2012-12-13 14:47:20

ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስ መዝገብ


RealAudioMP3 ናይ ስነ ቅዱሳት ጉባኤታት ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዳሪዩዝች ኮዋልዝይክ ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ሕትመት መዝገበ ሃይማኖት “ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን” ምኽንያት ኣብዚ መዝገብ ሃይማኖት ዝተደገፈ ሰሙናዊ ዕለተ ሰሉስ ተኸታታሊ ኣስተምህሮ የቕርቡ ከምዘለዎ እክዝከር፣ ቅድሚ ትማሊ ክርስቲያናዊ ትውፊት” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉም፦ “ክርስቲያን ‘ንሱ ኵሉ ሰብ ኪድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ኪመጽእን እዩ ዚፈቱ’ (1ጢሞ. 2,4) ስብእናን ታሪኽን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር ተኣምኖተ እምነት ዝገልጽን ዝነብርን እዩ። ስለዚህ ናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ናብ ኩሉ ዘርኢ ሰብ ክብጽሕ ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም።
“መዝገበ ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ ዝርጋሔ ወንጌል ብሓዋርያት ብኽልተ መገዲ ማለት ቅድም ብቓል ስዒቡ ድማ ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ‘መጽሓፍ ቅዱስ ዘቕውም’ ብጽሑፍ ከምእተመሓላለፈን ቅድሚ ብጽሑፍ ብቓል ዝቀረቡ ስብከታት ኣብቲ ብሉጽ ፍጹም ናይ እምነት መግለጺ ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ግብእ ስፍራ ከምዝረኸቡን ኣረዲኦም”። መዝገበ ሃይማኖት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍቕዲ 78 ጠቒሶም፦ “እቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈጸመ ሕያው ዝኾነ ምትሕልላፍ ‘ትውፊት’ ተባሂሉ ይስመ። ንሱ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፍልይ ዝበለ’ኳ እንተኾነ ብቐረባ ምስኡ ዚራኸብ እዩ። ‘ቤተ ክርስቲያን እምበርኣር ኣብ ትምህርቲ እምነታ ኣብ ሕይወታ ኣብ ናይ ኣምልኾ ስርዓታት እቲ ዅሉ ሃለዋታን እምነታን ናብ ኩሎም ወለዶታት እትመሓላልፎ በዚ ትውፊት’ዚ እያ’።” ቢሎም ብቅዱስ ትውፊት እግዚኣብሔር ነታ መርዓት ወዳ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያኑ ይዛረብ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ነቶም ማኅበረ ምእመናን ናብቲ ምልኣተ ምስትውዓል ሓቂ ከምዝመርሕ ብመሠረት መዝግበ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣረዲኦም፣ ፍቕዲ 83፦ ኣብቲ ሓዋርያዊ ትውፊትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊታትን፣ “ትውፊት ክበሃል ከሎ ብንውሒ ጊዜ ኣበየ ቦታኡ ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያን ምስ ዝበቘለን ዝማዕበለን ንትምህርተ መለኮት መንፈሳውነት ስርዓት ኣምልኾን ንሕግን ስርዓታትን ምስ ዚርኢ ዝተፈላለየ ትውፊታት ኪደባለቕ የብሉን፣ እዚ ኩሉ እቲ ክቡርን ዓቢይን ትውፊት ዝግለጸሉ ንዝተፈላለየ ቦታን ግዜን ዚሰማማዕ ፍሉይ መልክዓትን መስርዓትን ጥራሕ እዩ። ወትሩ ከኣ ብመንጽር’ታ ዓባይ ትውፊት እዘን ትውፊታት’ዚኣተን ኪዕቀባ ብናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣነ ትምህርትን መምርሕታትን ከኣ ኪመሓየሻ ኪሕደሳ እንተድለየ’እውን ከልግሳ ይኽእላ” ምስ በሉ ዝተፈላለዩ ትውፊታትን ሃይማኖታው ኣምልኾታትን ኣብ እምነትና ዝድግፉና ክሳብ ዝኾኑ ንዓቅቦም፣ ኮይኑ ግን ነቲ ዓብይን ቅዱስን ሓዋርያዊ ትውፊት ከየደብንን ከይዓብጦን ምጥንቃቕ የድሊ እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.