ክርስቲያን ህያውን ቀጻልን ምዃኑ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብቶም ቅድስና ዝእወጀሎም ናይ ቅድስቲ ንጽሕት ድንግል ማርያም ደቂ ቅድስቲ ካተሪና ማሕበር ልኡካን ደናግል መስራቲት ኣብ ኮሎምቢያ ዕለት 26 ግንቦት 1874 ዕ.ም. ዝተወልዳን ዕለት 21 ጥቅምቲ 1949 ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ እናቴ ብፅዕቲ ላውራ ዲሳንታ ካተሪና ዲ ሲየናን ከምኡ እውን ኣብ መክሲኮ ከተማ ዛፖፓና ዕለት 27 ምያዝያ 1878 ዓ.ም. ዝተወልዳን ዕለት 24 ሰነ 1963 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ከተማ ጓዳላኻራ ዝዓረፋ ናይ ቅድስቲ ማርገሪታ ማሪያ ኣገልገልቲ ድኻታት ማሕበረ ደናግል ተሓባባሪት መስራቲት እናቴ ብፅዕቲ ማሪያ ጓዳሉፐ ከምዝኾና ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.