2012-12-20 15:26:31

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (19/12/2012)
ናይ እግዚኣብሔር ሕጻንን ናይ ማርያምን ትሕትና ንናይ ዓለም ብርታዔ የሰንፍ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 19 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ እንክምልከት ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ከምዝሓበርዎ ቅዱስነቶም እቲ “በዓለ ልደት ዘእግዚእነ እቲ ብርቱዕ ኣልቦ ምክልኻል ዝኾነ ሕጻን ኣብ ልዕሊ እቲ ጫውጫውታ ብርታዔ ዓለም ሰዓሪ ማለት እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ መበል 43 ናይ 2012 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እምነት” ዘስተንትን ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።
ናይ ወንጌል ናይ መጀመሪያ መበገሲ “ተሓጐሲ ኦ ምልእተ ጸጋ” ዝብል ናይ ሰላምታ ቃል ምዃኑ ዝጠቐሱ ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብ ናይ ማርያም እምነት ዘስተንትን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብቲ ኣብ ናዝሬት ከተማ ዝተሰምዔ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ዝልውጥ ቃል ተበጊሶም፦ “እቲ ንማርያም ዝቐረበ ቃል ሰላምታ መልኣኽ ንጥልቂ ሓጐስ ዝዕድም፣ ነቲ ኣብ ቅድሚ ውስንነት ‘ስቓይን ሞትን ቅርሕንትን ክፍኣትን ነቲ ናይ መለኰታዊ ሰናይ ብርሃን ዘደብን ዝመስል ናይ ክፍኣት ጸልማት’ ሕይወት ዘንቅሎ ጓሂ ከምዘብቕዔ ዝእውጅ እዩ። ናይ ወንጌል መፈለምታን ናይ ሓድሽ ቃል ብስራት ዝኾነ ሰላምታ እዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፣ እቲ ሰማያዊ መልእኽተይና ንማርያም ንዘቕረቦ ሰላምታ፣ ማርያም ድማ ብወገና ዝሃበቶ መልሲ እነኹልካ ዝብል ናጻ ንናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ዝግዛእ ሓቀይና ናጽነት ዘንብርን ካብቲ ምስ ህላዌ እግዚኣብሔር ምትእስሳር ካብ ዝገልጽ ጸጋ ዝነቐለ ምዃኑ ቅዱስቶም እንከረድኡ፦ “ንእግዚኣብሔርን ኣብ እምነት ንናይ እግዚኣብሔር ተግባር መሰናኽል ጸልማት እውን እተጓነፈ ክፉት ዝኾነ መንፈስ፣ ማርያም ብምልኣት ንእግዚኣብሔር ክፍቲ፣ ምስጢርን ምስቲ ናይ ገዛእ ርእስና መደብ ዘይሳነይ እውን እንተኾነ ፍቓድ ኣምላኽ ንምቕባል ስንድውቲ፣ በቲ ናይ ወዳ ስቕለት ጸልማትን ደልሃመትን ዝሓልፍ እውን እንተኾነ ናብቲ ናይ ትንሳኤ ብርሃን ዘንብር እምነታ ናይ ቃል ብስራት ሓጐስ ዝነብር እዩ” ምስ በሉ ማርያምን ኣብራሃምን ብምንጽጻር ኣብራሃም እቲ ንወዱ ይስሓቅ መስዋዕ ገይሩ ከቕርብ ዝሓትቶ መልኣከ እግዚኣብሔር ብምልኣትን ፍጽምናን እዙዝ ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ንዓና ክርስትያን ኣብ ሕይወትና እግዚኣብሔር ብኹር ኣብ ዝመስለና እዋን እውን ዝኣምኑ ኮይና ክንርከብ ዝምህረና ኩነት ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና እንከነጽሩ፦ “መጠን ንእግዚኣብሔር ክፉታት ምስ እንኸውን ከም ኣብራሃምን ማርያምን እምነትና ኣብ እግዚኣብሔር ምሉእ ብምሉእ ከነንብር ዘብቅዓና ናይ እምነት ጸጋ ነእንግድ። ንሱ ድማ ብህላዌኡ ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ሕይወት ካብ እሙንነቱን ፍቅሩን ብዝነቅል ብሰላምን ርግጸይናነትን ናይ ምንባር ብቕዓት ይዕድለና። እዚ ማለት ድማ ካብ ገዛእ ርእስናን ካብቲ ግላዊ መደባትናን ክንወጽእ ዝሓትት እዩ። ስለምታይሲ ቃል እግዚኣብሔር ሓሳብናን ተግባራትናን ዝመርሕ መብራህቲ እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል 12 ዓመት ዕድሜኡ ምስ ማርያምን ዮሴፍን ስደት ከምዝጠዓመን ማርያም ቅድሚ ናታ ድላይ፣ ናይቲ ናይ ኢየሱስ ኣቦ ዝኾነ እግዚኣብሔር ድላይ ዝቕድም ምዃኑ ዘረጋግጽ ኩነት እዩ። ኣብ ጎልጎታ እውን እቲ ካብ ምፍልላይ ዝፍልፍል ጥልቂ ቃንዛ ከጓንፋ እውን እዩ። እዚ ዅሉ ዘጓንፋ እውን እንተኾነ እምነታ ጽኑዕ ከምዝኾነ ዘረጋገጸን። ከምዚ ምዃና ግን እንታይ እዩ እቲ መልሱ? ናይዚ ሕቶ መልሲ ኣብቲ ነቲ መልኣኽ ዘቕረበላ ሕቶ ዝሃበቶ መልሲ ከምእንረኽቦ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “ኣብቲ ኵነት ብስራተ ገብርኤል፣ ናይቲ መልኣኽ ቃል እናሰምዔት ኣዝያ ከምዝሰንበደትን ‘እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን’ ዝብል ዘቕረበቶ ቃለ መልሲ፣ ነቲ እግዚኣብሔር እዚዩ ምስ ዝቐርበካ ዘጋጥም ፈተና ዝነጽር እዩ። እዚ ማለት ግን ኣብ ቅድሚ እቲ ክሓትተካ ዝኽእል እግዚኣብሔር ፍርሕን ራዕድን ማለት ኣይኮነን፣ ማርያም ኣብዚ ኩነት ኣብቲ ኣብ ሕይወታ ለውጢ ከስዕብ ዝኾነ ዘሕደረቶ ግንዛቤ ኣብ ቀዳማይ ዘይጥልቂ ርድኢት ከይተረፈት ነዚ ሓሊፋ ብጥልቂ ክትርእን ብኩነቱ ገዛእ ርእሳ ክሕተት ፈቒዳን ብምልላይ እምነት ጥራሕ ዘረጋግጾ መልሲ ከምዘለዎ ትግንዘብ፣ ናይ ማርያም እምነት ተኣዝዞኣ ናይቲ ዘለዋ ጥልቂ ትሕትና መግለጺ እዩ፣ ንተግባር እግዚኣብሔር ዘይተረድኣቶ ኣውን እንተኾነ ኣብ ውሽጣ ትቕበሎ ልባን ኣእምሮኣን እግዚኣብሔር ጥራሕ ከርህዎ ከምዝኽእል ተኣሚና ገዛእ ርእሳ ንኣኡ ትሓድግ” ምስ በሉ እቲ ንኸነብዕሎ ንቐራረብ ዘሎና በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ናይ ትሑትን ተኣዛዝን እምነት ንኹሎም ኣመንቲ ክጽግው፦ “ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዲልን ኣብ ናይ ንጉስ ሓይልን፣ ኣብ ፍልጥቲ ከተማን ኣብ ብሉጽ ሕንጻን ዘንጸባርቕ ዘይኮነስ ኣብ ማሕጸት ሓንቲ ድንግልን ኣብ ናይ ሓደ ሕጻን ድኽነትን እዩ ዝግለጽ። ከኣሊ ዅሉ እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና እውን እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ብብርታዔኡ ዝዓዪ ኣብ ናይ ሓቅን ፍቕርን ጽሞና እዩ። ስለዚህ እምነት እቲ ኣልቦ ሓይሊ ምክልኻል ዝኾነ ሕጻን ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ጫውጫው ዝብል ብርታዔ ዓለም ሰዓሪ ማለት እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣጠቓሊሎም ድግማ ናይቲ ዝለገስዎ ሥልጣናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታድ ቅዉም ሓሳቡ ኣስሚዖም ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሰናይ ምድላው ንበዓለ ልደት ዘእግዚእነ ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.