2012-12-11 14:20:16

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን


RealAudioMP3 ብዘይ ፍሉይነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንኹሉ ፍጥረት ሰብ ዝምልከት እዩ። እዚ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ መሰልን ክብርን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመት ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መበል 63 ዓመት ምእዋጅ ዝበዓለሉ ዘሎ ሰነድ ዝሰፈረ ቃል ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ በዛ ዕለት ምኽንያት ናይ ሕብራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዝገለጹ ክምልከት እንከሎ፣ ብዛዕባ እዋናውነት እቲ ሰነድ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ መንበረ ጥበብ ፓዶቫ ናይ ስነ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ስነ ዴሞክራስን ስነ ሰላምን ጉዳይ መምህር ፕሮፈሰር ኣንቶኒዮ ፓፒስካ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምስ ዓለም ለኻዊ ምእዋጅ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሰነድ ሓድሽ ዘመን ከምእተኸፍተን፣ እዚ ድማ ኣብ ምክብባርን ማዕርነትን ዘርኢ ሰብን ኣብ ዝብል መትከል ዝቖመ ሓድሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሳኔ ዝምልከት ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ነቲ ሰነድ ኣስተንፍሶ ዝኾኑን ኣብ ውሳኔ ኣብጺሖም ተሰኒዱ ክቕርብን ክጸድቕን ዝገበሩ ብሓቂ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓቢይ ህያብ እዮም ሓዲጎም። እቲ ሰነድ ብመሠረቱ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕሊናን ሃይማኖትን ነጻነት ክህሎ ዝብልን፣ እዞም ሰለስቲ ነጻነታት እዚኣቶም ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እያቶም፣ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እዞም ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጉዳያት ክገሃሱ ከምዝርአይን፣ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸቕጢ እናስዓበ ድማ ብፍላይ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምኽባር ናይ ሰበኣዊ መሰልን ክብርን ግቡእነት እናዳኸመ ናይ ዕዮን ክንክን ጥዕናን ትምህርትን መግብን ናይ ምርካብ መሰል ንሓደጋ ኣቃሊዑ ከምዝርከብ ኣረዲኦም፣ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ድረታ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ኮይኑ ማሕበራውን ሰብኣውን ሓደጋታት የስዕብ ኣሎ። መሰልን ግቡዕን ብማዕርነት ናብ ሰላም ዘብጽሕ መገዲ ኮይኑ ፍትሒ ክዓስሎ እንከሎ ሰላም ተግባራዊ ይኸውን ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.