Home Archivio
2012-12-11 14:24:13
ኣብ ብራዚል፦ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ሞት
ኣብ ብራዚል ካብ ልዕሊ 40 ዓመት ንላዕሊ ንናይቲ ከባቢ ጥንትውያን ተወለደቲ ሃገር ዓሌት ካብቲ ዘጓንፎም መከራ ንምንጋፍ ቤት ምኽሪ ናይ ጥንታውያን ተወለድቲ ሃገር ሓልዮ ልኡካነ ወንጌል ቤት ብሙቛም ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ሳን ፈሊክስ ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ካሳልዳሊጋ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተነፊግዎን ንብዙሕ ጸገም ንዝተቓልዑ ቀዳሞት ተወለድቲ ሃገር ሓልዮ ብዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ንናይ ሞት ሓደጋ መጥቓዕቲ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን ኣብ ልዕሊኦም ብዝፍነው ዘሎ ናይ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ሞት ምኽንያት ካብቲ ከባቢ ከምዝወጹን ብፍላይ ድማ ናይቶ ጥንታውያን ደቀባት ንብረት ዝኾነ መሬት ምንዛዔ ብምቅዋም ንፍርዲ ቤት ብዘቕረብዎ ክሲ መሬት ናይቶ ደቀባት ንኽምለስ ብምክርኻር ፍርዲ ቤት ነዘቕረብዎ ክሲ ተቐቢሉ ነቲ ናቶም ሕቶ ዝድግፍ ውሳኔ ክህብሉ ምዃኑ ብዝንገር ዘሎ ዜና ምኽንያት ኣብ ልዕሊኦም ዝመሓላለፍ ዘሎ ናይ ሓደጋ ሞት መጥቓዕቲ ካብ ከባቢኦም ንኽወጹ ከምእተገዱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። እዞም ተወላዲ ስፐይን ወዲ 84 ዓመት ዕድመ ኣብ ኤኳቶሪያል ጊኒ ንሸውዓተ ዓመት ዘገልገሉን ቀጺሎም ኣብ ብራዚል ንኣርብዓን ኣርባዕተን ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.