2012-12-11 14:15:23

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ንጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ “ክርስቶስ ንዓለም ዝልውጥ ወሳኒ ሓይሊ ኢዩ።”


RealAudioMP3 ዕለት 9 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ብጳጳሳዊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣመሪካ ሓልዮ ድርገትን ናይ ኮሎቦስ ፈረሰይናታት ማሕበር ዘዳለዎ Congresso “Ecclesia in America-ጉባኤ ቤተ ክርስታያን ኣብ ኣመሪካ ተሳተፍቲ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ብዝለገስዎ ምዕዳን ብድሆታት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘርዚሮም ብፍላይ ድማ ዓለማዊነት ማለት ሃይማኖት ዝንጽል ስነ ምግባርን ትምህርትን ብዘይ ሃይማኖት ዝብል ባህልን ድኽነትን ዘደንዝዙ እጸዋትን ዝኣመሰሉ ብቐዳምነት ጠቒሶም፣ ነቲ ብድሆ ኣብ ፍቕርን ሓቅን ክርስቶስ ብዝተመስረተ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክስነፍ ከምዘተሓሳሰቡ ጋዜጥይና ፒሮ ኣመልኪተን፣ ምስቲ ህያው ዝኾነን ኣብ ፍቅርን ሓቅን ዝተመስረተ ንቑሕን ዓያይን ሕይወት ዝዕድል ጐይታ ምርኻብ እቲ ቀንዲ ንመላእ ላቲን ኣመሪካ ዝልውጥ ሓይሊ ምዃኑን፣ እዚ ድማ ተልእኾ ናይቶም ኣብቲ ድሕሪ 15 ዓመት ሲኖዶሶ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ተሳተፍቲ እዩ ቢሎም፣ እዚ ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ተነብዮ ዝተነቓቕሐ ዕላማ ሎሚ ካብ ቀደም ኣዚዩ ኣብ ክፍሊ ዓለም ላቲን ኣመሪካ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎን ጽንዓት ዝሓትት ብግልጽነትን ብትግሃትን ብርታዔን ወንጌል ክርስቶስ ምቅላሕ ዝብል ተልእኾ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፣ “ኣመሪካ ዓለማዊነትን ምስፋሕ ሓደስቲ ጉጅለ ሃይማኖታትን ስድራ ቤትን ምስጢረ ተክሊል ዘይከላኸል ዝሰፍሕ ዘሎ ኣመለኻኽታ ሰብኣዊ ክብሪ ሓልዮ ዝብሉ ብድሆታት ክትገጥ ከምእተጸውዔ ኣነጺሮም፣ ጉዳይ ስደተይናታትን ዓመጽን ንግድ ዘደንዝዙ ዕጸዋትን ምግባረ ብልሽውናን፣ ንግድ ኣጽዋር ውግእን ኣብ ዓለም ኣብ ግብሪ ብዝውዕሉ ዘለዎ ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ‘ዘከራኽሩ ኣግባብ’ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽንኩር ድኽነትን ብኹለ መዳዩ ብጥልቂ ክጽናዕን ግብረኣዊ ግምገማ ክግበረሉ ኣገዳሲ ኣዩ፣ ቤተ ክርስታይን ካብ ክርስቶስ ዝምንጭ ብቑዕ መፍትሒኡ ትሕብር፣ ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ መፍትሒኡ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ፒሮ ሓቢረን።
ቅዱስነቶም “ብዘይ ደረት ብነጻን ብውዕዉዕ መንፈስን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ወንጌል ብሓድስ መንፈስ ክሰፍሕ ኣተሓሳሲቦም፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ነቶም ጽምኣት እግዚኣብሔር ንዘለዎም ካብ ዝቐርብ ካልእ ዓቢይን ርውየት ዝህብ ብሉጽ ኣገልግሎት የሎን”፣ ኮይኑ ግን እቶም ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝተጸምዱ ቀንደይና ተዋሳእቲ ምስቲ ህያው ጎይታ ብዘጽንዕዎ ርክብ ዝተሓደሰን ዝነጽሔን ውሳጣውን ግዳማውን ሕይወት ክህልዎም ዝሓትት ኣገልግሎት እዩ። ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ እነቕርቦ ትምህርተ ክርስቶስ ብቕዓት ዝህልዎ፣ ስለዚህ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ ብቑዕን ቀዋምን ሕንጸት ከምዘድልን፣ እዚ ድማ ኣብ ቃል እግዚኣብሔርን ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኣምኔ ዝሓትት እዩ፣ በዚ ዓይነት ሕይወት ጥራሕ ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ልቢ ውሽጢ ዝተነብረ ዓሚይቕ ሕቶን ሃረርታን መልሲ ንምቕራብ ዝከኣል” ከምዝበሉ ኢዛቤላ ፒሮ ሓቢረን ኣስዒበን ናይ ጳጳሳዊ ቤተ ክርስትያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ሓልዮ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦሌት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንተጋባእያን ቅድሚ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምርኻቦም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ብኣስተንፍሶ ቅዱስ መንፈስ ነቲ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝቐረበ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ዘድምዕ ከምዝነበረን፣ “ኣብ ኣመሪካ ዘላ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሱታፌን ምትሕብባርን ክትልወጥን ነቲ ዝተውሃባ ተልእኾ ተኣምኒትን እምንትን ኮይና ነቶም ተበዓት ልኡኻትን ቅዱሳትን ሰማዕታትን ደቃ ብምስዓብ ነቲ ዝተቐደሰ መሬታ ወንጌል ብሓድሽ መንፈስ ከተበስር ዝተጸውዔት እያ ከምዝበሉ ኣመልኪተን፣ በዚ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴን ብስልጣናዊ ቃል ቅዱስ ኣቦና እቲ ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ እኖ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝቕጽል ጉባኤ ከምእተከፍተ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.