2012-12-11 14:24:13

ኣብ ብራዚል፦ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ሞት


RealAudioMP3 ኣብ ብራዚል ካብ ልዕሊ 40 ዓመት ንላዕሊ ንናይቲ ከባቢ ጥንትውያን ተወለደቲ ሃገር ዓሌት ካብቲ ዘጓንፎም መከራ ንምንጋፍ ቤት ምኽሪ ናይ ጥንታውያን ተወለድቲ ሃገር ሓልዮ ልኡካነ ወንጌል ቤት ብሙቛም ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ ሳን ፈሊክስ ልሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፐድሮ ካሳልዳሊጋ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ተነፊግዎን ንብዙሕ ጸገም ንዝተቓልዑ ቀዳሞት ተወለድቲ ሃገር ሓልዮ ብዝፍጽምዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ንናይ ሞት ሓደጋ መጥቓዕቲ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን ኣብ ልዕሊኦም ብዝፍነው ዘሎ ናይ ምፍርራሕ መጥቃዕቲ ሞት ምኽንያት ካብቲ ከባቢ ከምዝወጹን ብፍላይ ድማ ናይቶ ጥንታውያን ደቀባት ንብረት ዝኾነ መሬት ምንዛዔ ብምቅዋም ንፍርዲ ቤት ብዘቕረብዎ ክሲ መሬት ናይቶ ደቀባት ንኽምለስ ብምክርኻር ፍርዲ ቤት ነዘቕረብዎ ክሲ ተቐቢሉ ነቲ ናቶም ሕቶ ዝድግፍ ውሳኔ ክህብሉ ምዃኑ ብዝንገር ዘሎ ዜና ምኽንያት ኣብ ልዕሊኦም ዝመሓላለፍ ዘሎ ናይ ሓደጋ ሞት መጥቓዕቲ ካብ ከባቢኦም ንኽወጹ ከምእተገዱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። እዞም ተወላዲ ስፐይን ወዲ 84 ዓመት ዕድመ ኣብ ኤኳቶሪያል ጊኒ ንሸውዓተ ዓመት ዘገልገሉን ቀጺሎም ኣብ ብራዚል ንኣርብዓን ኣርባዕተን ዓመት ዘገልግሉ ዘለዉ ምዃኖም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.