2012-12-18 17:11:19

እስፖርታውያን መሰኻኽር ብሱል ሰብአውነትን አብነት መንእሰያትን ይኹኑ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ መንበረ ሮሜ ዝርከብ ሐውርያዊ አደራሽ ንናይ ዓዲ ጣልያን ናይ ኦሊምፒክ ኮሚቶ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ ነቶም አብ ዝሓለፈ አዋርሕ አብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ኦሊምፒክ ተኻፈልትን ተሸለምትን “መሰኻኽር ብሱል ሰብ አውነት ክኾኑ እምበር አደዳ ናይ አፋውስ ክኾኑ ከምዘይብሎም” ብምም ዓድ አብ ዓውዲ ስፖርት እንክትነጥፍ ብቀዳምነት ሰብ ምዃንካን ንዓለም ለኸ ኅብረተሰብ አብነት ክትከውን ከምዝሎካን ክትሓስብ እምበር ምእንቲ ክትስዕር ቢልካ ዝውሰድ ዝተፈላለየ አፋውስ ወጊድ ክብልዎ ሓደራ ቢሎም፣
ስፖርት ንኵስኰሳ ሰብን ባህልን ዝሕግዝ ንወዲ ሰብ ከአ ዓሚቍ ትርጉምን ዋጋን ሕይወት ንክርዳእ ዝሕግዝ ጽቡቅ ምህዞ ኢዩ፣ ስለዚ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ሰብአዊ ዕብየትን ብስለትን እምበር ውድድርን ከተሸንፍ ጥራይ ምጽዓርን አይኮነን ስለዚ ተወዳደርቲ ናይ ኦሊምፒክ ክወዳደሩን ክዕወቱን ጥራይ አይኮነን ትጽቢት ዝግበረሎም፣
ዝኾነ እስፖርታዊ ንጥፈት ብደረጃ ልምምድ ይኹን ውድድር ቅድሚ ዝ አገረ ተአማንነት ይሓትት፣ እዚ ማለት ከአ አካላት ክጉዳእ የብሉን ብኅብረት ብጋንታ ዝስራሕ ስለዝኾነ ምስ ብጾትካ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን የድሊ አብ መወዳእታ እቲ ሓጎስን ዕግበትን መግለጺ ሓጎስ ዝግበር በዓልን ኩሉ ክብረት ወዲ ሰብ ዚሓለወ ክኸውን ከምዘለዎ አዘኻኺሮም፣
ዓውዲ ስፖርት ከም ኩሉ ናይ ሕይወት ተግባራት ቀሊል ሥራሕ አይኮነን ተወፋይነት ጽን ዓት ልዕሊ ኩሉ ከአ ትዕግሥትን ትሕትናን ከምዘድሊ እውን አዘኻኺሮም፣ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ነዚ አመልኪቱ ዝበሎ “ባህሊ ስፖርት አብ ቀዳምነት ሰብአዊ አካል ዝተመስረተ ክኸውን ከምዘለዎን ስፖርት ደአ ኢዩ አብ አገልግሎት ሰብ ክው ዕል ዘለዎ እምበር ወዲ ሰብ አይኮነን አብ አገልግሎት ስፖርት ክው ዕል ዘለዎ” ጠቂሶምሎም፣
ቤተ ክርስትያን ብዛ ዕባ እስፖርት ትግደስ እያ ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብምሉኡ ሕመረት ተልእኾ አ ስለዝኾነን እስፖርት ከአ ናይ ወዲ ሰብ ትምህርቲ ኵስኰሳ ርክብ ከማኡ እውን መንፈሳውነት ስለዘጠቃልል ኢዩ፣ ነዚ ዝምስክር ከአ አብ ኩሉ ቍምስናታት ዘሎ ናይ መንእሰያት ናይ መዘናግዒ አደራሻት ንሥጋውን መንፈሳውን ዕብየት መን ሰያት ክሳብ ክንደይ ከምትግደስን የመልክት፣ ነፍሲ ወከፍ አትለት ብመንፈስ ክርስትና እንተተሃኒጹ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ርክብ ብሕልፊ ከአ እግዚአብሔር አብ ሕይወቱ ዘለዎ ዓላማ ንክርዳእ አይእግሞን ኢዩ እንክብሉ አትለታት ቅኑዓት መሰኻኽር ክኾኑን ካልኦት አብነቶም ንክኽተሉ አብነታውያን ማለት ብቍዓት ሞደል ክኾኑ ተማሕጺኖም፣ እዚ ከአ ከምቲ ወትሩ ንሰምዖ ንክትዕወት ኢልካ ዝውሰድ አፋውስ ንመንፈስ ከምዘድክምን ሕማቅ አብነት ከምዝኾነን ካብዚ ኩሉ ጌጋታትካ እናአረመካ ጉጅለአዊ ጉዕዞ እናገበርካን ነንሕድሕዳካ እናተሓጋገዝካን ክኾውን ከምዘለዎ ሓቢሮም፣
ቅዱስነቶም አብ መደምደምታ ምኽሮም ሎምዘመን ዓመት እምነት ብምዃኑ ነፍሲ ወከፍ አትለት ዕለት ዕለት ንሕማቅ ብጽቡቅ ንሓሶት ብሓቂ ንጽል ኢ ብፍቅሪ ክሸንፍ ሓደራ ቢሎም፣ ከማኡ እውን ንተል እኾ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን ዘሰክሞ ሓላፍነትን ብምዝኽኻር አብ ናይ ስፖርት ዓለም ከምቲ አብ ቤተ ክርስትያን መንጎ አመንትን ዘይ አመንትን አብ ዝካየድ ነዊሕ ዘተ ንክርስቶስ ክተፍልጥ ትጽ ዕር ስፖርታውያን እውን አብ ኩሉ አጋጣሚታት ብክፉት ልቢ ምስ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ባህልታትን ክዋስኡ ሓደራ ቢሎም፣
ቅዱስነቶም አብ ምዝዛም ማዕዳኦም ን እስፖርታውያን አብነትን ጠበቃን ክኸውን ዝኽ እል አብ ንኡስ ዕድሚኡ ዝኃለፈ ብፁዕ ፕየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ብምጥቃስ ከምቲ ንሱ ፍቅሪ እስፖርት ምስ ፍቅሪ እግዚአብሔር ዘተአሳሰረ ክርስትያን ምዃን ማለት ንሕይወትን ንተፈጥሮን ፍቃር እንክኾን ልዕሊ ኩሉ ንብጻይካ ብፍላይ ከአ አብ ጸገም ንዘሎ ብጻይካ ፍቃር ኢዩ እንክብሉ እስፖርታውያን ክኾውንዎን ክገብርዎን ዝግባኦም ነገራት ድሕሪ አመልኪቶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም አሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.